ዛንታ 30
እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ
ሙሴ ነባጊዑ ዝኸውን ሳዕሪ ንምርካብ ክሳዕ ከረን ሆሬብ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ማእከል ቈጥቋጥ ሃልሃልታ ሓዊ ረኣየ: እንተዀነ ግን እቲ ቘጥቋጥ ኣይነደደን!
ሙሴ ኸኣ ‘እዚ ዝገርም ኢዩ’ ኢሉ ሓሰበ። ‘ክቐርብ እሞ ጽቡቕ ገይረ ክርኢ’ ኸኣ በለ። ምስ ቀረበ ኸኣ ‘ናብዚ ኣይትቕረብ። እዚ ዘሎኻዮ ቦታ ቅዱስ ኢዩ እሞ ሳእንኻ ኣውጽእ’ ዝብል ድምጺ ካብቲ ቘጥቋጥ መጾ። ኣምላኽ ኢዩ ብመልኣኽ ኣቢሉ ዝዛረብ ነይሩ: ስለዚ ሙሴ ገጹ ሸፈነ።
ብድሕርዚ ኣምላኽ ‘ጸበባ ናይቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ርእየ እየ። ስለዚ ከድሕኖም እየ: ንህዝበይ ካብ ግብጺ ከተውጽኦም ንዓኻ እየ ዝልእኽ’ በሎ። የሆዋ ንህዝቡ ናብታ ጽብቕቲ ምድሪ ከነኣን ከውጽኦም ኢዩ።
ሙሴ ግን ‘ኣነ መን ኢየ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክገብሮ ኢየ፧ ናብ እስራኤለውያን ምስ ከድኩ መን ልኢኹካ፧ እንተ በሉንስ መን ክብሎም ኢየ፧’ በለ።
ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:- ‘ንደቂ እስራኤል የሆዋ ኣምላኽ ኣብርሃም: ኣምላኽ ይስሃቅ: ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ በሎም። እዚ ንዘለኣለም ስመይ ኢዩ።’
ሙሴ ኸኣ ‘ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምስ ነገርክዎም እንተ ዘይኣመኑኒኸ’ ኢሉ መለሰ።
ኣምላኽ ‘ኣብ ኢድካ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧’ ኢሉ ሓተቶ።
ሙሴ ኸኣ ‘በትሪ’ ኢሉ መለሰ።
ኣምላኽ ከኣ ‘ናብ ምድሪ ደርብያ’ በሎ። ሙሴ ምስ ደርበያ ኸኣ እታ በትሪ ተመን ኰነት። የሆዋ መሊሱ ንሙሴ ካልእ ተኣምራት ኣርኣዮ። ‘ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ’ በሎ። ሙሴ ከምኡ ገበረ: ኢዱ ምስ ኣውጽኣ ኸኣ ከም በረድ ጻዕደወት! ኢዱ እቲ ለምጺ ዝብሃል ሕማቕ ሕማም ዝሓዛ መሰለት። ቀጺሉ የሆዋ ንሙሴ ሳልሳይ ተኣምራት ንኽገብር ሓይሊ ሃቦ። ኣብ መወዳእታ ‘እዚ ተኣምራት እዚ ክትገብር ከለኻ እስራኤላውያን ኣነ ከም ዝለኣኽኩኻ ክኣምኑ ኢዮም’ በሎ።
ብድሕርዚ ሙሴ ናብ ቤቱ ከይዱ ንየትሮ ‘ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣዝማደይ ከይደ ከመይ ከም ዘለዉ ክርኢ’ በሎ። የትሮ ድማ ንሙሴ ብሰላም ኪድ በሎ: ሙሴ ኸኣ ናብ ግብጺ ንምምላስ ጕዕዞ ጀመረ።