ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/14 ገጽ 14-15
  • ብሓዳርካ ኽትጕሂ ኸለኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሓዳርካ ኽትጕሂ ኸለኻ
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ
    ንቕሑ!—2013
  • ብኸመይ ይቕረ ኸም እትብል
    ንቕሑ!—2013
  • ‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ኣረኣእያኹም ምስ ዚፈላለ
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 3/14 ገጽ 14-15
ብሓዳራ ዝጐሃየት ሰበይቲ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ብሓዳርካ ኽትጕሂ ኸለኻ

ጸገም

ሰብ ሓዳር ኣእጋሮም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከለዉ

ንስኻን መጻምድትኻን ቅድሚ ምምርዓውኩም፡ እትረዳድኡሉ ብዙሕ ሓባራዊ ነገራት ከም ዘሎኩም ኰይኑ ይስምዓካ ነይሩ። ምስ ተመርዓኻ ግና፡ ኣብ መንጎኹም ዘይምርድዳእ ስለ ዚፍጠር፡ መጻምድትኻ፡ መጻምድቲ ዘይኰነስ፡ መጻርድቲ ኸም ዝዀነ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

ይኹን እምበር፡ ንርክብኩም ከተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ። መጀመርታ ግና፡ ብሓዳርካ ስለምንታይ ክትጕሂ ኸም እትኽእል ንርአ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ንቡር ንጥፈታት። እቲ ኽትሰርሕ፡ ቈልዑ ኸተዕቢ፡ ምስ እንዳ ኣሕሙ ኽትራኸብ እተሕልፎ ተደጋጋሚ ዝዀነ መዓልታዊ ንጥፈታት፡ ብሓዳርካ ኸም ዘይትሕጐስ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ከም ቍጠባዊ ቕልውላው ወይ ብሕዱር ሕማም ንዚሳቐ ዘሎ ኣባል ስድራ ቤት ምክንኻን ዝኣመሰለ ዘይተጸባኻዮ ግድላት፡ ኣብ ሓዳር ውጥረት ኪፈጥር ይኽእል እዩ።

ዘይፍታሕ ዚመስል ፍልልያት። መጻምድቲ ቕድሚ ምምርዓዎም ኣዕሩኽ ኰይኖም ኣብ ዜሕልፍዎ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብ መንጎኦም ንዝነበረ ፍልልያት ዕሽሽ ኢሎም ይሓልፍዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምስ ተመርዓዉ ግና፡ ኣብ ዚዘራረቡሉ መገድታትን ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብን ጸገማት ኣብ ምፍታሕን ፍልልያት ከም ዘለዎም ኬስተውዕሉ ይጅምሩ። ቅድሚ ሕጂ ዜሕርቕ ጥራይ ዝነበረ ፍልልያት፡ ሕጂ ግና ክትጻወሮ ዘይከኣል ኪመስል ይኽእል እዩ።

ብስምዒታዊ መዳያት ምርሕሓቕ። ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም ብተደጋጋሚ ጐዳኢ ቓላት ምስ ዚዘራረቡ ወይ ጐዳኢ ተግባራት ምስ ዚፍጽሙ ወይ ከኣ ኣብ መንጎኦም ዚፍጠር ምስሕሓብ ከይተፈትሐ ምስ ዚጸንሕ፡ እዚ ስምዒቶም ንኸይገላለጹ ዕንቅፋት ኪዀኖም ይኽእል እዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ምስ ካልእ ሰብ ብስምዒታዊ መዳይ ከም ዚቀራረቡ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

ዘይሚዛናዊ ትጽቢት። ገሊኦም ሰባት ሓዳር ዚጅምሩ፡ ዚሰማምዖም ሓደ ሰብ ጥራይ ከም ዝዀነ እሞ ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዝረኸብዎ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም እዩ። ከምዚ ዓይነት ስምዒት፡ ፍቕሪ ዜንጸባርቕ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ጸገማት ምስ ተፈጥረ፡ እቲ “ፍጹም መጻምድቲ” ኢሎም ዝሓሰብዎ ሰብ፡ ከምቲ እተጸበይዎ ስለ ዘይከውን፡ ክልቲኦም መጻምድቲ ግጉይ ምርጫ ኸም ዝገበሩ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኣብ ጽቡቕ ባህርያት መጻምድትኻ ኣተኵር። ነዚ ፈትኖ፦ሰለስተ ኣወንታዊ ባህርያት መጻምድትኻ ጽሓፍ። ነዚ ኸኣ ኣብ ድሕሪ እቲ ምሳኻ እትሕዞ ንእሽቶ ናይ መርዓኹም ስእሊ ወይ ኣብ ሞባይልካ ኸተስፍሮ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ባህርያት እዚ ኣዘውቲርካ ምርኣይካ ድማ ንመጻምድትኻ ስለምንታይ ከም እተመርዓኻዮ ኼዘኻኽረካ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣወንታዊ መዳያት መጻምድትኻ ምትኳርካ፡ ሰላም ከም ዚሰፍን ይገብር፡ ንፍልልያትኩም ንኽትጻወሮ ድማ ይሕግዘካ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 14:19።

ምስ መጻምድትኻ እተሕልፎ ግዜ መድብ። ቅድሚ ምምርዓውኩም፡ ክልቴኹም ብሓባር እተሕልፍዎ ግዜ ትምድቡ ኔርኩም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣዕሩኽ ኴንኩም እተሕልፍዎ ዝነበርኩም ግዜ፡ ፍሉይን ባህ ዜብልን እዩ ነይሩ፣ ነዚ ብመደብ ትገብርዎ ኸም ዝነበርኩም እውን ፍሉጥ እዩ። ሕጂኸ ንምንታይ ከምኡ ዘይትገብሩ፧ ልክዕ ከምቲ ቕድሚ ምምርዓውኩም እትገብርዎ ዝነበርኩም፡ ሕጂ እውን ብሓባር እተሕልፍዎ ግዜ መድቡ። እዚ ኣብ ንሓድሕድኩም ከም እትቀራረቡ ኺገብረኩምን ነቲ ኣብ ህይወትኩም ዜጋጥመኩም ዘይተጸበኹምዎ ነገራት ብዝሓሸ መገዲ ንኽትሰግርዎ ኺሕግዘኩምን ይኽእል እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 5:18።

እተሰምዓካ ነገራት ተመያየጠሉ። መጻምድትኻ ብቓላቱ ወይ ብተግባራቱ እንተ ኣጕህዩካ፡ ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ኢልካ ኽትሓልፎ ምኸኣልካዶ፧ ዕሽሽ ኢልካ ኽትሓልፎ እንተ ዘይክኢልካ ግና ኣይትሰጕደም። ነቲ ጕዳይ እቲ፡ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ምስ መጻምድትኻ ብህድኣት ተዘራረበሉ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኤፌሶን 4:26።

መጻምድትኻ ብቓላቱ ወይ ብተግባራቱ እንተ ኣጕህዩካ፡ ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ኢልካ ኽትሓልፎ ምኸኣልካዶ፧

ንሓሳብ መጻምድትኻ ኽትርድኦ ፈትን። ንመጻምድትኻ ኸተጕህዮ ኸም ዘይትደሊ፡ ንሱ እውን ኬጕህየካ ኸም ዘይደሊ ፍሉጥ እዩ። ንመጻምድትኻ ኣጕሂኻዮ እንተ ዄንካ፡ ካብ ልቢ ይቕረታ ብምሕታት፡ ንኸተጕህዮ ኢልካ ኸም ዘይገበርካዮ ኣረጋግጸሉ። ድሕሪኡ፡ ክልቴኹም ብዘይፍላጥ ምእንቲ ኸይትጐዳድኡ፡ እንታይ ክትገብሩ ኸም ዘለኩም ተመያየጡ። ነቲ፡ “ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዕየዩሉ።—ኤፌሶን 4:32።

ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዚምርዓዉ ሰባት፡ “ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 7:28) ከምዚ ዓይነት ጸበባ ኸተሕልፍ ከለኻ፡ ንመጻምድትኻ ብምምርዓውካ ግጉይ ምርጫ ኸም ዝገበርካ ጌርካ ኣይትደምድም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ መጻምድትኻ ሓቢርካ ፍልልያትኩም ንምፍታሕ ጽዓር፣ እወ፡ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።”—ቈሎሴ 3:13።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ሰላም ዜስፍን . . . ነገር ንስዓብ።”—ሮሜ 14:19።

  • “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ።”—ምሳሌ 5:18።

  • “ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም።”—ኤፌሶን 4:26።

ምስ ቃል ኪዳንካ ተሰማሚዕካ ንበር

ቃል ኪዳን ክትኣቱ ኸለኻ ዝበልካዮ ቓላት ትዝክሮዶ፧ ነቲ ዝኣተኻዮ ቓል ኪዳን እንደገና ብምምርማር፡ “ክሳዕ ክንደይ እየ ቓለይ ሓልየ ዝነብር ዘሎኹ፧” ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። መጻምድትኻ በዚ መዳይ እዚ ቓሉ ዚሕሉ እንተ ዀይኑ ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ናይ ርእስኻ ጥራይ ግበር። ከመይሲ፡ እቲ ዝኣተኻዮ ቓል ኪዳን፡ ንስኻ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ዝኣተኹምዎ ቓል ኪዳን ክትሕልውዎ እንተ ጽዒርኩም፡ ክልቴኹም ብውጽኢቱ ኽትሕጐሱ ትኽእሉ ኢኹም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ