ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/8 ገጽ 22-25
  • ናይ መዛኑ ጸቕጢ ክጠቕመካዶ ይኽእል ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ መዛኑ ጸቕጢ ክጠቕመካዶ ይኽእል ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ጽልዋ ምግባር
  • ነቲ ጥዑይ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ብጽቡቕ ምጥቃም
  • ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣርሕቕ
  • ገለ እተጠቕሙ ሰባት
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኡሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
    ንቕሑ!—2014
  • ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • 9 ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብኸመይ ኢየ ክዋጽኣሉ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/8 ገጽ 22-25

ናይ መዛኑ ጸቕጢ ክጠቕመካዶ ይኽእል ኢዩ

ኵልና ብመዛኑና ተቐባልነት ክንረክብ ናይ ምድላይ ባህጊ ዘሎና ኴንና ኢና ተወሊድና። ዋላ ሓደ ሰብ ክጽላእ ወይ ተቐባልነት ክስእን ኣይደልን ኢዩ። ስለዚ: መዛኑና ብእተፈላለየ ደረጃ ይጸልዉና ኢዮም።

እታ መዘና እትብል ቃል “ምስ ካልእ ሰብ ኣብ ሓደ ደረጃ ዘሎ: . . . ምስቶም ምስኡ ዝመሳሰሉ ብፍላይ ብዕድመ: ብደረጃ: ወይ ብማዕርግ ሓደ ዝዀነ ኣባል ማሕበራዊ ጕጅለ ዝዀነ ሰብ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ናይ መዛኑ ጸቕጢ ክበሃል ከሎ ኸኣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንኣተሓሳስባኦም ወይ ተግባሮም ክትቀድሕ ዝገብሩልካ ጸቕጢ ኢዩ። ናይ መዛኑ ጸቕጢ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ጐዳኢ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ቀጺልና ከም እንርእዮ ግን ክጠቕመና ከም ዝኽእል ክንገብሮ ንኽእል ኢና።

ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ጽልዋ ምግባር

ናይ መዛኑ ጸቕጢ ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት እውን ዝትንክፍ ኢዩ። ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ንሓትት እንተድኣ ዄንና ንጽሎ ከም ዘሎና ይሕብር:- “ካልኦት ዝገብርዎ እንድዩ: ኣነስ ስለምንታይ ዘይገብሮ፧” “ስለምንታይ ኢየ ኵሉ ግዜ ካብ ካልኦት ዝፍለ፧” “እንታይ ክብሉኒ ኢዮም፧” “ኵሎም ኣዕሩኽተይ ምስ ኣንጻር ጾታ ይቋጸሩን ይምርዓዉን ኣለዉ: ኣነ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይገብርን ኢየ ዘለኹ። እንታይ ኢየ ዀይነ፧”

ምስ ካልኦት ተሰማሚዕካ ንኽትነብር ዘጋጥም ጸቕጢ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ዝትንክፍ እኳ እንተዀነ: ኣብ ግዜ ብጽሕና ግን ብዝያዳ ይኸብድ ኢዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ብዙሓት መንእሰያት ምስ መዛኑኦም​—⁠ምስ ኣዕሩኾምን ዝፈልጥዎም ሰባትን​—⁠ጽኑዕ ርክብ ይገብሩ ኢዮም። እዞም ኰተቴታት እዚኣቶም ኣብ ክንዲ ብወለዶም ብመዛኑኦም ኢዮም ተቐባልነት ክረኽቡ ዝደልዩ: ተቐባልነት ንምርካብ ከኣ ጠባዮም ይቕይሩ ይዀኑ።” ወሲኹ ድማ ኰተቴታት “ብመዛኑኦም ተቐባልነትን ተፈታውነትን እንተድኣ ረኺቦም ጽቡቕ ይዓብዩ ከም ዘለዉ ኢዩ ዝመስሎም” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ናብ ከም ቅዲ ኣከዳድና: ናይ ምምራሕ ክእለት: ከምኡውን ምስ ኣንጻር ጾታ ብቐሊሉ ምቍጻር ዝኣመሰሉ ተፈላጥነት ከም ዝረኽቡ ኣብ ዝገብሮም ጕዳይ ይሰሓቡ።”

ምርዑዋት ሰብ ሓዳር እንታይ ዓይነት ገዛ ክገዝኡ ወይ ክካረዩ ከም ዘለዎም: እንታይ ዓይነት ሞዴል ማኪና ክሕዙ ከም ዘለዎም: ቈልዑ ክወልዱ ድዮም ኣይወልዱን: ከምኡውን ኣብ ካልእ እተፈላለየ ጕዳያት ብመዛኑኦም​—⁠በቲ ኣብ ማሕበረሰብ: ኣብ ብጾቶም ወይ ኣብ ዓሌቶም ቅቡል ዝዀነ ነገር​—⁠ይጽለዉ ኢዮም። አረ ገለ ስድራቤታት ካብ ጐረባብቶምን ብጾቶምን ከይንእሱ ኢሎም ኣብ ዕዳ ይኣትዉ ኢዮም። እወ: ሸቶታትና: ኣተሓሳስባና: ከምኡውን እንገብሮ ውሳነታት ብዙሕ ግዜ በቲ ረቂቕ ዝዀነ ሓይሊ ጸቕጢ መዛኑ ይጽሎ ኢዩ። ነዚ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ግምት ብምእታው: ክጠቕመና ከም ዝኽእል ክንገብሮዶ ንኽእል ኢና፧ ብርግጽ ንኽእል ኢና!

ነቲ ጥዑይ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ብጽቡቕ ምጥቃም

ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ንሕሙማቶም ምስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ከምኡውን ንጥዕና ዝጠቅም ጽልዋታት ኣብ ዝርከቦ ከባቢ ከም ዝነብሩ ምግባር ብዙሕ ከም ዝጠቅም ይፈልጡ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ከባቢ እቲ ሰብ ንኽሓዊ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: መሓውሮም ዝሰኣኑ ሰባት ኣብቲ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ኣካላውን ስምዒታውን ምሕዋይ ምእንቲ ክዕወቱ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ኣብነትን ምትብባዕን ናይቶም ከምዚ ዘጋጠሞም ካልኦት ሰባት ይሕግዝ ኢዩ። ምስ ተስፋ ዘይቈርጹን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎምን ሰባት ርክብ ምግባር ነቲ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ብጽቡቕ ምጥቃም ማለት ኢዩ።

እዚ መምርሒ እዚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ይውዕል ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ንህዝቡ ብቐጻሊ ክእከቡ ዝኣዘዘሉ ሓደ ምኽንያት ኣወንታዊ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ንኽህሉ ኢሉ ኢዩ። ኣምላኽ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ንኸነስተብህልን ንሓድሕድና ንኽንመዓዓድን’ የተባብዓና ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ከምዚ ዝኣመሰለ መተባብዒ ኣብዛ ኣሉታውን ጐዳእን ጸቕጥታት ዝመልኣ ዓለም ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። እዚ ጸቕጥታት እዚ ስለ ዘሎ: ክርስትያናት ብመንፈስ ድልዱላት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ‘ክጋደሉ’ ኣለዎም። (ሉቃስ 13:⁠24) ስለዚ ካብ ኣመንቲ ብጾትና ፍቕራዊ ደገፍ ክንረክብ የድሊ: ነቲ ዝረኸብናዮ ኸኣ ነማስወሉ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ገለ ሰባት ‘ናይ ስጋ ግራጭ’ ምናልባት እውን ሕማም ወይ ስንክልና ይጽመሙ ይዀኑ። (2 ቈረንቶስ 12:⁠7) ካልኦት ድማ ሕማቕ ልምድታት ወይ ጭንቀት ንኸጥፍኡ ይቃለሱ ይህልዉ ይዀኑ: ወይ ከኣ ናብራ ከቢድዎም ይህሉ ይኸውን። ስለዚ ምስቶም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ዘለዎምን ንዕኡ ምግልጋል ባህ ዝብሎምን ሰባት ርክብ ምግባር ጥበባዊ ኢዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መዛኑ የተባብዑና ከምኡውን ‘ክሳዕ መወዳእታ ክንዕገስ’ ይሕግዙና ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠13

ስለዚ: ጥዑያት መዛኑ ብምምራጽ ነቲ ዝህሉ ጽልዋ ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ: እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንረኽቦ ጽቡቕ መንፈሳዊ መግብን ተግባራዊ መምርሒታትን ነቲ ካብ መዛኑና እንረኽቦ ምትብባዕ ደገፍ ይዀነና ኢዩ።

ርግጽ ኢዩ: ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምኻድ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን። ገሊኦም ካብ ናይ መርዓ ብጻዮም ብዙሕ ደገፍ ኣይረኽቡን ኢዮም: ገሊኦም ንደቆም ክቐራርቡ ኣለዎም: ካልኦት ከኣ ናይ መጓዓዝያ ሽግር ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ሕስብ እሞ ኣብሎ: እዞም ጸገማት እዚኣቶም ክዓናቕፉኻ እንተ ዘይፈቒድካሎም ኣብነትካ ተመሳሳሊ ሽግር ንዘለዎም ሰባት ምትብባዕ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ንስኻን ካልኦት ከማኻ ዝኣመሰሉ ሰባትን ሰናይ ኣብነት ትዀኑ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ከየገደድኩም ጥዑይ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ተሕድሩሎም ኣለኹም ማለት ኢዩ።

እቲ ምስ ብዙሕ ሽግርን ዕንቅፋትን ክቃለስ ዝነበሮ ሃዋርያ ጳውሎስ: ክርስትያናት ንናቱን ናይቶም ብሱላት ክርስትያናትን ሰናይ ኣብነት ምእንቲ ክቐድሑ ከምዚ ኢሉ ኣተባብዐ:- “ኣሕዋተየ: ንኣይ ምሰሉ: ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም: ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ።” (ፊልጲ 3:17፣ 4:⁠9) ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ቀዳሞት ክርስትያናት ናይ ጳውሎስ ሰናይ ኣብነት ስዒቦም ኢዮም። ጳውሎስ ብዛዕባኦም ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንስኻትኩምውን ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም። ስለዚ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዅላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም።” (1 ተሰሎንቄ 1:6, 7) ኣወንታዊ ኣረኣእያናን ሰናይ ኣብነትናን እውን ኣብቶም ብጾትና ተመሳሳሊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣርሕቕ

ዘይጥዑይ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ከነርሕቕ እንተድኣ ደሊና: ንጽልዋ ናይቶም ‘ብስጋ ዝመላለሱ’ ክንቃለሶ ኣሎና። (ሮሜ 8:⁠4, 5፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠15-17) እንተ ዘይኰነ ግን: ጐዳኢ ዝዀነ ናይ መዛኑ ጽልዋ ካብ የሆዋን ካብቲ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሩን ከርሕቐና ኢዩ። ምሳሌ 13:⁠20 “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ትብለና። ብሰንኪ ዘይጥዑይ ናይ መዛኑ ጸቕጢ እተበላሸወ ሰብ ትፈልጥዶ፧ ንኣብነት: ገለ ክርስትያናት ብሰንኪ ናይ መዛኑኦም ጽልዋ ፍቕረ-ንዋይ ሓዲርዎም: ስነ-ምግባራዊ ኣብ ዘይኰነ ኣነባብራ ወዲቖም: ወይ ከኣ ሓሽሽ ተጠቒሞም: ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ብዘይግቡእ ኣዘውቲሮም ኢዮም።

ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከይተረፈ ምስቶም ብመንፈስ ድኹማት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ጥብቂ ርክብ እንተድኣ ገይርና: ዘይጥዑይ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ክጸልወና ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33፣ 2 ተሰሎንቄ 3:⁠14) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ክመያየጡ ኣይደልዩን ኢዮም። አረ ነቶም ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዝመያየጡ ሰባት እውን የላግጹሎም ኢዮም። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ጥብቂ ርክብ እንተድኣ ገይርና: እቲ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ንዕኦም ከም እንመስል ገይሩ ክቐርጸና ኢዩ: ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ከኣ ቀልጢፉ ከምቲ ናታቶም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። አረ ነቶም ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ዝዀኑን መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ዝጽዕሩን ከነስተናዕቖም እውን ክንጅምር ኢና።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠15

ምስቶም ንየሆዋ ከሐጕሱ ዝጽዕሩ: ብመንፈሳዊ ነገራት ድማ ባህ ዝብሎም ሰባት ዕርክነት ምዅስኳስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ኰን ኢዩ! ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብጾት ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ከነንጸባርቕ ይሕግዙና። ንሳ ድማ “ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላ​ማዊት: ልእምቲ: ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት . . . ብዘይ ግብዝናን እያ።” (ያእቆብ 3:17) እዚ ማለት ግን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት እንተ ዘይኰይኑ ብኻልእ ክዛረቡ ኣይክእሉን ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ከም ንቕሑ! ዝኣመሰለ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ዝወጽእ እተፈላለየ ዝምስጥ ኣርእስትታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ክንመያየጠሎም እንኽእል ማእለያ ዘይብሎም ጥዑያት ኣርእስትታት ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ኣርእስትታት ተገዳስነት ምስ እነሕድር: ንህይወትን ንስርሓት ኢድ የሆዋን ዘሎና ፍቕሪ ነንጸባርቕ።

ልክዕ ከምቲ ሓደ ተጻዋታይ ተኒስ ምስ ካልኦት ክኢላታት ብምጽዋት ክእለቱ ዘመሓይሽ: ጥዑያት ኣዕሩኽ እውን ብኣእምሮ: ብስምዒት: ብመንፈስ ዕቤት ንኽንገብር ይሕግዙና ኢዮም። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ: እቶም ዘይጥዑያት ኣዕሩኽ ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ ብምምራሕ ግቡዛት ከም እንኸውን ክገብሩና ይኽእሉ ኢዮም። ክብረትካ ሓሊኻ ጽሩይ ሕልና ሒዝካ ምንባርስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ኰን ኢዩ!

ገለ እተጠቕሙ ሰባት

ብዙሓት ሰባት ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ነቲ ካባና ዝድለ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ብቕዓት እንታይ ምዃኑ ክትማሃር ቀሊል ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። ይኹን እምበር: ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ቀጺሉ ዘሎ ኣብነታት ከም እንርእዮ: ጥዑይ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ንኸነገልግሎ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

ሓደ ምስ ሰበይቱ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ ኣብ ህይወቱ ዘውጽኦ ሸቶ በቶም መዛኑኡ ከም እተጸልወ ገለጸ። ክዓቢ ኸሎ ካብ ዘይጥዑይ ጽልዋታት ክርሕቕ ነበሮ። ነቶም ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ስርዓታዊ ኰይኑ ክካፈል ዘተባብዕዎ ኣዕሩኽ ድማ መረጸ። ምስዞም ኣዕሩኹ ስለ ዝጠበቐ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ንኽበጽሕ ሓገዞ።

ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነን በዓልቲ ቤተይን ምስ ተመርዓና መሳቱና ዝዀኑ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ዘለዉዋ ጉባኤ ገዓዝና። ስርዓታውያን ፓይነራት ብምንባሮም ከኣ ኣብነቶም ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽንኣቱ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። ድሕርዚ: ንሕናውን ኣብታ ጉባኤ ናይ ፓይነር መንፈስ ከም ዝህሉ ኣብ ምግባር እጃምና ወፈና። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብዙሓት ፓይነራት ኰኑ።”

ምስቶም ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ዘለዎም ሰባት ዕርክነት ምግባር: ንየሆዋ ምእዛዝ ዝቐለለ ይገብሮ። እዚ ኸኣ ካልእ ካብ ጥዑይ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ዝርከብ ጥቕሚ ኢዩ። መንእሰይ ከሎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ድሓር ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ዘገልገለ ሕጂ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ካብተን ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘገልግል ዘሎ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ገለ ካብቲ ናይ ቀደምን ኣዝየ ዝፈትዎን ተዘክሮታት: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ገዛና ክበጽሑ ክመጹ ከለዉ ኢዩ። ኵሉ ሳዕ ኣጋይሽ ምስ ዝመጹ ምሳና መኣዲ ንኽቕረቡ ቦታ ነዳሉ ነበርና። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ሓንቲ ንኣገልግሎት እትኸውን ቦርሳ ሃበኒ። ነታ ቦርሳ ክሳዕ ሕጂ ኣኽቢረ ሒዘያ ኣለኹ።”

እዚ ናይ የሆዋ ምስክር እዚ ነቲ ኰተቴ ዝነበረሉ ግዜ ምልስ ኢሉ ክዝክሮ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “ብዙሓት ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብቲ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ክካፈሉ ይደልዩ ነበሩ: ኣብነቶም ከኣ ከምቲ ናቶም ክንስዕብ የለዓዕለና ነበረ።” ነዚ መንእሰይ እዚ ልክዕ ከም ሓንቲ ሓዳስ ተኽሊ ትኽ ኢላ እትዓቢ ብሱል ክርስትያን ኰይኑ ንኽዓቢ: ጥዑያት መዛኑ ሓጊዞሞ ኢዮም። ወለዲ: ነቶም ኣብ ደቅኹም ኣወንታውን ሃናጽን ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ዲኹም ናብ ገዛኹም እትዕድምዎም፧​—⁠ሚልክያስ 3:⁠16

ርግጽ ኢዩ: ልክዕ ከምዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣሕዋት ኵላትና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንካፈል ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ኵላትና ንየሆዋ ‘ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን’ ምፍቃር ክንማሃር ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 22:37) ናይ መዛኑ ኣመራርጻና ነዚ ፍቕሪ እዚ ኣብ ምምዕባል ዓቢ ግደ ኣለዎ: እዚ ኸኣ ነቲ ዘሎና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይትንክፎ ኢዩ።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብሓቂ ዕዉት ህይወት ንምምራሕ ዝኸውን ቀሊል ግን ኣስላጢ ዝዀነ መምርሒ ሂቡ ኣሎ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ: ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም: ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ: ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።”​—⁠መዝሙር 1:1-3

ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ውሕስነት ኰን ኢዩ! ሽሕኳ ዘይፍጹማትን ጌጋታት እንገብርን እንተዀንና: የሆዋ ክመርሓና እንተድኣ ፈቒድናሉ ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ዘቕረበልና ጥዑይ ናይ መዛኑ ጽልዋ ክገብሩልና ዝኽእሉ ‘ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት’ እንተድኣ ተጠቒምናሉ ህይወትና ዕዉት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:9

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጉባኤ ጥዑይ ናይ መዛኑ ጽልዋ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ: ንደቅኹም ምስ ዝሃንጽዎም መዛኑ ክጠብቁ ኣተባብዕዎም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ