ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/14 ገጽ 16
  • ቈርበት ተመን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቈርበት ተመን
  • ንቕሑ!—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣብ ሓርቢ ዘሎ ንብዓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ዙኪኒ ባሕሪ ዘለዎ ዜስተንክር ቈርበት
    ተነዲፉ ድዩ፧
ንቕሑ!—2014
g 3/14 ገጽ 16
ኣብ ኦም ዚሓኵር ዘሎ ተመን

ተነዲፉ ድዩ፧

ቈርበት ተመን

ኣትማን እናተንፈሓኹ ስለ ዚጓዓዙ፡ ነቲ ብቐጻሊ ዜጋጥሞም ፍሕፍሐ ኺጻወር ዚኽእል ድልዱል ቈርበት የድልዮም እዩ። ገሊኦም ጅር ተመን ኣብ ሻሕካር ኦም ይድይቡ እዮም፣ ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ኣመና ሓርፋፍ ሑጻ ዅዒቶም ይኣትዉ እዮም። እሞኸ ንቘርበት ተመን ድልዱል ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ርጕድን ቅርጽን ቈርበት ተመን፡ ከከም ጅሩ ኺፈላለ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ቈርበት ኵሎም ኣትማን ዜመሳስሎ ነገር ኣሎ፦ ግዳማዊ ኽፋሉ ተሪር ኰይኑ፡ ውሽጣዊ ኽፋሉ ግና ልስሉስ እዩ። እዚ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ማሪ-ክሪስቲን ክለይን ዝስማ ተመራማሪት፡ “ዝባኑ ተሪር፡ ውሽጡ ኸኣ ልስሉስ ዝዀነ ነገር፡ ዚወግእ ወይ ከኣ ዚጸቅጥ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ነቲ ጸቕጢ ናብ እተፈላለየ ሸነኽ ናይ ምዝርጋሕ ዓቕሚ ኣለዎ” በለት። እዚ ፍሉይ ቅርጺ ዘለዎ ቘርበት እዚ፡ ተመን ኣብ መሬት ኪጓዓዝ ከሎ፡ ብዚግባእ እናተንፈሓዀ ንኪኸይድ የኽእሎ እዩ፣ ብዘይካዚ፡ እቲ ቘርበት፡ ነቲ ኻብ በሊሕ ኣእማን ዚመጽእ ጸቕጢ ናብ እተፈላለየ ሸነኽ ስለ ዚዝርግሖ፡ እቲ ተመን ኣብ ቈርበቱ ብዙሕ ጕድኣት ኣየጋጥሞን እዩ። ኣትማን ንቘርበቶም ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ስለ ዚቕይርዎ፡ ናይ ግድን ድልዱል ኪኸውን ኣለዎ።

ንቘርበት ተመን ብምቕዳሕ ዚስራሕ ነገራት፡ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ብቐሊሉ ዘየንሳትትን ኣዝዩ ድልዱልን ኣካላት ንምስራሕ ኪጠቅም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብመልክዕ ቈርበት ተመን እተሰርሐ ቺንግያ ዘለዎ ናይ ኣቕሓ መጐዓዓዚ ማሽን፡ ንኣየር ዚብክል ብዙሕ ግራሶ ኺልከ ኣየድልዮን እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ ቈርበት ተመን ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ