ዛንታ 41
እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን
እዝስ ኣብ ዓንዲ እተጠምጠመ ናይ ሓቂ ተመንዶ ይመስል፧ ኣይኰነን። እቲ ተመን ብኣስራዚ እተሰርሐ ኢዩ። እቶም ህዝቢ ናብኡ ብምጥማት ምእንቲ ክድሕኑ: የሆዋ ንሙሴ ኣብ ዕንጨይቲ ክሰቕሎ ነገሮ። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ካልኦት ኣትማን ግን ናይ ሓቂ ኢዮም። ነቶም ሰባት ነኺሶም ከም ዝሓሙ ገበርዎም። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበርዎም ትፈልጥዶ፧
እስራኤላውያን ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ስለ እተዛረቡ ኢዩ። ‘ኣብ በረኻ ክንመውት ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣውጻእካና፧ ኣብዚ መግቢ ይኹን ማይ የለን። ማና ኸኣ መኒናዮ ኢና’ ብምባል ኣጕረምረሙ።
ማና ግን ጽቡቕ መግቢ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ብተኣምራት ኢዩ ሂብዎም። ብተኣምራትውን ማይ ሂብዎም ኢዩ። እቶም ህዝቢ ግን በቲ ኣምላኽ እተኸናኸኖም መመስገንቲ ኣይነበሩን ስለዚ የሆዋ ንእስራኤላውያን ንምቕጻዕ እዞም መርዛማት ኣትማን ሰደደሎም። እቶም ኣትማን ነኸስዎም ብዙሓት ከኣ ሞቱ።
ኣብ መወዳእትኡ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም ‘ኣንጻር የሆዋን ኣንጻርካን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና። ሕጂ ኸኣ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ናብ የሆዋ ለምነልና’ በልዎ።
ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ ጸለየሎም። የሆዋ ኸኣ ብኣስራዚ ተመን ክሰርሕ ነገሮ። ኣብ ዓንዲ ስቐሎ እሞ: እተነኽሰ ዘበለ ኸኣ ናብኡ ገጹ ይጠምት ኢሉ ነገሮ። ሙሴ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ገበረ። እቶም እተነኽሱ ሰባት ከኣ ናብቲ ናይ ኣስራዚ ተመን ጠመቱ እሞ ደሓኑ።
ካብዚ እንማሃሮ ትምህርቲ ኣሎ። ኵላትና ብገለ መገዲ ከምቶም ብተመን እተነኽሱ እስራኤላውያን ኢና። ኵላትና ኣብ ናይ ሙማት ኵነታት ኢና ዘሎና። ኣብ ከባቢኻ ተመልከት እሞ ሰባት ከም ዝኣርጉ: ከም ዝሓሙ: ከምኡውን ከም ዝሞቱ ክትዕዘብ ኢኻ። ከምኡ ዝዀነ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣዳምን ሄዋንን: ካብ የሆዋ ስለ ዝረሓቑን ኵላትና ኸኣ ደቆም ብምዃንናን ኢዩ። የሆዋ ግን ንዘለኣለም ምእንቲ ክንነብር መገዲ ከፈተልና።
የሆዋ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ሰደደልና። ብዙሓት ሰባት እኩይ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ: የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቕለ። የሆዋ ግን ንኸድሕነና የሱስ ለኣኸልና። ናብኡ እንተ ጠሚትና: እንተ ስዒብናዮ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ጸኒሕና ግን ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክንማሃር ኢና።