ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/13 ገጽ 4-5
  • ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
    ንስድራ ቤት
  • ምትዕራቕ ዝሓሸ ድዩ፧
    ንቕሑ!—2000
  • ‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ብሓዳርካ ኽትጕሂ ኸለኻ
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 10/13 ገጽ 4-5

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ

ጸገም

ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ዚርድኣልካ ፈታዊ ኣሎካ ንበል። ክልቴኹም ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ከተዕልሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ተዕልሉ ድማ ኢኹም። ንስኻ፡ ‘ምሕዝነታዊ ዕርክነት ጥራይ እዩ ዘሎና’ ኢልካ እኳ እንተ ሓሰብካ፡ መጻምድትኻ ምስቲ ፈታዊኻ ነዊሕ ከም እተዕልሉ ምስ ፈለጠ ግና፡ ከምኡ ኸይመስሎ ይኽእል እዩ።

ምናልባት እቲ ምስ ፈታዊኻ ዘሎካ ምሕዝነት ደረቱ ሓሊፉ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ኣቓልቦ ኽትገብረሉ ኣሎካ። ፈለማ ግና፡ ስለምንታይ ምስቲ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ፈታዊኻ ርክብ ከም ዝመስረትካ እስከ ንርአ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ዕግበት። ብሓጺሩ፡ ካብ ኣንጻር ጾታ ዚመጽእ ኣቓልቦ፡ ባህ ዜብል ወይ ከኣ ዕግበት ከም ዚስምዓካ ዚገብር እዩ። ኣኽቢሩ ዚርእየና ሰብ ከም ዘሎ ምፍላጥና የሐጕሰናን ምጩዋት ከም ዝዀንና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ይገብርን እዩ። ካብ እትምርዖ ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ፈታዊኻ ኽትከውን ከለኻ፡ ምትእምማን ይስምዓካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ስምዒት እዚ፡ መጻምድትኻ ኻብ ዘይኰነ ሰብ ክትረኽቦ ምፍታን፡ መዘዝ ኣለዎ። ምስ ኣንጻር ጾታ ዘይግቡእ ስምዒታዊ ርክብ ምምስራት፡ ነቲ ምስ መጻምድትኻ ዘሎካ ርክብ ኬላሕልሖ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንመጻምድትኻ፡ እቲ ዚግብኦ ፍቕሪ ኸም ዘይተርእዮ ኺገብረካ ይኽእል እዩ።

• ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ካብዚ ምስ ፈታውየይ ዘሎኒ ምሕዝነት ዝረኽቦ ዘለኹ ግናኸ ኻብ ሓዳረይ ብዝሓሸ መገዲ ኽረኽቦ ዝኽእል ዜድልየኒ ነገር እንታይ እዩ፧’

ተነቃፊ ምዃን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ዚምርዓዉ፡ ብእተወሰነ ደረጃ እውን እንተ ዀነ “ጸበባ” ኸም ዚህልዎም ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:28) ንኣብነት፡ ሓድሓደ ግዜ ብመጻምድትኻ ዕሽሽ እተበሃልካ ወይ መጻምድትኻ ብሞሳ ዘይርእየካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ፣ ወይ ከኣ ብምኽንያት ሓደ ዘይተፈትሐ ጕዳይ፡ ገና ቒም ሒዝካ ትህሉ ትኸውን። ምናልባት መጻምድትኻ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኪዘራረብ ዘይምድላዩ፡ ኬበሳጭወካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ተነቃፊ ኸም እትኸውን ስለ ዚገብረካ፡ ናይ ካልእ ሰብ ኣቓልቦ ኽትረክብ ትደሊ። ገሊኦም ምሁራት ከም ዚገልጽዎ፡ ብዛዕባ ኣጸጋሚ ጕዳያት ካብ ምዝርራብ ትሃድም እንተ ዄንካ፡ ሓዳርካ ንፋስ ኪኣትዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናብ ፍትሕ ኪመርሓካ ይኽእል እዩ።

• ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ዘይግቡእ ምሕዝነት ከም ዝጅምር ዝገበረኒ፡ እንታይ ኣብ ሓዳረይ ዘሎ ሃጓፍ እዩ፧’

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ነቲ ሓደጋ ኣለልዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብዶ ሓዊ ሐቚፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፧” ይብል። (ምሳሌ 6:27) ስለዚ፡ ምርዑው ክነስኻ ምስ ካልእ ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ምምስራት፡ ብሓዊ ኸም ምጽዋት እዩ። (ያእቆብ 1:14, 15) እዚ ግና ኣብ መጻኢ ኼጋጥም ንዚኽእል ጕድኣት ዜመልክት ጥራይ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ድሮ ጕድኣት ኣጋጢሙ እዩ። ምኽንያቱ፡ ንኻልእ ሰብ ዘይግቡእ ኣቓልቦ ምሃብ፡ ንመጻምድትኻ ነቲ ኻባኻ ኺረኽቦ ዚግባእ ኣቓልቦ ኸም ዚስእን እዩ ዚገብሮ።

ገዛእ ርእስኻ ኣይተታልል። ምስ ፈታዊኻ ጥብቂ ምሕዝነት ምምስራትካ፡ ንዕኡ እንተ ትምርዓዎ ኔርካ ህይወትካ ኸመይ ኪመስል ይኽእል ከም ዝነበረ ንኽትሓስብ እዩ ዚድርኸካ። እዚ ግና፡ ንብርታዐ ፈታዊኻ ምስቲ መጻምድትኻ ዘለዎ ድኽመት ከም እተወዳድሮ ስለ ዚገብረካ፡ ፍትሓዊ ኣይኰነን። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ብዛዕባ ፈታዊኻ ኽትሓስብ ከለኻ ዚስምዓካ ባህታ፡ ምናልባት ምስቲ ፈለማ ብዛዕባ መጻምድትኻ ዝነበረካ ስምዒት ተመሳሳሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤርምያስ 17:9።

ደረት ሓንጽጽ። ሰባት ንማኪናኦም ወይ ንቤቶም ካብ ሰረቕቲ ንምክልኻል፡ መጠንቀቕታ ደወል ይገጥሙ እዮም። ንስኻ እውን ምስ ሓዳርካ ብዚተሓሓዝ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንልብኻ ሐልዎ” ይብል እዩ። (ምሳሌ 4:23) ብኸመይ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

  • ብዓል ቃል ኪዳን ምዃንካ ዚሕብር ንጹር ነገር ግበር፣ ምናልባት ስእሊ መጻምድትኻ ኣብ ስራሕካ ኸተቐምጥ ትኽእል ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 2:24።

  • ምስቲ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ፈታዊኻ ኽትከውን ከለኻ ብዛዕባ እትገብሮን ዘይትገብሮን ነገራት ወስን። ንኣብነት፡ ነቲ ፈታዊኻ ብዛዕባ ኣብ ሓዳርካ ዘጋጠመካ ጸገማት ክትነግሮ ወይ ከኣ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ መሳርሕትኻ ናብ ቤት መስተ ኽትከይድ ግቡእ ኣይኰነን።

  • ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎካ ርክብ ደረቱ እንተ ሓሊፉ፡ ነቲ ርክብ ኣቋርጾ። ከምኡ ምግባር እንተ ኸቢዱካ፡ ስለምንታይ ከም ዝኸበደካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ። ነቲ ምስቲ ሰብ ዘሎካ ርክብ ክትከላኸለሉ ኣብ ክንዲ እትጽዕር፡ ንመጻምድትኻ ኽትድግፎ ጽዓር፣ ሓዳርካ ምእንቲ ኸይብተን ድማ፡ ስጕምቲ ውሰድ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 5:18, 19።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ።”—ኤርምያስ 17:9።

  • “ሰብኣይ . . . ምስ ሰበይቱ . . . ይጠብቕ።”—ዘፍጥረት 2:24።

  • “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። . . . ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ።”—ምሳሌ 5:18, 19።

“ምሕዝነታዊ ዕርክነት ጥራይ ድዩ፧”

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ምስዚ ሰብ እዚ ብዛዕባ ኣብ ሓዳረይ ዘጋጠመኒ ጸገማት እዘራረብ ድየ፧

  • ምስኡ ምእንቲ ክኸውን፡ ኣጋጣሚታት እፈጥር ድየ፧

  • ንርክብና ኻብ መጻምድተይ እሓብኦ ድየ፧

  • መጻምድተይ ምሳይ እንተ ዚህሉ፡ በዚ ዝገብሮ ዘለኹ ምሓፈርኩዶ፧

  • መጻምድተይ ንዕላልና እንተ ዚሰምዖ፡ ምጠርጠረኒዶ፧ ወይ ዝኸዳዕክዎ ዀይኑ ምተሰምዖዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ