ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 29
  • ሙሴ ዝሃደመሉ ምኽንያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሙሴ ዝሃደመሉ ምኽንያት
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እታ እትነድድ ቈጥቋጥ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንእምነት ሙሴ ቕድሓያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 29

ዛንታ 29

ሙሴ ዝሃደመሉ ምኽንያት

ሙሴ ካብ ግብጺ ክሃድም ከሎ እሞ ርኣዮ። እቶም ዝጐይዎ ዘለዉ ሰባት ትርእዮምዶ ኣሎኻ፧ ንሙሴ ክቐትልዎ ደልዮም ዘለዉ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ክንፈልጦ ንኽእል እንተድኣ ኴንና እስከ ንርአ።

ሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን እቲ ገዛኢ ናይ ግብጺ ኢዩ ዓብዩ። ጥበበኛን ንፉዕን ሰብ ድማ ኰነ። ሙሴ ግብጻዊ ከም ዘይኰነ: እቶም ናይ ሓቂ ወለዱ እስራኤላውያን ባሮት ከም ዝዀኑ ኸኣ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።

ሓደ መዓልቲ: ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ: ህዝቡ ከመይ ከም ዘለዉ ከይዱ ክርኢ ወሰነ። እስራኤላውያን ኣዝዮም ይጭቈኑ ነበሩ። ሓደ ግብ​ጻዊ ንሓደ እስራኤላዊ ባርያ ክወቕዖ ከሎ ርኣየ። ሙሴ ዋላ ሓደ ከም ዘይረኣዮ ምስ ፈለጠ: ነቲ ግብ​ጻዊ ወቕዖ እሞ እቲ ግብጻዊ ኸኣ ሞተ። ሙሴ ድማ ነቲ ሬሳ ኣብቲ ሑጻ ሓብኦ።

ንጽብሒቱ ኸኣ ሙሴ ንህዝቡ ክርኢ እንደገና ከደ። ካብ ባርነቶም ንኸውጽኦም ክሕግዞም ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዖ። እንተዀነ ግን ክልተ እስራኤላውያን ሰብኡት ክባኣሱ ከለዉ ርኣየ: ስለዚ ሙሴ ነቲ ዝዓመጸ ከምዚ በሎ:⁠- ‘ስለምንታይ ንሓ​ውኻ ትወቕዖ፧’

እቲ ሰብኣይ ከኣ ‘ንዓኻ ገዛኢናን ፈራዲናን ዝገበረካ መን ኢዩ፧ ከምቲ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮ ንዓይ ከኣ ክትቀትለኒ ዲኻ ደሊኻ፧’ በሎ።

ሙሴ ፈርሀ። ሰባት ነቲ ግብጻዊ ዝቐተሎ ባዕሉ ምዃኑ ከም ዝፈለጡ ተረድአ። ፈርኦን እውን ብዛዕብኡ ሰምዐ: ንሙሴ ዝቐትሉ ሰባት ከኣ ለኣኸ። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ሙሴ ካብ ግብጺ ክሃድም ዝነበሮ።

ሙሴ ንግብጺ ምስ ሓደጋ: ኣርሒቑ ናብ ምድሪ ሚድያን ከደ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ስድራቤት የትሮ ተራኸበ: ንጺጶራ ሓንቲ ካብተን ኣዋልዱ ኸኣ ተመርዓዋ። ሙሴ ጓሳ ኰነ እሞ ንኣባጊዕ የትሮ ኸኣ ይሕሉ ነበረ። ን40 ዓመት ኣብ ምድሪ ሚድያን ተቐመጠ። ሕጂ ወዲ 80 ዓመት ኢዩ ኰይኑ። ብድሕርዚ ሓደ መዓልቲ: ሙሴ ንኣባጊዕ የትሮ እንዳሓለወ ከሎ: ሓደ ንብምሉኡ ህይወት ሙሴ ዝለወጠ ዘገርም ነገር ተፈጸመ። ነዛ ገጽ ገንጽላ እሞ: እቲ ዘገርም ነገር እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ዘጸኣት 2:⁠11⁠-​25፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠22⁠-​29

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ