ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 30
  • እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እታ እትነድድ ቈጥቋጥ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሙሴ ዝሃደመሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሙሴ ፈቃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 30

ዛንታ 30

እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ

ሙሴ ነባጊዑ ዝኸውን ሳዕሪ ንምርካብ ክሳዕ ከረን ሆሬብ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ማእከል ቈጥቋጥ ሃልሃልታ ሓዊ ረኣየ: እንተዀነ ግን እቲ ቘጥቋጥ ኣይነደደን!

ሙሴ ኸኣ ‘እዚ ዝገርም ኢዩ’ ኢሉ ሓሰበ። ‘ክቐርብ እሞ ጽቡቕ ገይረ ክርኢ’ ኸኣ በለ። ምስ ቀረበ ኸኣ ‘ናብዚ ኣይትቕረብ። እዚ ዘሎኻዮ ቦታ ቅዱስ ኢዩ እሞ ሳእንኻ ኣውጽእ’ ዝብል ድምጺ ካብቲ ቘጥቋጥ መጾ። ኣምላኽ ኢዩ ብመልኣኽ ኣቢሉ ዝዛረብ ነይሩ: ስለዚ ሙሴ ገጹ ሸፈነ።

ብድሕርዚ ኣምላኽ ‘ጸበባ ናይቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ርእየ እየ። ስለዚ ከድሕኖም እየ: ንህዝበይ ካብ ግብጺ ከተውጽኦም ንዓኻ እየ ዝልእኽ’ በሎ። የሆዋ ንህዝቡ ናብታ ጽብቕቲ ምድሪ ከነኣን ከውጽኦም ኢዩ።

ሙሴ ግን ‘ኣነ መን ኢየ፧ ነዚኸ ብኸ​መይ ክገብሮ ኢየ፧ ናብ እስራኤለውያን ምስ ከድኩ መን ልኢኹካ፧ እንተ በሉንስ መን ክብሎም ኢየ፧’ በለ።

ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:⁠- ‘ንደቂ እስራኤል የሆዋ ኣምላኽ ኣብርሃም: ኣምላኽ ይስሃቅ: ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ በሎም። እዚ ንዘለኣለም ስመይ ኢዩ።’

ሙሴ ኸኣ ‘ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምስ ነገርክዎም እንተ ዘይኣመኑኒኸ’ ኢሉ መለሰ።

ኣምላኽ ‘ኣብ ኢድካ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧’ ኢሉ ሓተቶ።

ሙሴ ኸኣ ‘በትሪ’ ኢሉ መለሰ።

ኣምላኽ ከኣ ‘ናብ ምድሪ ደርብያ’ በሎ። ሙሴ ምስ ደርበያ ኸኣ እታ በትሪ ተመን ኰነት። የሆዋ መሊሱ ንሙሴ ካልእ ተኣምራት ኣርኣዮ። ‘ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ’ በሎ። ሙሴ ከምኡ ገበረ: ኢዱ ምስ ኣውጽኣ ኸኣ ከም በረድ ጻዕደወት! ኢዱ እቲ ለምጺ ዝብሃል ሕማቕ ሕማም ዝሓዛ መሰለት። ቀጺሉ የሆዋ ንሙሴ ሳልሳይ ተኣምራት ንኽገብር ሓይሊ ሃቦ። ኣብ መወዳእታ ‘እዚ ተኣምራት እዚ ክትገብር ከለኻ እስራኤላውያን ኣነ ከም ዝለኣኽኩኻ ክኣምኑ ኢዮም’ በሎ።

ብድሕርዚ ሙሴ ናብ ቤቱ ከይዱ ንየትሮ ‘ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣዝማደይ ከይደ ከመይ ከም ዘለዉ ክርኢ’ በሎ። የትሮ ድማ ንሙሴ ብሰላም ኪድ በሎ: ሙሴ ኸኣ ናብ ግብጺ ንምምላስ ጕዕዞ ጀመረ።

ዘጸኣት 3:⁠1⁠-​22፣ 4:⁠1⁠-​20

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ