ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 2 ገጽ 4-5
  • ርእሰ ግትኣት ዘለዎ ጥቕሚ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ርእሰ ግትኣት ዘለዎ ጥቕሚ
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ርእሰ ግትኣት እንታይ እዩ፧
  • ርእሰ ግትኣት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ርእሰ ግትኣት ብኸመይ ትምህር፧
  • ንውሉድካ ርእሰ ግትኣት ምሃሮ
    ንቕሑ!—2015
  • ርእሰ ግትኣት ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ዓስቢ ዓወት ንምርካብ ርእስኻ ግታእ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብታ ፍልጠት ምግታእ ርእስኻ ወስኽ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 2 ገጽ 4-5
ሓደ ሕጻን ኣብ ድኳን ካራሜላ ኪወስድ ምስ በለ፡ ኣዲኡ ትኣብዮ

ትምህርቲ 1

ርእሰ ግትኣት ዘለዎ ጥቕሚ

ርእሰ ግትኣት እንታይ እዩ፧

ርእሰ ግትኣት ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

  • ዝደለኻዮ ብቕጽበት ኪፍጸም ዘይምጽባይ

  • ንድርኺትካ ምቍጽጻር

  • ዘይትፈትዎ ዕማም ምዕማም

  • ንኻልኦት ካብ ርእስኻ ምቕዳም

ርእሰ ግትኣት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ርእሶም ኣጸቢቖም ዚገትኡ ቘልዑ፡ ዜህርር ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ ኺኣብዩ ይኽእሉ እዮም፣ ዋላ እውን እቲ ፈታኒ ነገር ኣብ ሓጺር እዋን ባህ ዜብል እንተ መሰለ፡ ብእኡ ኣይስነፉን እዮም። ርእሶም ብዙሕ ዘይገትኡ ቘልዑ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ኸምዚ ዚስዕብ ይዀኑ እዮም፦

  • ተባኣስቲ

  • ሕዱር ጭንቀት ዘለዎም

  • ሽጋራ ዜትክኹ፡ መስተ ዜብዝሑ፡ ወይ ሓሽሽ ዚወስዱ

  • ሕማቕ ኣመጋግባ ዘለዎም

ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ርእሶም ኣጸቢቖም ዚገትኡ ቘልዑ፡ ምስ ዓበዩ ብጸገማት ጥዕናን ብፊናንሳዊ ጸቕጥን ምስ ሕጊ ብእተተሓሓዘ ጸገማትን ብዙሕ ኣይሽገሩን እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፐንስልቨንያ እትዓዪ ፕሮፌሰር ኣንጀላ ዳክዎርዝ በቲ መጽናዕቲ እቲ ተመርኲሳ፡ “‘እምብዛ’ ርእሰ ግትኣት ዚብሃል ከይህሉ ይኽእል እዩ” ኢላ ደምዲማ እያ።

ርእሰ ግትኣት ብኸመይ ትምህር፧

ብጽኑዕ ምእባይ ፍለጦ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን።”—ማቴዎስ 5:37።

ቈልዑ ዓበርበር ብምባል፡ ምናልባት ሰብ ኪርእዮም ከሎ ኣመና ብምብካይ፡ ንወላዲኦም ይፍትንዎ እዮም። ወላዲኦም እንተ ተሰኒፉ፡ እቲ ቘልዓ ነቲ እተኣብዮ ነገር ንምርካብ፡ ዓበርበር ኪብል ከም ዘለዎ እዩ ዚምሃር።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ወላዲ ምስ ኣበየ እንተ ጸኒዑ፡ እቲ ቘልዓ ነዚ ኣብ ህይወት ዜጋጥም መሰረታዊ ሓቂ እዩ ዚምሃር፦ ወትሩ ዝደለናዮ ኣይንረክብን ኢና። ዶ/ር ዴቪድ ዎልሽ፡ “እቲ ዜገርም፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ እተማህሩ ሰባት ብዝያዳ ዕግበት ኣለዎም። ስለዚ፡ ዓለም ዝደለይዎ ዘበለ ዅሉ ኸም እተቕርበሎም ጌርና ኽንምህሮም ከለና፡ ንጠቕሞም ኣይኰንናን ዘለና”a ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።

ሕጂ ንውሉድካ እንተ ኣቢኻዮ፡ ደሓር ኣብ ህይወቱ ንርእሱ ኺኣብያ ይሕግዞ እዩ። ንኣብነት፡ ሓሽሽ ኪወስድ፡ ከይተመርዓወ ጾታዊ ርክብ ኪገብር፡ ወይ ኣብ ካልእ ጐዳኢ ተግባራት ኪሳተፍ ምስ ተፈተነ፡ ርእሱ ኺገትእ እዩ።

ንደቅኻ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ሳዕቤናት ከም ዘሎ ኣረድኣዮም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።”—ገላትያ 6:7።

ውሉድካ ተግባራቱ ሳዕቤናት ከም ዜስዕበሉ፡ ርእሱ እንተ ዘይገቲኡ ድማ ሕማቕ ሳዕቤናት ከም ዜስዕበሉ ኣረድኣዮ። ንኣብነት፡ ውላድካ ኺሓርቕ ከሎ ቝጥዓኡ ዘይቈጻጸር እንተ ዀይኑ፡ ሰባት ኪርሕቅዎ እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ዜሕርቕ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ ርእሱ ዚገትእ እንተ ዀይኑ፡ ከምኡ ድማ ንሰባት ኣብ ክንዲ ዚዀልፍ ዓቕሊ ገይሩ ዚጽበ እንተ ዀይኑ፡ ሰባት ኪቐርብዎ እዮም። ርእሱ ኺገትእ ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዚረክብ ኣረድኣዮ።

ንውሉድካ ቐዳምነት ኪህቦ ዚግባእ ነገራት ኪሰርዕ ምሃሮ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚሓይሽ [መርምሩ።]”—ፊልጲ 1:10።

ርእሰ ግትኣት ኪብሃል ከሎ፡ ሕማቕ ከይትገብር ገዛእ ርእስኻ ምቍጽጻር ጥራይ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ኣብ ዘይጥዕመካ ወይ ቃሕ ኣብ ዘይብለካ እዋን እኳ፡ ኣድላዪ ነገር ምግባር እውን የጠቓልል እዩ። ውሉድካ ቐዳምነት ኪህቦ ዚግባእ ነገራት ብኸመይ ከም ዚሰርዕን ነዚ ብኸመይ ከም ዚስዕቦን ኪምሃር ኣለዎ። ስለዚ፡ ንውሉድካ ቕድም ኣገዳሲ ነገራት ኪገብር ምሃሮ። ንኣብነት፡ ንዕዮ ገዛ ቕድሚ ጸወታ ኺሰርዖ ኣለዎ።

ጽቡቕ ኣርኣያ ኹን።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።”—ዮሃንስ 13:15።

ዘይብርሃካ ወይ ዜሕርቐካ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ከም እትገብር ውሉድካ ይርኢ እዩ። ርእሰ ግትኣት ናብ ዝሓሸ ፍረ ኸም ዚመርሕ ብኣብነት ኣርኢ። ንኣብነት፡ ውሉድካ ንትዕግስትኻ ኺፍትኖ ኸሎ፡ ብሕርቃን ዲኻ እትምልስ ወይስ ብህድኣት፧

a ኖ፦ ዋይ ኪድስ—ኦቭ ኦል ኤጅስ—ኒድ ቱ ሂር ኢት ኤንድ ወይስ ፓረንትስ ካን ሰይ ኢት ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ።

ሓደ ሕጻን ኣብ ድኳን ካራሜላ ኪወስድ ምስ በለ፡ ኣዲኡ ትኣብዮ

ሕጂ ኣሰልጥን

ሕጂ ንውሉድካ እንተ ኣቢኻዮ፡ ደሓር ኣብ ህይወቱ ንርእሱ ኺኣብያ ይሕግዞ እዩ። ንኣብነት፡ ሓሽሽ ኪወስድ ወይ ኣብ ካልእ ጐዳኢ ተግባራት ኪሳተፍ ምስ ተፈተነ፡ ርእሱ ኺገትእ እዩ

ብኣብነት ምሃር

  • ኣብ ዜሕርቕ ኵነታት ቍጥዓይ ክቈጻጸር ኸለኹ ውሉደይ ይርኢ ድዩ፧

  • ጸገማት ብህድኣት ክሕዝ ዝፍትነሉ ምኽንያት ንውሉደይ ገሊጸሉ ድየ፧

  • ውሉደይ እንታይ ኢሉ ምገለጸኒ— ህዉኽን ቍጡዕን ኢሉዶ ወይስ ርእሱ ዚቈጻጸርን ዚገትእን፧

ንሕና ዝገበርናዮ . . .

“ጓልና ኽትበሳጮ ወይ ክትሓርቕ ይፍቀደላ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ስምዒታታ ነቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ኼሕርቖም ግና ኣይፍቀደላን እዩ ነይሩ። ርእሳ ኽትገትእ እንተ ዘይክኢላ፡ ክሳዕ እትሃድእ ጥቓ ሰባት ክትከውን ኣይፍቀደላን እዩ ነይሩ።”—ተሪሳ።

“ኣነን ሰበይተይን ንደቅና ስለምንታይ ከም ዜሐብኑና ኸነፍልጦም ሸቶና ጌርናዮ ኔርና ኢና። ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ርእሶም ኪገትኡ እንተ ኽኢሎም፡ ንንእዶም ኔርና ኢና።”—ወይን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ