ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 8/14 ገጽ 12-13
  • ዊልያም ዊስተን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዊልያም ዊስተን
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዊስተን ዚኣምነሉ ዝነበረ ነገራት
  • “ካብ ውሩይ ምሁር ናብ ስጉጕ”
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2014
  • ብሓቂ ጆሰፈስ ድዩ ጽሒፍዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ቶማስ ኢምለን ተጻራፊ ወይስ ተጣባቒ ሓቂ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር—እንደገና እተቐልዐ ተስፋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 8/14 ገጽ 12-13
ዊልያም ዊስተን

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ዊልያም ዊስተን ዊልያም ዊስተን

ዊልያም ዊስተን ተመራማሪ ስነ ፍልጠትን ክኢላ ሕሳብን ቀሽን ውሩይ ደራስን እዩ ነይሩ፣ መሳርሕቲ እቲ እንግሊዛዊ ተመራማሪ ፊዚክስን ክኢላ ሕሳብን ዝነበረ ሰር ኣይዛክ ኒውተን እውን እዩ ነይሩ። ብ1702 ዊስተን ኣብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ንኒውተን ተኪኡ ፕሮፌሰር ሕሳብ ሉኬዥያን ኰነ። እዚ መዓርግ እዚ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን ልዑል ፍልጠት ንዘለዎም ሰባት ዚውሃብ እዩ።

ዊስተን ብፍላይ ብተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጽሑፋት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ናብ እንግሊዝኛ ብምትርጓሙ እዩ ዚፍለጥ። እቲ ዘ ዎርክስ ኦቭ ጆሰፈስ ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ንታሪኽ ኣይሁድን ነታ ቐዳሞት ክርስትያናት ዚነብሩላ ዝነበሩ ዓለምን ዚምልከት ብዙሕ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

ዊስተን ዚኣምነሉ ዝነበረ ነገራት

ዊስተን ኣዝዩ በሊሕ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት፡ ብፍላይ ግና ብዛዕባ ስነ ፍልጠትን ሃይማኖትን ኣጽኒዑ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ ልክዕ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ንድፍን ጽባቐን ስርዓትን ድማ፡ መለኮታዊ ነዳፊ ኸም ዘሎ ዚሕብር ምዃኑ ይኣምን ነበረ።

ብዘይካዚ፡ ዊስተን፡ ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ኣብ ብዙሕ ጨናፍር ኪገማምዓ ዝኸኣላ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ንመጽሓፍ ቅዱስ ሓዲጎም፡ ነቲ ብዋዕላ ቤተ ክርስትያንን በቶም ኣበው ቤተ ክርስትያን ዚብሃሉ ሰባትን ዝወጸ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ ትምህርትታትን ልምድታትን ስለ እተቐበልዎ ምዃኑ ይኣምን ነበረ።

ዊስተን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ምንጪ መንፈሳዊ ሓቂ ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ገሃነም እሳት ብዛዕባ ዚህሉ ዘለኣለማዊ ስቓይ ዚገልጽ ሓሳብ ነጸጎ። ንገሃነም እሳት ከም ትርጕም ዘይብሉን ጭካነ ዝመልኦን ተግባር ገይሩ ይርእዮ ነበረ፣ ንኣምላኽ ከም ምጽራፍ ገይሩ ድማ እዩ ዚቘጽሮ ነይሩ። ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብቐንዱ ዘበኣሶ ግና፡ ንስላሴ ምንጻጉ እዩ ነይሩ፣ እዚ ሰረተ እምነት እዚ፡ ኣምላኽ ነቶም ማዕረን ዘለኣለማውያንን ዚብሃሉ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዜጠቓልል ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። ኰይኑ ግና፡ ሰለስተ ዘይኰነስ፡ ሓደ ኣምላኽ ከም ዚዀኑ እዩ ዚሕሰብ።

“ካብ ውሩይ ምሁር ናብ ስጉጕ”

ዊስተን ብጥንቃቐ ምርምር ምስ ገበረ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ስላሴ ይምህሩ ኸም ዘይነበሩ፡ ግናኸ ጸኒሑ ኣረማዊ ፍልስፍና ናብ ክርስትና ምስ ሰለዀ እተኣታተወ ምዃኑ ደምደመ።a ንዊስተን ፈተውቱ፡ ነቲ ዝረኸቦ ፍልጠት ኬሕትሞ ሓደገኛ ምዃኑ እኳ እንተ ኣጠንቀቕዎ፡ ንሱ ግና ነቲ ንእንታይነት የሱስ ዚምልከት እተገንዘቦ ሓቂ፡ ማለት የሱስ ወዲ ኣምላኽን ፍጡርን ምዃኑ ንዚገልጽ ፍልጠት ዕሽሽ ኪብሎ ኸም ዘይክእል ገለጸ።

ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ንዝዀነ ይኹን ምስ ሰረተ እምነት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዚጋጮ ሓሳባት ዚምህር ሰብ ይእግድ ነበረ፣ ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ዊስተን መዓርጉ ኺስእን ይኽእል ነይሩ ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ በዚ ፈሪሁ ስቕ ኣይበለን፣ ካብቲ ንስላሴ ኸም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ፡ ርእይቶኡ ግና ብግህዶ ዘይገለጸ ኒውተን እተፈልየ እዩ ነይሩ። ዊስተን፡ “ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ድራኸታት . . . ኣየታልለንን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ዊስተን ንእምነቱ ምሕዳግ ስለ ዝኣበየ፡ “ካብ ውሩይ ምሁር ናብ ስጉጕ” ወረደ

ብ1710 ዊስተን ካብ ካምብሪጅ ተሰጕጐ። ንእምነቱ ምሕዳግ ስለ ዝኣበየ፡ “ካብ ውሩይ ምሁር ናብ ስጉጕ” ወረደ። በዚ ግና ፈጺሙ ኣይተዳህለን። መናፍቕ ከም ዝዀነ ጌርካ እኳ እንተ ተኸስሰ፡ ፕሪሚቲቭ ክሪስችያኒቲ ሪቫይቭድ (እንደገና እተበራበረ ጥንታዊ ክርስትና) ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቴማ ጸሓፈ፣ እታ “ጥንታዊ” እትብል ቃል፡ ነቲ ቐዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ክርስትና ተመልክት። ዊስተን ጸኒሑ፡ ጥንታዊ ክርስትና ኸም ዜስፋሕፍሕ ዚገብር ማሕበር መስረተ፣ ኣባላት እቲ ማሕበር ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዚርከብ ቤቱ ይእከቡ ነበሩ።

ዊስተን ነቲ ዝነበሮ መዓርግ ፕሮፌሰርነት እኳ እንተ ሰኣኖ፡ ንግዜኡ ድማ ገንዘባዊ ጸገም እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ለንደን ካብ ምስትምሃርን ካብ ምጽሓፍን ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ሰባት፡ ክርስትና ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብዛዕባ ዝነበረ ህይወት ብዝያዳ ምእንቲ ኺርድኦም፡ ዊስተን ብ1737 ንጽሑፋት ጆሰፈስ ተርጒሙ ኣሕተሞ። ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ብቐጻሊ ይሕተም ኣሎ።

ጄምስ ፎርስ ዝስሙ ደራሲ ኸም ዝገለጾ፡ ዊስተን ብምኽንያት እቲ ትብዓት ዝመልኦ ግናኸ ብሰባት ዘይፍቶ ዝነበረ መትከሉ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ከም “ስግንጢር” ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ገሊኦም ሰባት ግና፡ ሃይማኖታዊ ሓቂ ንምርካብ ካብ ልቡ ስለ ዝጸዓረን በቲ ዚኣምነሉ ነገራት ንኺመላለስ ስለ ዝቘረጸን፡ ከም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር መጠን የድንቕዎ እዮም።

a መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እንታይነት ኣምላኽ ብንጹር እዩ ዚገልጸልና። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ። ብእንግሊዝኛ ዚርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > BIBLE QUESTIONS ANSWERED ርአ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ዊልያም ዊስተን (1667-1752) ሓደ ኻብ ፈተውቲ ሰር ኣይዛክ ኒውተን እዩ ነይሩ። ዊስተንን ኒውተንን ብዙሕ ተመሳሳሊ ሃይማኖታዊ እምነት ነበሮም።

  • ንእተወሰነ እዋን፡ ኒውተን ንዊስተን ኣብ ስራሑ ሓጊዝዎ ነይሩ እዩ። ጸኒሑ ግና፡ ኒውተን ንዊስተን ኬርሕቖ ጀመረ።

  • ዊስተን፡ መናፍቕ ከም ዝዀነ ጌርካ እኳ እንተ ተኸስሰ፡ ከም ገበነኛ ግና ኣይተፈርደን።

  • “ሓደ ኻብቲ ዊስተን ዝነበሮ ዜደንቕ ባህርያት፡ ፍጹም ቅንዕናኡ እዩ።”—ኢንግሊሽ ቨርሽንስ ኦቭ ዘ ባይብል።

ደድሕሪ ብዙሓት ዘይሰዓበ ኣስተውዓሊ ሰብ

ዊልያም ዊስተን ዝተርጐሞ ጽሕፋት ፍላቭየስ ጆሰፈስ

“እቶም ብግዜ ዊስተን ዝነበሩ ሰባት፡ ንሱ ነቲ ዚኣምነሉ ስርዓት ኢሉ ሞያኡ መስዋእቲ ኺገብር ኣዝዩ ፍቓደኛ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ፣ ንሱ ድማ፡ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ንውልቃዊ ጥቕሞም ኢሎም ንዝዀነ ይኹን ዚኣምኑሉ ስርዓት መስዋእቲ ኺገብሩ ድሉዋት ምንባሮም ይፈልጥ ነበረ።”—ዊልያም ዊስተን—ኦነስት ኒውቶንያን።

“ዊስተን ንስነ ፍልጠታዊ ኽእለቱ፡ ብዛዕባ ሃይማኖታት ዓለም ምርምር ንምግባርን ንምስትንታንን ኣብ መደምደምታ ንምብጻሕን ተጠቕመሉ። እቲ ኣንጻር ስላሴን ብዛዕባ ጥንታዊ ክርስትናን ዝነበሮ እምነት፡ ካብ ጽዑቕ ምንባብን ምሕሳብን ዝመንጨወ እዩ ነይሩ።”—ዶክተር ሮበርት ብሩወን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ