ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 41
  • እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቈርበት ተመን
    ንቕሑ!—2014
  • እታ እትነድድ ቈጥቋጥ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ‘ካብ ኣኽራን፡ ነሓሲ ኽትኵዕት ኢኻ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 41

ዛንታ 41

እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን

እዝስ ኣብ ዓንዲ እተጠምጠመ ናይ ሓቂ ተመንዶ ይመስል፧ ኣይኰነን። እቲ ተመን ብኣስራዚ እተሰርሐ ኢዩ። እቶም ህዝቢ ናብኡ ብምጥማት ምእንቲ ክድሕኑ: የሆዋ ንሙሴ ኣብ ዕንጨይቲ ክሰቕሎ ነገሮ። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ካልኦት ኣትማን ግን ናይ ሓቂ ኢዮም። ነቶም ሰባት ነኺሶም ከም ዝሓሙ ገበርዎም። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበርዎም ትፈልጥዶ፧

እስራኤላውያን ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ስለ እተዛረቡ ኢዩ። ‘ኣብ በረኻ ክንመውት ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣውጻእካና፧ ኣብዚ መግቢ ይኹን ማይ የለን። ማና ኸኣ መኒናዮ ኢና’ ብምባል ኣጕረምረሙ።

ማና ግን ጽቡቕ መግቢ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ብተኣምራት ኢዩ ሂብዎም። ብተኣምራትውን ማይ ሂብዎም ኢዩ። እቶም ህዝቢ ግን በቲ ኣምላኽ እተኸናኸኖም መመስገንቲ ኣይነበሩን ስለዚ የሆዋ ንእስራኤላውያን ንምቕጻዕ እዞም መርዛማት ኣትማን ሰደደሎም። እቶም ኣትማን ነኸስዎም ብዙሓት ከኣ ሞቱ።

ኣብ መወዳእትኡ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም ‘ኣንጻር የሆዋን ኣንጻርካን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና። ሕጂ ኸኣ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ናብ የሆዋ ለምነልና’ በልዎ።

ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ ጸለየሎም። የሆዋ ኸኣ ብኣስራዚ ተመን ክሰርሕ ነገሮ። ኣብ ዓንዲ ስቐሎ እሞ: እተነኽሰ ዘበለ ኸኣ ናብኡ ገጹ ይጠምት ኢሉ ነገሮ። ሙሴ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ገበረ። እቶም እተነኽሱ ሰባት ከኣ ናብቲ ናይ ኣስራዚ ተመን ጠመቱ እሞ ደሓኑ።

ካብዚ እንማሃሮ ትምህርቲ ኣሎ። ኵላትና ብገለ መገዲ ከምቶም ብተመን እተነኽሱ እስራኤላውያን ኢና። ኵላትና ኣብ ናይ ሙማት ኵነታት ኢና ዘሎና። ኣብ ከባቢኻ ተመልከት እሞ ሰባት ከም ዝኣርጉ: ከም ዝሓሙ: ከምኡውን ከም ዝሞቱ ክትዕዘብ ኢኻ። ከምኡ ዝዀነ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣዳምን ሄዋንን: ካብ የሆዋ ስለ ዝረሓቑን ኵላትና ኸኣ ደቆም ብምዃንናን ኢዩ። የሆዋ ግን ንዘለኣለም ምእንቲ ክንነብር መገዲ ከፈተልና።

የሆዋ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ሰደደልና። ብዙሓት ሰባት እኩይ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ: የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቕለ። የሆዋ ግን ንኸድሕነና የሱስ ለኣኸልና። ናብኡ እንተ ጠሚትና: እንተ ስዒብናዮ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ጸኒሕና ግን ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክንማሃር ኢና።

ዘሁልቍ 21:⁠4⁠-​9፣ ዮሃንስ 3:⁠14, 15

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ