ዛንታ 29
ሙሴ ዝሃደመሉ ምኽንያት
ሙሴ ካብ ግብጺ ክሃድም ከሎ እሞ ርኣዮ። እቶም ዝጐይዎ ዘለዉ ሰባት ትርእዮምዶ ኣሎኻ፧ ንሙሴ ክቐትልዎ ደልዮም ዘለዉ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ክንፈልጦ ንኽእል እንተድኣ ኴንና እስከ ንርአ።
ሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን እቲ ገዛኢ ናይ ግብጺ ኢዩ ዓብዩ። ጥበበኛን ንፉዕን ሰብ ድማ ኰነ። ሙሴ ግብጻዊ ከም ዘይኰነ: እቶም ናይ ሓቂ ወለዱ እስራኤላውያን ባሮት ከም ዝዀኑ ኸኣ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።
ሓደ መዓልቲ: ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ: ህዝቡ ከመይ ከም ዘለዉ ከይዱ ክርኢ ወሰነ። እስራኤላውያን ኣዝዮም ይጭቈኑ ነበሩ። ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እስራኤላዊ ባርያ ክወቕዖ ከሎ ርኣየ። ሙሴ ዋላ ሓደ ከም ዘይረኣዮ ምስ ፈለጠ: ነቲ ግብጻዊ ወቕዖ እሞ እቲ ግብጻዊ ኸኣ ሞተ። ሙሴ ድማ ነቲ ሬሳ ኣብቲ ሑጻ ሓብኦ።
ንጽብሒቱ ኸኣ ሙሴ ንህዝቡ ክርኢ እንደገና ከደ። ካብ ባርነቶም ንኸውጽኦም ክሕግዞም ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዖ። እንተዀነ ግን ክልተ እስራኤላውያን ሰብኡት ክባኣሱ ከለዉ ርኣየ: ስለዚ ሙሴ ነቲ ዝዓመጸ ከምዚ በሎ:- ‘ስለምንታይ ንሓውኻ ትወቕዖ፧’
እቲ ሰብኣይ ከኣ ‘ንዓኻ ገዛኢናን ፈራዲናን ዝገበረካ መን ኢዩ፧ ከምቲ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮ ንዓይ ከኣ ክትቀትለኒ ዲኻ ደሊኻ፧’ በሎ።
ሙሴ ፈርሀ። ሰባት ነቲ ግብጻዊ ዝቐተሎ ባዕሉ ምዃኑ ከም ዝፈለጡ ተረድአ። ፈርኦን እውን ብዛዕብኡ ሰምዐ: ንሙሴ ዝቐትሉ ሰባት ከኣ ለኣኸ። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ሙሴ ካብ ግብጺ ክሃድም ዝነበሮ።
ሙሴ ንግብጺ ምስ ሓደጋ: ኣርሒቑ ናብ ምድሪ ሚድያን ከደ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ስድራቤት የትሮ ተራኸበ: ንጺጶራ ሓንቲ ካብተን ኣዋልዱ ኸኣ ተመርዓዋ። ሙሴ ጓሳ ኰነ እሞ ንኣባጊዕ የትሮ ኸኣ ይሕሉ ነበረ። ን40 ዓመት ኣብ ምድሪ ሚድያን ተቐመጠ። ሕጂ ወዲ 80 ዓመት ኢዩ ኰይኑ። ብድሕርዚ ሓደ መዓልቲ: ሙሴ ንኣባጊዕ የትሮ እንዳሓለወ ከሎ: ሓደ ንብምሉኡ ህይወት ሙሴ ዝለወጠ ዘገርም ነገር ተፈጸመ። ነዛ ገጽ ገንጽላ እሞ: እቲ ዘገርም ነገር እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።