ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 3 ገጽ 10-13
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይነግረና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይነግረና፧
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዘይብል፧
  • ኣምላኽ ንዩኒቨርስ መዓስ እዩ ኺፈጥሮ ጀሚሩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ዘይተነግረ ታሪኽ ፍጥረት
    ንቕሑ!—2014
  • ፍጥረት
    ንቕሑ!—2014
  • ህይወት ብኸመይ ጀሚራ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 3 ገጽ 10-13

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይነግረና፧

“ታሪኽ ሰማያትን ምድርን በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ . . . እዚ እዩ።” (ዘፍጥረት 2:4) መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ቓላት እዚ ገይሩ፡ ነቲ ፕላነትና ናብ ህልውና ዝመጸትሉ ጸብጻብ ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጾ። እሞ ደኣ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገር፡ ምስ ጭቡጥ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት ይሰማማዕዶ፧ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።

መጀመርታ፦ ግኡዝ ሰማያትን ምድርን ተፈጢሩ

ዩኒቨርስ መጀመርታ ዘይብሉ ድዩ፧

ዘፍጥረት 1:1 ከምዚ ትብል፦ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።”

ክሳዕ ካልኣይ መፋርቕ መበል 20 ዘመን፡ ብዙሓት ምርኡያት ስነ ፍልጠተኛታት፡ ዩኒቨርስ መጀመርታ ኸም ዘይብሉ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ብምኽንያት እቲ ናይ ቀረባ ግዜ ርኽበታት ግና፡ መብዛሕትኦም ስነ ፍልጠተኛታት፡ ዩኒቨርስ ብሓቂ መጀመርታ ኸም ዘለዎ ኣሚኖም እዮም።

ምድሪ ኣብ ፈለማ እንታይ እያ እትመስል ነይራ፧

ዘፍጥረት 1:2, 9፡ ጥንታዊት ምድሪ፡ “ቅርጺ ኣልቦን ባዶን” ከም ዝነበረት ትገልጽ።

እዚ መግለጺ እዚ ምስ ዘመናዊ ስነ ፍልጠታዊ ርኽበታት ይሳነ እዩ። ፓትሪክ ሺ ዝስሙ ስነ ህይወተኛ፡ ፕላነትና ኣብ ፈለማ “ኸተተንፍሶ ዘይከኣል ኦክስጅን ኣልቦ ሃዋህው” ከም ዝነበራ፡ “ብሓፈሻኡ ኣብ ሳይንሳዊ ልብ ወለድ ዚርአ መልክዐ መሬት” ከም እትመስል ገሊጹ እዩ። መጽሔት ኣስትሮኖሚ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ጥንታዊት ምድሪ ናይ ማይ ዓለም ከም ዝነበረት፡ ብዙሕ ዚርአ መሬት እውን ከም ዘይነበራ ሓድሽ ምርምር ይሕብር።”

ሃዋህውና እናሓደረ እተቐየረ ብኸመይ እዩ፧

ዘፍጥረት 1:3-5፡ ብርሃን ንፈለማ ግዜ ንሃዋህው ሰንጢቑ ምስ ሓለፈ፡ ምንጪ እቲ ብርሃን ካብ ገጽ ምድሪ ንዚዕዘብ ዘበለ ይልለ ኸም ዘይነበረ ትሕብር። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ምድሪ ንዚጥምት ዘበለ ጸሓይን ወርሕን ብንጹር ኣይርኣያን እየን ነይረን።—ዘፍጥረት 1:14-18።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ህይወት ብሽዱሽተ 24 ሰዓት ዝንውሓተን መዓልትታት ተፈጢሩ ኣይብልን እዩ

ስሚዝሶኒያን ኢንቫይሮመንታል ሪሰርች ሰንተር ዚብሃል ማእከል ምርምር፡ ሃዋህውና ኣብ ፈለማ እተበተነ ብርሃን ጥራይ ናብ ምድሪ የሕልፍ ከም ዝነበረ ይሕብር። “ኣብ ኣየር ዝነበረ ነጠብጣብ ሚተይን ነታ ዕሸል ምድርና ብዓለምለኻዊ ግመ ሸፊንዋ ነይሩ” ይብል። ደሓር ግና፡ “እቲ ግመ ሚተይን ጸርዩ፡ ሰማይ እውን ሰማያዊ ዀይኑ።”

ህይወት ኣብ ምድሪ ብምንታይ መስርዕ እዩ ተኸሲቱ፧

1​—ቀዳመይቲ መዓልቲ፦ እተበተነ ብርሃን ንሃዋህው ምድሪ ሰንጢቑ ኣትዩ።—ዘፍጥረት 1:3-5

2​—ካልአይቲ መዓልቲ፦ ምድሪ ብማይን ብጽዑቕ ግመን ተሸፊና። እዚ ኽልቲኡ ባእታታት ተፋላልዩ፣ ኣብ መንጎኡ እውን ጋግ ፈጢሩ።—ዘፍጥረት 1:6-8

3​—ሳልሰይቲ መዓልቲ፦ ኣብ መሬት ዚርከብ ማይ ጐዲሉ፡ ንቑጽ መሬት እውን ተራእዩ።—ዘፍጥረት 1:9-13

4​—ራብዐይቲ መዓልቲ፦ ጸሓይን ወርሕን ካብ ምድሪ ኺርኣያ ጀሚረን።—ዘፍጥረት 1:14-19

5​—ሓምሸይቲ መዓልቲ፦ ኣምላኽ ማያውያን ፍጡራትን በረርቲ ፍጡራትን ፈጢሩ፣ ንሳቶም እውን በብዓይነቶም ኪፋረዩ ዚኽእሉ እዮም ነይሮም።—ዘፍጥረት 1:20-23

6​—ሻድሸይቲ መዓልቲ፦ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዓበይትን ንኣሽቱን እንስሳታት ተፈጢሮም። ኣብ መወዳእታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ተፈጢሮም።—ዘፍጥረት 1:24-31

ዘፍጥረት 1:20-27 ፈለማ ዓሳታት፡ ድሕሪኡ ኣዕዋፍ፡ ድሕሪኡ እንስሳታት ምድሪ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሰባት ከም እተፈጥሩ ትገልጽ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ቀዳሞት ዓሳታት ካብ ቀዳሞት መጥበውቲ እንስሳታት ኣቐዲሞም ከም ዝመጹ፡ ደቂ ሰብ ከኣ ድሕሪ ዅሎም ከም ዝመጹ ይኣምኑ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህያዋን ነገራት ምስ ምንዋሕ ግዜ ለውጢ ኣይገብሩን ኣይብልን እዩ

“እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ ሓጺር ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብኡ ተባህለን ኣብ ዘፍጥረት 1 እተሰርዐ ግዜን ምስ ርኽበታት ዘመናዊ ስነ ፍልጠት ዘለዎ ስኒት ዜገርም እዩ።”—ጀራልድ ሽሮደር፡ ፊዝከኛ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዘይብል፧

ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዘመናዊ ስነ ፍልጠታዊ ርኽበታት ከም ዘይሳነ ይዛረቡ እዮም። እዚ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ግጉይ ርድኢት እተመርኰሰ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዩኒቨርስ ወይ ምድሪ 6,000 ዓመት ጥራይ ገይሩ ኣይብልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምድርን ዩኒቨርስን “ብመጀመርታ” ኸም እተፈጥረ እዩ ዚገልጽ። (ዘፍጥረት 1:1) እዚ ንውሓቱ ኽንደይ ከም ዝዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ኣይገልጽን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ህይወት ብሽዱሽተ 24 ሰዓት ዝንውሓተን መዓልትታት ተፈጢሩ ኣይብልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንእዋናት ንምምልካት “መዓልቲ” እትብል ቃል እዩ ተጠቒሙ ዘሎ። ንኣብነት፡ ፕላነትናን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን “በታ የሆዋa ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝገበረላ መዓልቲ” ኸም እተፈጥረ ይሕብር እዩ፣ እዚ እዋን እዚ ኸኣ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1፡ ሽዱሽተ “መዓልትታት” ፍጥረት ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ። (ዘፍጥረት 2:4) ስለዚ፡ እተን ኣምላኽ ንምድሪ ዘዳለወለንን ህይወት ዝፈጠረለንን ሽዱሽተ “መዓልትታት” ነፍሲ ወከፈን ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኬመልክታ ይኽእላ እየን።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህያዋን ነገራት ምስ ምንዋሕ ግዜ ኣብ ተፈጥሮኦም ለውጢ ኣይገብሩን ኣይብልን እዩ። መጽሓፍ ዘፍጥረት፡ እንስሳታት “በብዓይነቱ” ኸም እተፈጥሩ እዩ ዚገልጽ። (ዘፍጥረት 1:24, 25) እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ዓይነት” እትብል ቃል፡ ስነ ፍልጠታዊ ቓል ኣይኰነትን፣ የግዳስ፡ ንዝሰፍሐ ኽፋል ህይወታውያን እተመልክት እያ እትመልስ። ስለዚ፡ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓይነት” ተባሂሉ ዘሎ፡ ብዙሕ ጅር (species) ወይ ዓይነት (varieties) ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ኣብ ውሽጢ ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚነብር “ዓይነት፡” ለውጥታት ጅርን ዓይነታትን ኪህሉ ዜኽእል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧

ኣብ ላዕሊ ኸም እተገልጸ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ዩኒቨርስን ፈለማ ኣብ ምድሪ ንዝነበረ ዅነታትን ንኣመዓባብላ ህይወትን፡ ብቐሊልን ብልክዕን ቃላት እዩ ገሊጽዎ። እሞ ደኣ ነቲ ንዅሉ እዚ ነገራት ዝፈጠሮ ብልክዕ ገሊጽዎ ደዀን ይኸውን፧ ኤንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ፡ “መበቈል ህይወት ሳላ ልዕለ ባህርይ ምዃኑ ዚገልጽ ሓፈሻዊ ሓሳብ ምስዚ ናይ ዘመንና ስነ ፍልጠት ዘይሰማማዕ ኣይኰነን” ይብል።b

ነዚ ሕሰበሉ፦

ዘፍጥረት 1:1–2:4 ኣንብብ። ነቲ ጸብጻብ እቲ ምስ ናይ ጥንቲ ጽውጽዋያት ፍጥረት ኣነጻጽሮ። ንኣብነት፡ ባቢሎናውያን፡ ዩኒቨርስን ደቂ ሰብን ካብ ሬሳ ኣንስተይቲ ኣምላኽን ካብ ደም ተባዕታይ ኣምላኽን ከም እተገብሩ እዮም ዚኣምኑ። ጥንታውያን ግብጻውያን ከኣ ራ ዚብሃል ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብንብዓቱ ኸም ዝፈጠሮም እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ቻይና ድማ፡ ሬሳ ዓርሞሸሻት ናብ ተፈጥሮኣዊ ባእታታት ምድሪ ኸም እተቐየረ፡ ሰባት ከኣ ካብ ጽንጽያ ሬሳኡ ኸም ዝመጹ ዚኣምኑ ነይሮም እዮም። ጸብጻብ ዘፍጥረት ምስዚ ጽውጽዋያት እዚ ኺምደብ ዘለዎዶ ይመስለካ፡ ወይስ ምስ ስነ ፍልጠት ኪሰማማዕ ዚኽእል ምበልካዮ፧

ኣርባዕተ ደቒቕ ዝንውሓታ ዩኒቨርስ ተፈጢሩ ድዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ። ንኣርእስቲ እታ ቪድዮ ኣብ jw.org ድለ።

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

b ኤንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ፡ ህይወት ብፍጥረት ከም ዝመጸ ዚኣምን ኣይኰነን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ