ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 7/14 ገጽ 14-15
  • ሃይማኖት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሃይማኖት
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋ ስለምንታይ እየን፧
  • ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክትከውን ግድን ኣድላዪ ድዩ፧
  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትልለ ትኽእል ድያ፧
  • ከመይ ገይረ እየ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ዝኽእል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ኣባል ሓንቲ እተወደበት ሃይማኖት ክትከውን ኣድላዪ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 7/14 ገጽ 14-15
ኣብ ቅድሚ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ህንጻታት ደው ኢሉ ዘሎ ሰብኣይ ዜርኢ ስእሊ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ሃይማኖት

ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋ ስለምንታይ እየን፧

“ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም።”—ማርቆስ 7:8።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሰባት ብተፈጥሮኦም ‘መንፈሳዊ ህርፋን’ ኣለዎም። መንፈሳዊ ዕግበት ንኪረኽቡ ድማ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ኣለዎም። (ማቴዎስ 5:3) ደቂ ሰብ፡ መንፈሳዊ ህርፋኖም ንኼዕግቡ ኢሎም ኣብ ክንዲ ኣብ ሓሳባት ኣምላኽ፡ ኣብ ሓሳባት ሰባት እተመስረታ ሓያሎ ሃይማኖታት ፈጠሩ።

ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣባላት ሓንቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጕጅለ ሃይማኖት፡ “ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም እየ፣ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም፡ ጽድቂ ርእሶም እውን ኪስርቱ ብምድላዮም፡ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝእዋን” ከም ዝበለ ይገልጽ። (ሮሜ 10:2, 3) ሎሚ እውን፡ “ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ” ዚምህራ፡ ሓያሎ ሃይማኖታት ኣለዋ።—ማርቆስ 7:7።

ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክትከውን ግድን ኣድላዪ ድዩ፧

“ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ።”—እብራውያን 10:24, 25።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ እብራውያን 10:25፡ “ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዚብል ሓረግ ኣሎ። እዘን ቃላት እዚአን፡ ኣምላኽ ንሰባት ብጕጅለ ተወዲቦም ኬምልኽዎ ኸም ዚደልዮም ይሕብራ። ግናኸ፡ ኣምላኽ መን ምዃኑን ካብ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዚደልን ብዚምልከት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጕም ድዩ ኺህብ ዘለዎ፧ ኣይፋሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዚሰምሮ መገዲ ዜምልኽዎ ሰባት፡ ‘ሓደ ዘረባ ኺዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ድማ ኪሰምሩ’ ኸም ዘለዎም እዩ ዚገልጽ። (1 ቈረንቶስ 1:10) ብዘይካዚ፡ ብጉባኤታት ኪውደቡን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ‘ዅሎም ኣሕዋት ኬፍቅሩን’ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 2:17፣ 1 ቈረንቶስ 11:16) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድነትን ውዳበን እንተ ኣልዩ ጥራይ እዩ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ኣምልኾ ኪቐርብ ዚኽእል።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትልለ ትኽእል ድያ፧

“ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”—ዮሃንስ 13:35።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ብኸመይ ከነለልዮም ከም እንኽእል ብምሳሌ ይገልጽ እዩ። ከምዚ ይብል፦ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ፡ ካብ ተዀርባዶኸ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧” (ማቴዎስ 7:16) ንኦም በለስ ካብ ተዀርባ ንኽትፈልዮ ግድን ምሁር ስነ ኣትክልቲ ኽትከውን ኣየድልየካን እዩ። ብዛዕባ ሃይማኖት ሓቂ ኻብ ሓሶት ንኽትፈሊ እውን፡ ግድን ምሁር ስነ ሃይማኖት ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ገለ ኻብቲ ፍረ ወይ መለለዪ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት ካብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ትምህር እያ። (ዮሃንስ 4:24፣ 17:17) ኣብ ፍልስፍና ሰባት እተመርኰሰት ኣይኰነትን።

  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት ሰባት ንኣምላኽ፡ እንተላይ ነቲ “የሆዋ” ዚብል ስሙ ንኺፈልጥዎ ትሕግዞም እያ።—ዮሃንስ 17:3, 6።

  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ዘይኰናስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነት እያ እትምህር።—ማቴዎስ 10:7፣ 24:14።

  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ ኣባላታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸንጸባርቑ እያ እትምህር። (ዮሃንስ 13:35) ንሰባት ንዅሎም ዓሌታት ኬኽብሩ፡ ግዜኦምን ጥሪቶምን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኪጥቀሙሉ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣብ ዚግበር ውግእ ካብ ምክፋል ድማ ኪቝጠቡ እያ እትምህር።—ሚክያስ 4:1-4።

  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ ብልምዲ ዚግበር ጽምብል ወይ ወግዒ ዘይኰነትስ፡ መገዲ ህይወት እያ። ኣባላታ ንዚሰብክዎ ነገራት ይትግብርዎ እዮም።—ሮሜ 2:21፣ 1 ዮሃንስ 3:18።

እቶም ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንኣምላኽ ብዘረባኦምን ብግብሮምን ኬኽብርዎ ይጽዕሩ እዮም። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብምእካብ ንምንታይ ባዕልኻ ዘይተረጋግጽ፧

ኣብ ከባቢኻ፡ ኣኼባታት ዚግበረሉ ግዜ መዓስ ምዃኑን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም ዚርከብን ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ናብቲ www.pr418.com ዚብሃል ወብ ሳይት እቶ። ኣብ ትሕቲ ABOUT US > MEETINGS ዚብል ርአ።.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ