ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwhf ዓንቀጽ 6
  • ኣረኣእያኹም ምስ ዚፈላለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣረኣእያኹም ምስ ዚፈላለ
  • ንስድራ ቤት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ብኸመይ ተዓጻጻፊ ኸም እትኸውን
    ንቕሑ!—2014
  • ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ
    ንቕሑ!—2013
  • ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
    ንስድራ ቤት
  • ብሓዳርካ ኽትጕሂ ኸለኻ
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
ንስድራ ቤት
ijwhf ዓንቀጽ 6
ብማኪና ዚጐዓዙ ሰብ ሓዳር ተዃርዮም ብመስኰት ናብ ወጻኢ ይጥምቱ

ንስድራ ቤት

ኣረኣእያኹም ምስ ዚፈላለ

ሰብ ሓዳር፡ ዚፈትውዎ ነገራት፡ ልማዳቶም፡ ባህርያቶም ስለ ዚፈላለ፡ እዚ ብድሆ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ዚህልዎም ፍልልያት ግና ዝያዳ ተኣፋፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ገለ ኻብዚ፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ፦

  • ምስ ቤተ ሰብ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዜሕልፉ

  • ብኸመይ ገንዘብ ከም ዜካውኑ

  • ውሉዳት ምውላድ ወይ ዘይምውላድ

ምስ መጻምድትኻ ንሓድሕዱ ዚጋጮ እተፈላለየ ኣረኣእያታት እንተ ኣልዩካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ክትገብሮ እትኽእል

ክትፈልጦ ዘሎካ

ዚቃዶ ኺብሃል ከሎ ሕደ ዓይነት ማለት ኣይኰነን። ኣመና ዚቃደዉ ሰብኣይን ሰበይትን እኳ፡ ኣብ ከቢድ ጕዳያት እውን ከይተረፈ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይኽእል እዩ።

“ቤተ ሰብና ንሓድሕዶም ኣመና ይቀራረቡ እዮም። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ኣኮታተይን ሓው ኣቦታተይን ደቆምን ብሓደ ንውዕል ኔርና። ቤተ ሰብ ሰብኣየይ ግና ብዙሕ ኣይራኸቡን እዮም ነይሮም። ስለዚ ምስ ቤተ ሰብ ብምርኻብ ወይ ኣብ ርሑቕ ምስ ዘሎ ዘመድ ብምዕላል ብዛዕባ እነሕልፎ ንውሓት ግዜ እተፈላለየ ኣረኣእያ ነይሩና።”—ታማራ።

“ኣነን ሰበይተይን፡ ኣብ ኣተዓባብያና ገንዘብ እነካውነሉ ኣገባብ እተፈላለየ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ድሕሪ መርዓና ኣብተን ናይ ፈለማ ኣዋርሕ፡ ዘይምርድዳኣት ተፈጢሩ ነይሩ። እቲ ጸገም ድሕሪ ብዙሕ ምምይጥ እዩ ተፈቲሑ።”—ተይለር።

ሰብ ሓዳር ካብ እተፈላለየ ኣንፈት ናብ ሓደ ቦታ ይርእዩ

ክልተ ሰባት ሕደ ነገር ርእዮም ክነሶም፡ ብዛዕባ ዝረኣይዎ ግና እተፈላለየ ርእይቶ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር እውን ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ከይሰማምዑ ይኽእሉ እዮም

ገሊኡ ጸገማት ተዓጻጻፊ ብምዃን ጥራይ ኣይፍታሕን እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብ እንዳ ኣሕሙ እንተ ሓመመ እሞ ክንኽን እንተ ኣድለዮኸ፧ ወይ ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር ውላድ እንተ ደለየ፡ እቲ ሓደ ግና እንተ ዘይደለየኸ፧a

“ኣነን ሰበይተይን ቈልዑ ብዛዕባ ምውላድ ነዊሕ ተዛራሪብና ኔርና። ሕጂ ግና ብዛዕባኡ ደጋጊማ ትሓስብ ኣላ፡ ብሰንኪ እዚ ኣረኣእያና እናተረሓሓቐ ኸይዱ። ዜሰማምዓና ዅነታት ዘሎ ኣይመስለንን።”—ኣሌክስ።

ኣረኣእያኹም ስለ እተፈላለየ፡ ሓዳርኩም ኪፈርስ የብሉን። ገሊኦም ክኢላታት፡ ብዛዕባ ሓደ ኸቢድ ጕዳይ ክትሰማምዑ እንተ ዘይክኢልኩም፡ ነቲ እትደልይዎ ንምርካብ ኽትቃልሱ ኸም ዘሎኩም፡ እዚ ድማ ሓዳርኩም ክሳብ ምፍራስ ኪበጽሕ ኸም ዚግባእ ይዛረቡ እዮም። እዚ “ፍታሕ” እዚ ግና፡ ኣብቲ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ምስ መጻምድትኹም ንምጥባቕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኣቶኽምዎ ቓል ዘይኰነስ፡ ኣብ ስምዒታትኩም ከተተኵሩ ዜተባብዕ እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል

ነቲ ኽትምርዖ ኸለኻ ዝኣቶኻዮ ቓል ኪዳንካ ሓሉ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ነቲ ጕዳይ ብሓደ ሰሚርኩም ክትፈትሕዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማቴዎስ 19:6።

ቅድም ጸብጽብ። ንኣብነት፡ ሓዴኹም ውሉዳት ትደልዩ ሓዴኹም ግና ኣይትደልዩን ንበል። ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘለዎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ገለ ኻብዚ፦

  • ድልዳለ ሓዳርኩም።

    ነቲ ቘልዓ ምዕባይ ዜምጽኦ ተወሳኺ ጾር ኽትጻወርዎ ትኽእሉ ዲኹም፧

  • ወላዲ ምዃን ዜስዕቦ ሓላፍነት።

    እዚ ሓላፍነት እዚ ምግብን ክዳንን መንበርን ካብ ምምላእ ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ።

  • ቍጠባዊ ዅነታትኩም።

    ስራሕካ ኽትሰርሕን ስድራ ቤትካ ኽትናብን ካልእ ሓላፍነታትካ ብግቡእ ክትዋጽእን ትኽእል ዲኻ፧

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧”—ሉቃስ 14:28።

ነቲ ጕዳይ ብዅሉ ሸነኹ መርምሮ። ንገሊኡ ዘይምርድዳኣት ክትፈትሖ ትኽእል ትኸውን ኢኻ። ንኣብነት፡ እቲ ጕዳይ ውሉዳት ብዛዕባ ምውላድ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ውላድ ዘይደሊ መጻምድቲ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ይኽእል እዩ፦

  • ‘ውላድ ዘይደሊ፡ንሕጂ ጥራይ ድዩ ዋላስ ንሓዋሩ፧’

  • ‘ዝኣቢ ዘለኹ፡ ንፉዕ ወላዲ ክኸውን ከም ዘይክእል ኰይኑ ስለ ዝስምዓኒ ድዩ፧’

  • ‘መጻምድተይ ሸለል ከይብለኒ ስለ ዝፈርህ ድየ፧’

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ እቲ ውላድ ዚደሊ መጻምድቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪሓስበሉ ይኽእል እዩ፦

  • ‘ነቲ ወለዲ ምዃን ዜስዕቦ ሓላፍነታት ድሉዋት ዲና፧’

  • ‘ቍጠባዊ ዅነታትና ቘልዓ ንምዕባይ የኽእለና ድዩ፧’

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ሚዛናዊት . . . እያ።”—ያእቆብ 3:17፡ እግረ ጽሑፍ።

ነቲ ርእይቶ መጻምድትኻ ዘለዎ ሓለፋታት ኣስተብህለሉ። ክልተ ሰባት ሕደ ነገር ርእዮም ክነሶም፡ ብዛዕባ ዝረኣይዎ ግና እተፈላለየ ርእይቶ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ነናቶም ኣረኣእያ ኺህልዎም ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ገንዘብ እተፈላለየ ኣረኣእያ ይህልዎም እዩ። ዝዀነ ይኹን ዘይትሰማማዕኩምሉ ጕዳይ ንምፍታሕ ፈለማ ነቲ ዘሰማምዓኩም ነገራት ኣለልይዎ።

  • ክልቴኹም እትሰማምዑሉ ዕላማ እንታይ እዩ፧

  • ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ርእይቶ እንታይ ሓለፋ ኣለዎ፧

  • ምእንቲ ሓዳርኩም ኢልኩም ክትትዓጻጻፉዶ ምኸኣልኩም፧

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24።

ናየሊን ጋብርኤልን

“ኣተሓሳስባና ወይ ኣሰራርሓና ዅሉ ሳዕ ሕደ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ተማሂርና ኢና። ሓዴና ናይ ሓዴና ርእይቶ ከነኽብር ጥራይ እዩ ዘሎና። ናይ ካልእ ርእይቶ እንተ ተቐቢልካ፡ ተሰኒፍካ ማለት ኣይኰንነ።”—ናየሊ፡ ምስ ሰብኣያ ጋብርኤል።

a መጻምድቲ ቕድሚ ምምርዓዎም ብዛዕባ ኸበድቲ ጕዳያት ኪዛራረቡ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ዘይተሓስበ ነገራት ኪፍጠር ይኽእል እዩ፡ ወይ ድሕሪ ግዜ ሓዲኦም ሓሳቦም ኪቕይሩ ይኽእሉ እዮም።—መክብብ 9:11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ