ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/14 ገጽ 4-7
  • ዘይተነግረ ታሪኽ ፍጥረት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘይተነግረ ታሪኽ ፍጥረት
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይተፈጥረ ፈጣሪ
  • ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ንኺፈጥሮ ኽንደይ ግዜ ወሲዱሉ፧
  • ኣምላኽ፡ ፍልቀት ድዩ ተጠቒሙ፧
  • ብፍጥረት ዚፍለጥ ፈጣሪ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይነግረና፧
    ንቕሑ!—2021
  • ፍጥረት
    ንቕሑ!—2014
  • ኣምላኽ ንዩኒቨርስ መዓስ እዩ ኺፈጥሮ ጀሚሩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵሉ ፍጥረት ቃል ብቓሉ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም እተፈጥረ ድዮም ዚኣምኑ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 3/14 ገጽ 4-7
ዩኒቨርስ

ገበር

ዘይተነግረ ታሪኽ ፍጥረት

ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣጀማምራ ዩኒቨርስ ብዚምልከት ዚገልጾ ሓሳብ ኣንቢቦም ወይ ብዛዕባኡ ሰሚዖም እዮም። እቲ 3,500 ዓመት ዝገበረ ጸብጻብ፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ብዚብል ፍሉጥ መግለጺ እዩ ዚጅምር።

ይኹን እምበር፡ እቶም ኵሉ ነገር ቅድሚ ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ከም እተፈጥረ ዚኣምኑ ሰባትን ኣኽረርቲ ክርስትያናትን፡ መራሕቲ ህዝበ ክርስትና እውን ከይተረፉ፡ ነቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብ ብዙሕ ጽውጽዋያት ከም ዝለወጥዎ፡ ብዙሓት ሰባት ኣይፈልጡን እዮም። እዚ ግና ምስ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት ዚጋጮ እዩ። እቲ ጽውጽዋይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ ንገሊኦም ሰባት ግና ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ከም ዚርእይዎ ገይርዎም እዩ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ናይ ሓቂ ታሪኽ ፍጥረት ኣይፈልጥዎን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኣጀማምራ ዩኒቨርስ ዚገልጽ ርትዓውን ዜተኣማምንን ሓሳብ ዚህብ ክነሱ፡ ብዙሓት ሰባት ዘይፈልጥዎ ምዃኖም ዜሕፍር እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳብ፡ ምስ ስነ ፍልጠታዊ ርኽበት እውን ይሳነ እዩ። እወ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዘይተነግረ ታሪኽ ፍጥረት ምስ ፈለጥካ፡ ትግረም ትኸውን።

ዘይተፈጥረ ፈጣሪ

ደረት ኣልቦ

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት፡ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ዝለዓለ ኣካል፡ ወይ ከኣ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣብ ዚገልጽ ሓቂ እተመርኰሰ እዩ። እቲ ዝለዓለ ኣካል መን እዩ፧ እንታይ ዓይነት ባህርይከ እዩ ዘለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ካብቶም ኣብ ካልእ ባህልታትን ሃይማኖታትን ህቡባት ዝዀኑ ኣማልኽቲ እተፈልየ ኸም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። ንሱ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት እኳ እንተ ዀነ፡ ሓያሎ ሰባት ግና ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም።

  • ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ኺዓዪ ዚኽእል ኣካል እዩ። ባህርይ ዘይብሉን ኣብ ብምሉኡ ዩኒቨርስ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ዕላማ ዚዘውርን ዘይንጹር ሓይሊ ኣይኰነን። ዚሓስብን ዚስምዖን ሸቶ ዜውጽእን እዩ።

  • ኣምላኽ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓይልን ጥበብን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣብ ኵሉ ፍጥረት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ህያዋን ነገራት ሕልኽልኽ ዝበለ ንድፊ ዚርአ።

  • እቲ ንዅሉ ግኡዝ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ መንፈስ ደኣ እምበር፡ በቲ ንሱ ዝፈጠሮ ግኡዝ ነገር ዝቘመ ኣይኰነን።

  • ህልውና ኣምላኽ ብግዜ ኣይድረትን እዩ። ንሱ ዝነበረን ወትሩ ዚነብርን እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣይተፈጥረን።

  • ኣምላኽ ስም ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። ስሙ የሆዋ እዩ።

  • የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ የፍቅሮምን ይሓልየሎምን እዩ።

ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ንኺፈጥሮ ኽንደይ ግዜ ወሲዱሉ፧

ሰዓት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ፡ “ሰማይን ምድርን” ከም ዝፈጠረ ይገልጽ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሓፈሻዊ ሓሳብ እዚ፡ ዩኒቨርስ ንኺፍጠር ክንደይ ግዜ ኸም ዝወሰደ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ቅርጺ ንምትሓዝ እተጠቕመሉ ሜላ ኣይሕብርን እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት፡ ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ኣብ ዘለዎ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም ዝፈጠሮ ዚኣምኑ ሰባትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ እዚ ብተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እተነጽገ ሓሳብ እዚ፡ ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ኣብ ምርዳእ እተመርኰሰ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንመዓልትታት ፍጥረት ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ዘለወን ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም ዝዀና ገይሮም ዚሓስብወን ሰባት ኣይድግፎምን እዩ

  • መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንመዓልትታት ፍጥረት ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ዘለወን ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም ዝዀና ገይሮም ዚሓስብወን ሰባት ኣይድግፎምን እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “መዓልቲ” እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንእተፈላለየ እዋናት ንምምልካት እዩ ዚጥቀመላ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እቲ እዋን፡ ዘይተወሰነ ንውሓት ንዘለዎ ግዜ እዩ ዜመልክት። እቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዚርከብ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ።

  • ነፍሲ ወከፍ እተን ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ሽዱሽተ መዓልቲ ፍጥረት፡ ንኣሽሓት ዓመታት ዜመልክታ ኪዀና ይኽእላ እየን።

  • እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ፍጥረት ክትጅምር ከላ፡ ኣምላኽ ንዩኒቨርስን ነታ ህይወት ኣልቦ ዝነበረት ምድርን ድሮ ፈጢርዎ ነይሩ እዩ።

  • እተን ሽዱሽተ መዓልቲ ፍጥረት፡ የሆዋ ኣምላኽ ንምድሪ፡ ንሰባት ከም እትምሽእ ገይሩ ንምድላው ዘሕለፎ ነዊሕ እዋን ዜመልክታ ኪዀና ኣለወን።

  • እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት፡ ምስቲ ስነ ፍልጠት ንዕድመ ዩኒቨርስ ብዚምልከት ዝበጽሖ መደምደምታ ኣይጋጮን እዩ።

ኣምላኽ፡ ፍልቀት ድዩ ተጠቒሙ፧

መስርሕ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት

ብዙሓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምኑ ሰባት፡ ህያዋን ነገራት በቲ ዘይፍለጥን ዕላማ ዘይብሉን መስርሕ ኣቢሎም፡ ካብ ህይወት ዘይብሉ ኬሚካላት ከም ዝመጹ ንዚገልጽ ክልሰ ሓሳብ ይቕበሉ። ከምቲ ንሳቶም ዚብልዎ፡ ኣብ ገለ እዋን፡ ሓደ ንባክተርያ ዚመስልን ገዛእ ርእሱ ኼባዝሕ ዚኽእልን ህያው ነገር፡ ቀስ ብቐስ እናሰፍሐ ብምኻድ፡ ምንጪ እቶም ሎሚ ዘለዉ ዅሎም ህያዋን ነገራት ኰነ። ብመሰረት እዚ ሓሳብ እዚ፡ እቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ሕልኽልኽ ዝበለ ኣካላት ዘለዎ ሰብ፡ ካብ ባክተርያ እናማዕበለ እዩ መጺኡ ማለት እዩ።

ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ከም ዚቕበልዎ ዚገልጹ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ይኣምኑ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣምላኽ ፈለማ ህያው ነገር ከም ዝፈጠረ፡ ድሕሪኡ ነቲ ነገር እቲ ብመስርሕ ፍልቀት ኣቢሉ እናተመሓየሸ ኪኸይድ ከም ዝፈቐደሉ እዮም ዚኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከምኡ ኣይብልን እዩ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት፡ ምስቲ ኣብ ሓደ ዓይነት እንስሳ ወይ ኣትክልቲ እተፈላለየ ዘርኢ ኺህሉ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ስነ ፍልጠታዊ ሓቂ ኣይጋጮን እዩ

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ መሰረታዊ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን፡ እንተላይ ፍጹማት ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ፈጢሩ፣ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኪፈልጡ፡ ፍቕርን ጥበብን ፍትሕን ከኣ ኬንጸባርቑ ዚኽእሉ እዮም ነይሮም።

  • እቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም እንስሳታትን ኣትክልትን፡ ካብቲ እተፈጥሩሉ ዓይነት ከይወጹ፡ ብዙሕ ለውጢ ኸም ዝገበሩ ፍሉጥ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እተፈላለዩ ዘርኢ ኺህልዉ ኸኣሉ። እዚኣቶም ድማ ንሓድሕዶም ኣዝዮም እተፈላለዩ እዮም።

  • እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት፡ ምስቲ ኣብ ሓደ ዓይነት እንስሳ ወይ ኣትክልቲ እተፈላለየ ዘርኢ ኺህሉ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ስነ ፍልጠታዊ ሓቂ ኣይጋጮን እዩ።

ብፍጥረት ዚፍለጥ ፈጣሪ

ኣብ መፋርቕ 1800ታት ዝነበረ ኣልፍረድ ራሰል ዋላስ ዝስሙ ብሪጣንያዊ ተመራማሪ ስነ ህይወት፡ ምስቲ ተፈጥሮ ዘዝበለጸ ኸም ዚመርጽ ዚገልጽ ቻርለስ ዳርዊን ዘበገሶ ኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ይሰማማዕ ነበረ። እዚ ህቡብ ደጋፊ ፍልቀት ዝዀነ ሰብ እዚ እውን እንተ ዀነ፡ “ዚርኢ ዓይንን ዚሓስብ ኣእምሮን ዘለዎም ሰባት፡ እታ ዝደቐቐት ዋህዮን ደምን ምልእቲ ምድርን ብምሉኡ ዩኒቨርስን . . . ብምስትውዓል ከም ዚምራሕ፡ ብሓጺሩ፡ ኣብ ኵሉ ነገራት፡ ኣእምሮ ኸም ዘሎ የስተውዕሉ እዮም” በለ።

ካብቲ ዋላስ ዝነበረሉ እዋን ዳርጋ ኽልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱን፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ” ኢሉ ነበረ። (ሮሜ 1:20) ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ዜደንቕ ነገራት ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ካብታ ንእሽቶ ሳዕሪ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሰማያዊ ኣካላት ንዘሎ ነገራት የጠቓልል። በዚ ኸምዚ ንፈጣሪ ብንጹር ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።

ይኹን እምበር፡ ‘ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ፈቃር ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ንፍጥረታት ምድሪ ኻንዶ ጠንጢንዎም እዩ፧ መጻኢና እንታይ እዩ ዚመስል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብምኽንያት ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ሃይማኖታዊ ትምህርትን ካብ ብዙሓት ሰባት እተሓብአ፡ ብሰንኩ ድማ ዘይተነግረ ብዙሕ ታሪኽ ሒዙ ኣሎ። እቶም ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ ወይ ጽሩይ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምርምሮ፡ ብዛዕባ ፈጣርን ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብን ድማ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ሰሌዳ ግዜ ፍጥረት

  • ብመጀመርታ

    ሰማይን ምድርን ተፈጥረ።—ዘፍጥረት 1:1።

  • ምድሪ፡ በረኻን ጸልማትን ከላ

    ጸልማት

    ምድሪ፡ በረኻን ጥራያን ጸልማትን ነበረት።—ዘፍጥረት 1:2።

  • ቀዳመይቲ መዓልቲ፦ ብርሃን፣ መዓልትን ለይትን

    ቀዳመይቲ መዓልቲ

    ዘይንጹር ብርሃን ንኸባቢ ምድሪ ሰንጢቑ ኺሓልፍ ጀመረ። ኣብ ምድሪ ዀይኑ ዚርኢ ሰብ እንተ ዚህሉ ነይሩ፡ ምንጪ እቲ ብርሃን ብንጹር ኣይምተራእዮን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መንጎ መዓልትን ለይትን ዝነበረ ፍልልይ ንጹር ኰይኑ እዩ።—ዘፍጥረት 1:3-5።

  • ካልአይቲ መዓልቲ፦ ጠፈር

    ካልአይቲ መዓልቲ

    ምድሪ ብማይን ብጽዑቕ ሃፋን ተጐልቢባ ነበረት። እዚ ኽልተ ባእታታት ስለ እተፈልየ ድማ፡ ኣብ መንጎ ማያትን ኣብ መንጎ እቲ ንምድሪ ሸፊንዋ ዝነበረ ሃፋን፡ ጋግ ተፈጥረ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጋግ እዚ፡ ‘ንማያት ዚፈሊ ጠፈር፡’ ወይ ከኣ “ሰማይ” ኢሉ ይጽውዖ።—ዘፍጥረት 1:6-8።

  • ሳልሰይቲ መዓልቲ፦ ንቑጽ መሬትን ኣትክልትን

    ሳልሰይቲ መዓልቲ

    ማያት ምስ ነከየ፡ ንቑጽ መሬት ተራእየ። ሃዋህው ኣየር እውን እናነጸረ ስለ ዝኸደ፡ ዝያዳ ብርሃን ጸሓይ ኣብ መሬት ኪበጽሕ ጀመረ። እተወሰነ ብቝሊ ኺርአ፡ ኣብ ሳልሰይትን ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ መዓልትታት ፍጥረትን ድማ ሓደስቲ ጅር ኪበቍል ጀመረ።—ዘፍጥረት 1:9-13።

  • ራብዐይቲ መዓልቲ፦ ሰማያውያን ብርሃናት

    ራብዐይቲ መዓልቲ

    ጸሓይን ወርሕን ኣብ ምድሪ ዄንካ ብንጹር ኪርኣያ ጀመራ።—ዘፍጥረት 1:14-19።

  • ሓምሸይቲ መዓልቲ፦ ዓሳን ኣዕዋፍን

    ሓምሸይቲ መዓልቲ

    ኣምላኽ፡ ካብ ዓይነቶም ከይወጹ ኺራብሑ ዚኽእሉ ኣብ ባሕሪ ዚነብሩ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ብብዝሒ ፈጠረ። —ዘፍጥረት 1:20-23።

  • ሻድሸይቲ መዓልቲ፦ እንስሳታት ምድርን ሰባትን

    ሻድሸይቲ መዓልቲ

    ዓበይትን ንኣሽቱን እንስሳታት ምድሪ ተፈጥሩ። እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ ነቶም ኣዝዮም ዜደንቑ ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ብምፍጣር ተዛዘመት።—ዘፍጥረት 1:24-31።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ