ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 2/13 ገጽ 16
  • ጭራ እቲ ኣጌማ ዚብሃል ጠበቕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጭራ እቲ ኣጌማ ዚብሃል ጠበቕ
  • ንቕሑ!—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2013
  • ጠሊ ዚስሕብ ቈርበት ጠበቕ ቶርኒ ዴቭል
    ንቕሑ!—2015
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2015
ንቕሑ!—2013
g 2/13 ገጽ 16

ተነዲፉ ድዩ፧

ጭራ እቲ ኣጌማ ዚብሃል ጠበቕ

ኣጌማ ዚብሃል ጠበቕ፡ ካብ ባይታ ናብ መንደቕ ብቐሊሉ ኺነጥር ይኽእል እዩ። እቲ መንደቕ ዜንሳትት እንተ ዀይኑ ግና፡ ኪጣበቕ ኣይክእልን እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ኣብቲ መንደቕ ኪዓልብ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ እቲ ምስጢር ኣብ ጭራኡ እዩ ዘሎ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቶም ኣጌማ ዚብሃሉ ጠበቕ፡ ካብቲ ብቐሊሉ ኺጣበቑ ዚኽእሉሉ ሓርፋፍ ቦታ ቕድሚ ምንጣሮም፡ ፈለማ ንሰብነቶም የተዓራርዩ፣ ድሕሪኡ፡ ጭራኦም ንታሕቲ ይገብሩ። እዚ ኸኣ ብትኽክል ንኺነጥሩ ይሕግዞም። ኣብ ዜንሳትት ቦታ ግና፡ ስለ ዚዕንቀፉ፡ ብትኽክል ኪነጥሩ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣየር ከለዉ ነታ ጭራኦም ናብ ላዕሊ ገይሮም ብምንቅስቓስ፡ ኣንፈት ሰብነቶም የተዓራርዩ። እዚ መስርሕ እዚ፡ ብሃውሪ ዚግበር ኣይኰነን። እቲ ኣብ በርክለይ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ “እቶም ጠበቓት ኪነጥሩ ኸለዉ ዅሉ ሳዕ ንላዕሊ ገጾም ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንጭራኦም ብተደጋጋሚ ናብቲ ቕኑዕ ኣንፈት ኬተዓራርይዎ ኣለዎም።” እቲ እቶም ጠበቓት ዚዓልቡሉ ቦታ ብዝያዳ ዜንሳትት እንተ ዀይኑ፡ ብግቡእ ምእንቲ ኺዓልቡ፡ ብዝያዳ ንጭራኦም ንላዕሊ ሓፍ ኬብልዎ ኣለዎም።

ጭራ እቲ ኣጌማ ዚብሃል ጠበቕ፡ ንመሃንድሳት፡ ሚዛኖም ዚሕልዉ ሮቦት ንኺሰርሑ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ፣ እዞም ሮቦት እዚኦም ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ወይ ካልእ ሓደጋ፡ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ብቕልጡፍ ዜናድዩ እዮም። ቶማስ ሊቢ ዝስሙ ተመራማሪ፡ “ሮቦት ከም እንስሳታት ቅልጡፋትን ሚዛኖም ኪሕልዉ ዚኽእሉን ኣይኰኑን፣ ስለዚ፡ ንሓደ ሮቦት ብዝያዳ ሚዛኑ ኸም ዚሕሉ ዚገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ከም ዓብዪ ምምሕያሽ ጌርካ እዩ ዚርአ” በለ።

እንታይ ይመስለካ፧ ጭራ እቲ ኣጌማ ዚብሃል ጠበቕ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ