ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 8/15 ገጽ 8-9
  • ንውሉድካ ርእሰ ግትኣት ምሃሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንውሉድካ ርእሰ ግትኣት ምሃሮ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ርእሰ ግትኣት ዘለዎ ጥቕሚ
    ንቕሑ!—2019
  • ዓስቢ ዓወት ንምርካብ ርእስኻ ግታእ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብታ ፍልጠት ምግታእ ርእስኻ ወስኽ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ርእሰ ግትኣት ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 8/15 ገጽ 8-9
ሓንቲ ንእሽቶ ቘልዓ ናብ ሓዋ እናኣመልከተት ንኣዲኣ ብቝጥዓ ኽትጭድረላ ኸላ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንውሉድካ ርእሰ ግትኣት ምሃሮ

ጸገም

እቲ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወድኻ፡ ፈጺሙ ገዛእ ርእሱ ኺገትእ ዘይክእል እዩ ዚመስል። ገለ ዚደልያ ነገር እንተ ርእዩ፡ ብኡብኡ ኺረኽባ ኣለዎ። እንተ ሓሪቑ፡ ሓድሓደ ሳዕ ገንጨርጨር እዩ ዚብል። ንስኻ ድማ፡ ‘እዝስ ቍልዕነት ጥራይ ድዩ፧ እናጐበዘ ኪኸይድ ከሎ ይሓድጎዶ ይኸውን ወይስ ርእሰ ግትኣት ክምህሮ ኣለኒ፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር።a

ክትፈልጦ ዘሎካ

ሎሚ ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ ርእሰ ግትኣት ዜተባብዕ ኣይኰነን። ዶክተር ዴቪድ ዎልሽ፡ “ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ፍኑው ኣረኣእያ ዘለዎ እዋን፡ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ፡ ዝደለናዮ ኽንገብር ከም ዘሎና ዚገልጽ መልእኽቲ እዮም ኵሉ ሳዕ ዚሰምዑ። ካብቶም ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ሰባት ኪሕግዙ ዚደልዩ ሰብ ሞያ፡ ክሳዕ እቶም ገንዘብ ጥራይ ኪሓፍሱ ዚደልዩ ተበለጽቲ ሰባት፡ ደስ ዝበለና ኽንገብር ከም ዘሎና ኢና እንምከር” ኢሉ ጸሓፈ።b

ንውሉድካ ኻብ ቝልዕነቱ ርእሰ ግትኣት ምምሃሩ ኣገዳሲ እዩ። ተመራመርቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ንዝዀኑ ቘልዑ ካራሜላ ሃብዎም፣ ነታ ካራሜላ ሽዑሽዑ ኺበልዕዋ ኸም ዚኽእሉ፡ ግናኸ ቝሩብ እዋን እንተ ተዓጊሶም፡ ከም ሽልማት ትዕግስቶም ካልእ ካራሜላ ኸም ዚውሃቦም ነገርዎም። እተወሰነ እዋን ጸኒሑ ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ እቶም ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ከለዉ ርእሶም ዝገትኡ ቘልዑ፡ ብስምዒታውን ብማሕበራውን ብትምህርታውን መዳይ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዝሓሹ ዀኑ።

ንውሉድካ ርእሰ ግትኣት ዘይምምሃር፡ ሳዕቤኑ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ቘልዓ ብምኽንያት እቲ ኣብ ህይወቱ ዜጋጥሞ ነገራት፡ ሓንጎሉ ዚሰርሓሉ መገዲ ኺጽሎ ኸም ዚኽእል፡ ተመራመርቲ ይገልጹ እዮም። ዶክተር ዳን ኪንድለን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንደቅና ቐበጥበጥ ነብሎም እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ተራኦም ኪጽበዩ ኸም ዘለዎም ዘይንምህሮም እንተ ዄንና፡ ኵሉ ሳዕ ሓጐስ ከም ዘይርከብ ዘይንነግሮም እንተ ዄንና፡ ንዜጋጥሞም ፈተና ኺነጽግዎ ኸም ዘለዎም ዘይንሕብሮም እንተ ዄንና፡ እቲ ጽቡቕ ባህርያት ምስ ምምዕባል ዚተሓሓዝ ሓንጎላዊ ለውጢ ኸየጋጥም ይኽእል እዩ” በለ።c

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኣርኣያ ኹን። ንስኻኸ ርእሰ ግትኣት ብምርኣይ ዝመጸ ኸመይ ኢኻ፧ መገዲ ብማካይን ኣብ ዚተዓጻጸወሉ እዋን ክትቍጣዕ ከለኻ፡ ገለ ኣቕሓ ኽትገዝእ ኬድካ ንኻልእ ሰብ ኣብ ሪጋ ቐዲምካ ኽትኣቱ ኸለኻ፡ ወይ ከኣ ካልእ ሰብ እናተዛረበ ኸሎ ኣብ መንጎ ኽትኰልፍ ከለኻ ውሉድካ ይርእየካ ድዩ፧ ኪንድለን ብዛዕባ እዚ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ንውሉድና ርእሰ ግትኣት ኬማዕብል ክንሕግዞ እንኽእለሉ ኻብ ኵሉ ዝሓሸ መገዲ፡ ንሕና ኣብነት ብምዃን እዩ” በለ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 12:9።

ንውሉድካ፡ ርእስኻ ዘይምግታእ ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤን ምሃሮ። ንዕድመ ውሉድካ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ርእስኻ ምግታእ ጥቕሚ ኸም ዜምጽእ፡ ከምኡ ዘይምግባር ግና ሳዕቤን ከም ዘለዎ ንኺርዳእ ሓግዞ። ንኣብነት፡ ውሉድካ ዘይፍትሓዊ ነገር ስለ ዘጋጠሞ እንተ ሓሪቑ፡ ‘ሕነ እንተ ፈደኹ ይሕግዘኒዶ ወይስ ይጐድኣኒ፧ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዝሓሸ ኽሕዞ ዝኽእለሉ መገዲ ኣሎዶ፧ ምናልባት ካብ ሓደ ኽሳዕ ዓሰርተ ምቝጻር ንቝጥዓይ የዝሕሎዶ ይኸውን፧ ወይ ከኣ ካብቲ ዘሕረቐኒ ሰብ ምርሓቅዶ ይሓይሽ ይኸውን፧’ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ኸም ዚሓትት ግበር።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ገላትያ 6:7።

ንውሉድካ ኣተባብዓዮ። ውሉድካ ገዛእ ርእሱ ኺገትእ ከሎ ንኣዶ። ስምዒትካ ምቍጽጻር ኵሉ ሳዕ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ከምኡ ምግባር ግና ምልክት ብርታዐ ምዃኑ ኣረድኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቐጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 25:28) ብኣንጻሩ ግና፡ “ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ።”—ምሳሌ 16:32።

ምስ ውሉድካ ተለማመድ። “እንታይ ምገበርካ፧” ወይ ከኣ “ጽቡቕ ምርጫ፡ ሕማቕ ምርጫ፧” ወይ ድማ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጸወታ ምስ ውሉድካ ተጻወት። ኬጋጥም ብዛዕባ ዚኽእል ኵነታትን ክትህቦ ብዛዕባ ዚግባእ ምላሽን ተመያየጡ፣ ኣየናይ “ጽቡቕ፡” ኣየናይ ከኣ “ሕማቕ” ምዃኑ ግለጽ። መሃዚ ኽትከውን ኣሎካ፣ እቲ ጸወታ ባህ ዜብልን መሃርን ምእንቲ ኪኸውን፡ እንተ ደሊኻ፡ ባምቡላ፡ ስእሊ፡ ወይ ካልእ ሜላ ተጠቐም። ቀንዲ ሸቶኻ፡ ውሉድካ፡ ርእስኻ ምግታእ ስምዒታዊ ኻብ ምዃን ከም ዚሓይሽ ምእንቲ ኺርዳእ እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 29:11።

ዕጉስ ኩን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ” ይብል። (ምሳሌ 22:15) ስለዚ፡ ውሉድካ ቐልጢፉ ርእሰ ግትኣት ኬማዕብል ክትጽበ የብልካን። ቲች ዩር ችልድረን ዌል ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እዚ መስርሕ እዚ፡ ሓድሓደ ሳዕ ንቕድሚት ዚግስግስ፡ ሓድሓደ ሳዕ ዚፈሽል፡ እንደገና ድማ ብዝያዳ ዕቤት ዚገብር ነዊሕን ቀስ ዝበለን መስርሕ እዩ” በለት። ኰይኑ ግና፡ ጻዕርኻ ጻማ ኣለዎ። እታ መጽሓፍ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ርእሱ ዚገትእ ቈልዓ፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ሓሽሽ ንኺወስድ ንዜጋጥሞ ፈተና፡ ወይ ከኣ ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ ምስ ጾታ እተተሓሓዘ ንዜጋጥሞ ፈተና ኺቃወሞ ይኽእል እዩ” በለት።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ውሉድ ብተባዕታይ ጾታ እኳ እንተ ጠቐስናዮ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።

b ኖ፦ ዋይ ኪድስ—ኦቭ ኦል ኤጅስ—ኒድ ቱ ሂር ኢት ኤንድ ወይስ ፓረንትስ ካን ሰይ ኢት ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

c ቱ ማች ኦቭ ኤ ጉድ ቲንግ—ረይዚንግ ችልድረን ኦቭ ካራክተር ኢን ኣን ኢንዳልጀንት ኤጅ ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ፍቕርኹም ብዘይ ግብዝና ትኹን።”—ሮሜ 12:9።

  • “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።” —ገላትያ 6:7።

  • “ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።”—ምሳሌ 29:11።

ንውሉድካ ብጽቡቕ ጠባዩ ሸልሞ

እግሪ ተኽሊ እውን እንተ ዀኑ፡ ርእሰ ግትኣት ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ጀነሬሽን ሚ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብ ዕዳጋ ኸለኻ፡ ጓልካ ካራሜላ ምእንቲ ኽትገዝኣላ እንተ በኽያ፡ ንስኻ ድማ እንተ ዓዲግካላ፡ ዝደለኻዮ ነገር ንምርካብ ክትበኪ ኸም እትኽእል ኢኻ ምሂርካያ። ስለዚ፡ ኣብ ዚቕጽል እዋን ገለ ነገር ክትደሊ ኸላ፡ ምኒን ብምባል ክትበኪ እያ፣ ከመይሲ፡ ቅድሚኡ፡ ብኽያት ዝደለኻዮ ኸም ዜውህብ ርእያ እያ። ከምኡ ኻብ ምግባር ግና፡ ንጓልካ ጽቡቕ ጠባይ ከተርኢ ኸላ ካራሜላ ሃባ። ብዙሓት ወለዲ፡ ጓሎም ክትበኪ ኸላ፡ ዝቐለለ መፍትሒ ስለ ዚመስሎም፡ ወይ ከኣ ‘ኣይፋል’ ከይብሉዋ ኣዝዩ ስለ ዚኸብዶም፡ ዝደለየቶ እዮም ዚገብሩላ። ይኹን እምበር፡ ጓልካ ዝሓተተቶ ዘበለ ትፍጽመላ እንተ ዄንካ፡ ብዝያዳ ኢኻ እትጐድኣ። ከመይሲ፡ ብስነ ስርዓት ንዚሓትት ውሉድ ሽልማት ምሃብ፡ ምስ ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ ንፉዕ እዩ ዚኸውን፣ ርእሰ ግትኣት ከኣ ይምሃር እዩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ