ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 7/13 ገጽ 4-5
  • ንዚቝጣዕ ውሉድ ብኸመይ ከም እትሕዞ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዚቝጣዕ ውሉድ ብኸመይ ከም እትሕዞ
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ውሉዳት እዙዛት ንኪዀኑ ምምሃር
    ንቕሑ!—2015
  • ርእሰ ግትኣት ዘለዎ ጥቕሚ
    ንቕሑ!—2019
  • ንውሉድካ ኻብ ሓዘኑ ኺጸናናዕ ሓግዞ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 7/13 ገጽ 4-5

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንዚቝጣዕ ውሉድ ብኸመይ ከም እትሕዞ

ጸገም

እቲ ወዲ ኽልተ ዓመት ዝዀነ ውሉድካ ኺሓርቕ ከሎ፡ ይውጭጭን ዱጭ ዱጭ ይብልን ይዋቓዕን። ንስኻ ድማ፡ ‘እዚ ቘልዓ ደሓን ድዩ፧ እንታይ ዜቘጥዖ ነገር እየ ገይረ፧ ይሓድጎዶ ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ።

ነቲ ወዲ ኽልተ ዓመት ውሉድካ፡ ጠባዩ ንኺመሓየሽ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ግና፡ ጠንቂ ቝጥዓኡ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኣሎካ።a

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ንኣሽቱ ቘልዑ ንስምዒቶም ናይ ምቍጽጻር ተመክሮ የብሎምን። እዚ ረቛሒ እዚ ጥራይ እኳ ኸም ዚቝጥዑ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ።

ሓደ ቘልዓ ወዲ ኽልተ ዓመት ኪኸውን ከሎ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ለውጢ እሞ ሕሰብ። ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ፡ ወለዱ ዜድልዮ ዘበለ ነገራት የማልኡሉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኪበኪ ኸሎ፡ እናጐየዩ ይመጽዎ። ‘ሓሚሙ ደዀን ይኸውን፧ ከብልዖ፡ ክረርዎ፡ ወይ ጨርቂ ሽንቲ ክቕይረሉ ድዩ ደልዩ፧’ ኢሎም እውን ይሓስቡ። ዝከኣሎም ኵሉ ኸኣ እዮም ዚገብሩ። ከምኡ ምግባሮም እውን ግቡእ እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ቘልዓ ምሉእ ብምሉእ ኣባታቶም እዩ ዚውከል።

ይኹን እምበር፡ እቲ ቘልዓ ወዲ ኽልተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ወለዱ ዚገብሩሉ ዝነበሩ ኽንክን ቀስ ብቐስ ይንኪ ኸም ዘሎ ይግንዘብ። ከም ቀደሞም ነቲ ዜድልዮ ነገራት ኬማልኡሉ ዘይኰኑ ዚጽዕሩስ፡ ንሱ ምስ ድሌታቶም ንኺሰማማዕ እዮም ትጽቢት ዚገብሩሉ። ከም ቀደም ኡፍ ኡፍ ዚብሎ ስለ ዚስእን ድማ፡ ተቓውሞ ይጅምር፣ ነዚ ኸኣ ብቝጥዓ እዩ ዚገልጾ።

እቲ ቘልዓ እተወሰነ እዋን ጸኒሑ፡ ንወለዱ ኸም ተኸናኸንቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ወሃብቲ መምርሒ ገይሩ እውን ኪርእዮም ኪጅምር እዩ። ‘ንወለዱ ኺእዘዞም’ ከም ዘለዎ እውን ኪርዳእ እዩ። (ቈሎሴ 3:20) ኣብቲ ደረጃ እቲ ኽሳዕ ዚበጽሕ ግና፡ ብተደጋጋሚ እናተቘጥዐ ንወለዱ ሞኽ የብሎም ይኸውን።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ክትርድኣሉ ጽዓር። ንውሉድካ ኸም ዓብዪ ሰብ ጌርካ ኣይትርኣዮ። ንስምዒቱ ናይ ምቍጽጻር ተመክሮ ስለ ዘይብሉ፡ ኪሓርቕ ከሎ ገንጨርጨር ይብል ይኸውን። ስለዚ፡ ንነገራት ብዓይኒ ውሉድካ ጌርካ ኽትርእዮ ፈትን።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ቈረንቶስ 13:11።

ህድእ በል። ውሉድካ ኪቝጣዕ ከሎ፡ ንስኻ እውን እንተ ተቘጢዕካ፡ ዋጋ የብሉን። ብዚከኣለካ መጠን፡ ንእንጽርጽሮት ውሉድካ ዕሽሽ ብምባል፡ ስምዒትካ ተቘጻጸር። ውሉድካ ስለምንታይ ከም ዚቝጣዕ ምዝካርካ፡ ህድእ ንኽትብል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 19:11።

ብውሳነኻ ጽናዕ። ንውሉድካ ዝደለዮ ዘበለ ትህቦ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ዚቕጽል እዋን ገለ ነገር ኪደሊ ኸሎ፡ መሊሱ ኪቝጣዕ እዩ። ስለዚ፡ ጽኑዕ ሰብ ምዃንካ ንውሉድካ ብህድኣት ኣርእዮ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴዎስ 5:37።

ውሉድካ ስለምንታይ ከም ዚቝጣዕ ምዝካርካ፡ ህድእ ንኽትብል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ

ዕጉስ ኩን። ብፍላይ ኣቐድም ኣቢልካ፡ ውሉድካ ኪቝጣዕ ከሎ ኸም ድላዩ ትገብረሉ እንተ ኔርካ፡ ውሉድካ ንቝጥዓኡ ብሃንደበት ኬቋርጾ ኣይትጸበ። ይኹን እምበር፡ እቲ እትህቦ ምላሽ ግቡእን ዘይቀያየርን እንተ ዀይኑ፡ ውሉድካ ንቝጥዓኡ ቐስ ብቐስ ኪንክዮ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ምሉእ ብምሉእ ኪሓድጎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ዓቃል . . . እያ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 13:4።

ነዚ ዚስዕብ እውን ፈትኖ፦

  • ውሉድካ ኪቝጣዕ ከሎ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኸይጐዳእካ ብኣእዳዉ ብምሓዝ፡ ንኸይዋቓዕ ከልክሎ። ኰይኑ ግና፡ ኣይትጨድረሉ። ክሳዕ ዚሃድእ ጥራይ ተጸበዮ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ውሉድካ፡ ቍጥዓኡ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ኸም ዘየምጽኣሉ ኺርዳእ እዩ።

  • ውሉድካ ኣብ ዚቝጥዓሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ዘዳለኻዮ ቦታ ንበይኑ ኸም ዚኸውን ግበር። ምስ ሃድአ ጥራይ ኪንቀሳቐስ ከም ዚኽእል ንገሮ፣ ኣብኡ ኸኣ ሕደጎ።

  • ውሉድካ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ከለኻ እንተ ተቘጢዑ፡ ንበይኑ ፍለዮ። ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝሰሓበ ኢልካ ጥራይ ኢድካ ኣይትሃብ። ኢድካ እንተ ሂብካ፡ ንውሉድካ፡ እንተ ተቘጢዑ ዝደለዮ ነገር ኪረክብ ከም ዚኽእል ዚገልጽ ግጉይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፈሉ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ቘልዓ ብተባዕታይ ጾታ እኳ እንተ ጠቐስናዮ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • ‘ቈልዓ ኸለኹ፡ ከም ቈልዓ እሓስብ፡ ከም ቈልዓ እመራመር ነበርኩ።’—1 ቈረንቶስ 13:11።

  • “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ።”—ምሳሌ 19:11።

  • “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይኰነን ይኹን።”—ማቴዎስ 5:37።

ዘይለዋወጥ መርገጽ ይሃሉኻ

“ወለዲ ብዛዕባ ውሉዶም፡ ‘ኣይከውንን እዩ ኢልካዮ እኳ እዩ ዘይሰምዕ’ ኢሎም ኬማርሩ ኸለዉ ብውሽጠይ እስሕቕ እየ። ምኽንያቱ፡ ዘረባኦም ካብቲ ብዛዕባ ውሉዶም ዚገልጾ ንላዕሊ፡ ብዛዕባኦም ብዝያዳ ዚሕብሮ ነገር ኣሎ። ‘ኣይከውንን እዩ’ ኢልካዮ ዘይሰምዕ ሓደ ውሉድ፡ ብሰንኪ ወለዱ እዩ ኸምኡ ዚኸውን። እቲ ጸገም ኣብቲ ቘልዓ ኣይኰነን ዘሎ፣ የግዳስ፡ ወለዱ ጽኑዓት ምዃኖም ስለ ዘየርኣዩ እዩ።”—ጆን ሮዝሞንድ፡ ኒው ፓረንት ፓወር!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ