ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/14 ገጽ 10-11
  • ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኡሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ናይ መዛኑ ጸቕጢ ክጠቕመካዶ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • 9 ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብኸመይ ኢየ ክዋጽኣሉ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 1/14 ገጽ 10-11
ንሓደ መንእሰይ ሽጋራ ንኼትክኽ ጸቕጢ ኺግበረሉ ኸሎ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ጸገም

ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንጸቕጢ መዛኑ ኺምብርከኽ ከሎ

“ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸለኹ፡ ካልኦት ቈልዑ ስለ ዘይቀርቡኒ፡ እሓዝን ነይረ። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ጀመርኩ፡ ትርኢተይን ኣረኣእያይን እኳ እንተ ቐየርኩ፡ ንሕማቕ እዩ ግና ነይሩ። መሓዙ ናይ ምርካብ ሓያል ባህጊ ስለ ዝነበረኒ፡ መማህርተይ ምእንቲ ኺፈትዉኒ፡ ንጸቕጢ መዛኑ ተምበርከኽኩ።”—ጀኒፈር፡ 16።a

ንዓኻኸ ጸቕጢ መዛኑ የጋጥመካ ድዩ፧ የጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንኽትዋጽኣሉ ኽትሕግዘካ እያ።

ንጸቕጢ መዛኑ እንተ ተምበርኪኽካ፡ ካልኦት ኪቈጻጸሩኻ ስለ እትፈቅድ፡ ሮቦት ኢኻ እትኸውን። ስለምንታይ እሞ ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩኻ ትፈቕደሎም፧—ሮሜ 6:16።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ጥዑያት ሰባት ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑ ሕማቕ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።

“ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:33።

“ሓደ ነገር ጌጋ ምዃኑ ትፈልጥ እኳ እንተ ዀንካ፡ ምስ ኣጋጠመካ ግና ንኻልኦት ንኸተሐጕስ ኢልካ ትገብሮ።”—ዳና።

ጸቕጢ መዛኑ ኻብ መዛኑ ጥራይ ኣይኰነን ዚመጽእ።

“ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ኣሎ።”—ሮሜ 7:21።

“መብዛሕትኡ እቲ ዜጋጥመኒ ጸቕጢ፡ ካባይ እዩ ዚምንጭው፣ ነቲ መዛኖይ ዚዛረቡሉ ነገራት ዝምነዮ ኣነ ባዕለይ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ነገር ኣዝዩ ኸም ዜብህግ ገይሮም እዮም ዚዛረቡሉ።”—ዳያና።

ንጸቕጢ መዛኑ ኽትዋጽኣሉ ምኽኣል፡ ዜዅርዕ እዩ።

“ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም።”—1 ጴጥሮስ 3:16።

“ሓደ እዋን፡ ንጸቕጢ መዛኑ ኽዋጽኣሉ ኣመና ኸቢዱኒ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ፍልይቲ ብምዃነይ ኣይፈርህን እየ፡ ኣብ ውሳነይ ከኣ ጽንዕቲ እየ። ጽሩይ ሕልና ሒዝካ ኻብ ምድቃስ ንላዕሊ ዜሐጕስ የልቦን።”—ካርላ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ጸቕጢ መዛኑ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

ነቲ ዜምጽኦ ሳዕቤን ሕሰበሉ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንጸቕጢ መዛኑ ምስ ተምበርከኹ፡ እንተ ተፈዳሕኩኸ፧ ወለደይ እንታይ እዮም ኪብሉ፧ ኣነኸ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወኒ፧’—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ገላትያ 6:7።

“ወለደይ፡ ‘ብጸቕጢ መዛኑ እንተ ተምበርኪኽኪ፡ እንታይ እዩ ኼጋጥመኪ ዚኽእል፧’ ኢሎም ይሓትቱኒ። ጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ናብ ጌጋ ኺመርሓኒ ኸም ዚኽእል ንኽርዳእ ይሕግዙኒ እዮም።”—ኦሊቭያ።

ምትእምማንካ ኣደልድል። ‘እዚ ኣካይዳ እዚ ንዓይ ወይ ከኣ ንኻልኦት ሰባት ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ እብራውያን 5:14።

“ቈልዓ ኸለኹ፡ ‘እምቢ’ እብል ወይ ከኣ ሓጺር ምላሽ ጥራይ እየ ዝህብ ነይረ፣ ሕጂ ግና ንሓደ ነገር ብዛዕባ ዝገብረሉ ወይ ዘይገብረሉ ምኽንያት፡ ጽቡቕ ገይረ ኽገልጽ እኽእል እየ። ንቕኑዕን ጌጋን ብዚምልከት ጽኑዕ እምነት እዩ ዘሎኒ። እቲ ዝህቦ ምላሽ፡ ካባይ ደኣ እምበር፡ ካብ ካልእ ሰብ ኣይኰነን ዚመጽእ።”—ኣኒታ።

ብዛዕባ መንነትካ ሕሰብ። ‘እንታይ ዓይነት ሰብ ክኸውን እየ ዝደሊ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸቕጢ እሞ ሕሰብ፡ ‘እቲ ክዀኖ ዝደሊ ሰብ እንታይ ምገበረ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ቈረንቶስ 13:5።

“ብመንነተይ ስለ ዝዀርዕ፡ ካልኦት ብዛዕባይ ዚሓስብዎ ብዙሕ ኣየገድሰንን እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ንናይ ሓቂ መንነተይ እዮም ዚፈትውዎ።”—ኣሊስያ።

ብዛዕባ መጻኢ ሕሰብ። ተመሃራይ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፡ ወይ እውን ሒደት ኣዋርሕ፡ ምስቶም ኬድንቑኻ እትደልዮም መማህርትኻ ዋላ ሓንቲ ርክብ ኣይህልወካን ይኸውን።

“ናይ ቤት ትምህርትና ስእሊ ኽርኢ ኸለኹ፡ ንገሊኦም መማህርተይ ስሞም እውን ኣይዝክሮን እየ። ምሳታቶም ክመሃር ከለኹ ግና፡ ካብቲ ዝኣምነሉ ነገራት ንላዕሊ፡ ናታቶም ርእይቶ እዩ ዜገድሰኒ ነይሩ። ኣየ ዕሽነት!”—ዶን፡ ሕጂ ወዲ 22 ዓመት።

ተዳሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ፍለጡ’ ይብል እዩ።—ቈሎሴ 4:6።

“ወለደይ ንዓይን ንሓብተይን፡ ብዛዕባ እቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ነገራት ኣቐዲምና ብምሕሳብ ንኽንለማመድ ይሕግዙና እዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ጕዳይ ብሓቂ ኼጋጥም ከሎ እንታይ ከም እንገብር ንፈልጥ።”—ክሪስቲን።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።”—ገላትያ 6:7።

  • “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘላመዱ ብሱላት እዩ።”—እብራውያን 5:14።

  • “ርእስኹም መርምሩ።”—2 ቈረንቶስ 13:5።

ጀሲካ

ጀሲካ

“ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ስምዒት፡ ነቲ ንጸቕጢ መዛኑ እትዋጽኣሉ መገዲ ይጸልዎ እዩ። ብርእስኻ ትተኣማመን እንተ ዄንካ፡ ካልኦት ብዛዕባኻ ዚሓስብዎ ኣየገድሰካን እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንጸቕጢ መዛኑ ኣይትምብርከኽን።”

ኬሊ

ኬሊ

“ንርእስኻ ኣትሒትካ ትርእያ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዓካ፡ ብኻልኦት ክትፍቶ ትጽዕር ትኸውን። ብርእስኻ ትተኣማመን እንተ ዄንካ ግና፡ ንናይ ሓቂ እንታይነት ጸቕጢ መዛኑ ንኽትርድኦን ንኽትቃወሞን ቀሊል ይዀነልካ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ