ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር—እንደገና እተቐልዐ ተስፋ
“ኣታ ዳንኤል፡ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላት እዚኤን ዕጸወን፡ . . . ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፡ ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ።”—ዳን. 12:4።
1, 2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠሉ፧
ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብታ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ከም ዘለዎ ብንጹር ይርድኡ እዮም። (ራእ. 7:9, 17) ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ሰብ ንሒደት ዓመታት ብህይወት ጸኒሑ ኺመውት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ኪነብር ከም እተፈጥረ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 1:26-28።
2 እስራኤላውያን፡ ደቂ ሰብ ናብቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ፍጽምና ኸም ዚምለሱ ተስፋ ይገብሩ ነበሩ። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ከኣ፡ ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩ ኣምላኽ ብዛዕባ እተጠቕመሉ መገድታት ይገልጽ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ ተስፋ ደቂ ሰብ እንደገና ኪቕላዕ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧ እንደገና እተቐልዐን ሚልዮናት ከም ዚፈልጥዎ እተገብረን ብኸመይ እዩ፧
እተሰወረ ተስፋ
3. እቲ ደቂ ሰብ ዘለዎም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እንተ ተሰወረ ዜገርም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
3 የሱስ፡ ሓሰውቲ ነብያት ንትምህርታቱ ኸም ዚጠዋውይዎ፡ ብሰሪ እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ከም ዚስሕቱ ተነብዩ ነበረ። (ማቴ. 24:11) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንክርስትያናት፡ “ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (2 ጴጥ. 2:1) ብዘይካዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “[ሰባት] ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ” ምዃኑ ገለጸ። (2 ጢሞ. 4:3, 4) ሰይጣን ንሰባት የስሕቶም እዩ ዘሎ፣ ነቲ ኣምላኽ ንሰባትን ንምድርን ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ ዚገልጽ ባህ ዜብል ሓቂ ኸም ዚስወር ንምግባር ከኣ ንናይ ክሕደት ክርስትና ተጠቕመ።—2 ቈረንቶስ 4:3, 4 ኣንብብ።
4. ከሓድቲ መራሕቲ ሃይማኖት ነየናይ ተስፋ ደቂ ሰብ እዮም ነጺጎምዎ፧
4 መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ እትርከብ ንዅሉ ግዝኣት ሰባት እተጥፍእ መንግስቲ ምዃና ቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (ዳን. 2:44) ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ፡ ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ኪእሰር፡ ምዉታት ኪትንስኡ፡ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ምድሪ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። (ራእ. 20:1-3, 6, 12፣ 21:1-4) ኰይኑ ግን፡ እቶም ከሓድቲ መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ-ክርስትያን፡ ካልእ ትምህርቲ እዮም ዚምህሩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ኦሪጀን ብዓል እስክንድርያ ዚበሃል ኣበው ቤተ-ክርስትያን፡ ነቶም ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዚርከብ በረኸት ዚኣምኑ ሰባት ኰነኖም። ዘ ካቶሊክ ኢንሳክሎፔድያ ብዛዕባ እቲ ኦገስቲን ብዓል ሂፖ (354-430 ድ.ክ.) ዚበሃል ናይ ሮማ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር ክትገልጽ ከላ፡ “ነቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ የለን ዚብል እምነት ይድግፍ ነበረ” በለት።a
5, 6. ኦሪጀንን ኦገስቲንን ንሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ እተጻረርዎ ስለምንታይ እዮም፧
5 ኦሪጀንን ኦገስቲንን ንሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ እተጻረርዎ ስለምንታይ እዮም፧ ኦሪጀን ተመሃራይ ናይቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ንዚገልጽ ያታ ግሪኽ እተለቅሐ ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ቨርነር ያገ ዝስሙ ናይ ሃይማኖት ምሁር፡ ኦሪጀን በቲ ፕላቶ ብዛዕባ ነፍሲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣዝዩ ተጸልዩ ነበረ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ “ነቲ ኻብ ፕላቶ ዝወሰዶ ሰፊሕ ዝዀነ ብዛዕባ ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ ናብ ሰረተ-እምነት ክርስትና ኣእተዎ።” ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዚህሉ በረኸት፡ ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማይ ከም ዚርከብ ገይሩ ይምህር ነበረ።
6 ኦገስቲን ኣብ መበል 33 ዕድሚኡ ናብ “ክርስትና” ቕድሚ ምልዋጡ፡ ሰዓቢ ኒዮፕላቶን ኰነ። እዚ ፍልስፍና እዚ፡ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ ዀይኑ፡ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ብፕሎታይነስ ዝጀመረ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ናብ “ክርስትና” ድሕሪ ምልዋጡ እውን ከይተረፈ፡ ኣተሓሳስባኡ ኣይቀየረን። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባ ኦገስቲን፡ “እምነት ሓድሽ ኪዳን ምስቲ ኣብ ፍልስፍና ግሪኽ ዘሎ ናይ ፕላቶ ልምዲ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚተሓዋወስ ኣብ ምግባር ዓብዪ ግደ ነበሮ” በለት። ብመሰረት እቲ ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ኦገስቲን ዝገለጸቶ፡ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 20 ተገሊጹ ዘሎ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ፡ “ምሳልያዊ ዛንታ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ይኣምን ነበረ። እታ መጽሓፍ ወሲኻ፡ “እዚ መግለጺ . . . በቶም ስዒቦም ዝመጹ ምዕራባውያን ናይ ሃይማኖት ምሁራት ተቐባልነት ረኸበ፣ እቲ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዝነበረ እምነት ከኣ ተቐባልነት ሰኣነ” ኢላ ገለጸት።
7. ኣየናይ ናይ ሓሶት እምነት እዩ ነቲ ደቂ ሰብ ዝነበሮም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘዳኸሞ፧ ብኸመይከ፧
7 ደቂ ሰብ ዝነበሮም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ፡ በቲ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ኣስፋሕፊሑ ዝነበረን ኣብ መላእ ዓለም እተዘርግሐን ኣተሓሳስባ ተዳኸመ፣ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ሰብ ኣብ ውሽጡ እትነብር ዘይትመውት ነፍሲ ወይ መንፈስ ኣላቶ ዚብል እዩ። ህዝበ-ክርስትና ነዚ ምስ ተቐበለቶ፡ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ ሰማያዊ ተስፋ ዚገልጽ ጥቕስታት ብምጥዋይ፡ ቅኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ኺምህሩ ጀመሩ። ብመሰረት እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ምድሪ ዜሕልፎ ህይወት፡ ኣብ ሰማይ ኪነብር ድዩ ኣይነብርን ንምፍታን ዚሕግዝ ግዜያዊ ህይወት እዩ። ነቲ ኣይሁድ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ዝነበሮም ተስፋ እውን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጠሞ። ኣይሁድ ነቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ኣረኣእያ ግሪኻውያን ምስ ተቐበልዎ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ዝነበሮም ናይ መጀመርታ ተስፋ ሃሰሰ። እዝስ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብ ዚገልጸሉ መገዲ ኽሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! ሰብ ስጋዊ እምበር፡ መንፈሳዊ ፍጥረት ኣይኰነን። የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ፡ “መሬት ኢኻ” በሎ። (ዘፍ. 3:19) ሰብ ንዘለኣለም ዚነብር ኣብ ሰማይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ እዩ።—መዝሙር 104:5፣ 115:16 ኣንብብ።
ሓቂ እናበርሀት ከደት
8. ገሊኦም ብ1600ታት ዝነበሩ ምሁራት ብዛዕባ ተስፋ ደቂ ሰብ እንታይ ገለጹ፧
8 መብዛሕትአን ክርስትያናት ኢና ዚብላ ሃይማኖታት፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እኳ እንተ ነጸጋኦ፡ ሰይጣን ግን ነታ ሓቂ ኣብ ምስዋር ኵሉ ሳዕ ኣይሰልጦን እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ሒደት ዝቝጽሮም ጥንቁቓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ንደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኸም ዜብጽሖም እተወሰነ ነገር ምስ ተረድኦም፡ ሓቂ እናበርሃትሎም ከደት። (መዝ. 97:11፣ ማቴ. 7:13, 14፣ 13:37-39) ብ1600ታት ሳላ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስን ሕትመትን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብሰፊሑ ኺዝርጋሕ ጀመረ። ብ1651 ዝነበረ ሓደ ምሁር ከም ዝጸሓፎ፡ ሰብ ብምኽንያት ኣዳም “ገነትን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ስኢኑ” እኳ እንተ ዀነ፡ ብክርስቶስ ግን “ኵሉ ሰብ ኣብ ምድሪ ኺነብር እዩ፣ ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ምንጽጻር ቅኑዕ ኣይከውንን እዩ።” (1 ቈረንቶስ 15:21, 22 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቶም ኣብ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ስሙይ ገጣሚ ዝነበረ ጆን ሚልተን (1608-1674)፡ ነታ ፓራዳይዝ ሎስት (ዝጠፍአት ገነት) ዘርእስታ መጽሓፍ ከምኡውን ነታ መቐጸልታኣ ዝዀነት ፓራዳይዝ ሪገይንድ (እተመልሰት ገነት) ጸሓፈ። ኣብዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን፡ ነቲ እሙናት ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት ዚረኽብዎ ዓስቢ ጠቐሰ። ዋላኳ ምሉእ ህይወቱ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣሕለፎ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኽሳዕ ህላወ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ንጹር ከም ዘይከውን ይፈልጥ ነበረ።
9, 10. (ሀ) ኣይዛክ ኒውተን ብዛዕባ ተስፋ ደቂ ሰብ እንታይ ኢሉ ጸሓፈ፧ (ለ) ኒውተን፡ ህላወ ክርስቶስ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከም ዚጅምር ገይሩ ዚሓስብ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
9 እቲ ሰር ኣይዛክ ኒውተን (1642-1727) ዝስሙ ህቡብ ናይ ሕሳብ ክኢላ እውን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ተገዳስነት ነበሮ። እቶም ቅዱሳት ሰማያዊ ህይወት ከም ዚረኽቡን ምስ ክርስቶስ ከም ዚገዝኡን ይፈልጥ ነበረ። (ራእ. 5:9, 10) ብዛዕባ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ፡ “ድሕሪ መዓልቲ ፍርዲ፡ እቶም መወትቲ ን1000 ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ኣብዛ ምድሪ ኺነብሩ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።
10 ኒውተን፡ ህላወ ክርስቶስ ድሕሪ ዘመናት ከም ዚጅምር ገይሩ ይሓስብ ነበረ። ስቲቨን ስኖብለን ዝስሙ ጸሓፊ ታሪኽ፡ “ኒውተን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ብዙሕ እዋናት ከም እትመጽእ ገይሩ ዚሓስበሉ ዝነበረ ሓደ ምኽንያት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዚርእዮ ዝነበረ ንስላሴ ዚምልከት ዓሚቝ ኽሕደት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ እዩ” በለ። እቲ ብስራት ገና ተሰዊሩ ነበረ። ኒውተን ከኣ ነዚ ብስራት እዚ ዚሰብኽ ክርስትያናዊ ምንቅስቓስ ኪግበር ኣይረኣየን። “እቲ ዳንኤልን ዮሃንስን እተነበይዎ ትንቢታት—ዮሃንስ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተነበዮ ማለት እዩ—ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ኺፍለጥ ኣይነበሮን” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። ወሲኹ እውን ከምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “ዳንኤል ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ‘ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፡ ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ’ በለ። ቅድሚ ብርቱዕ ጸበባ ምጅማሩን መወዳእታ እዛ ዓለም ምምጻኡን፡ እቲ ወንጌል ኪስበኽ ኣለዎ። እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝደሓኑ፡ ጨናፍር ስየ ኸኣ ኣብ ኣእዳዎም ዝሓዙ ብዙሓት ሰብ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምምጻኡ እቲ ወንጌል ኪስበኽ ኣለዎ።”—ዳን. 12:4፣ ማቴ. 24:14፣ ራእ. 7:9, 10።
11. ኣብ ግዜ ሚልተንን ኒውተንን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ተስፋ ደቂ ሰብ እተሰወሮም ስለምንታይ እዩ፧
11 ብግዜ ሚልተንን ኒውተንን ምስቲ እታ ቤተ-ክርስትያን እትስዕቦ ወግዓዊ ሰረተ-እምነት ዚጋጮ ሓሳብ ምግላጽ፡ ሓደገኛ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓያሎ ጽሑፋቶም ክሳዕ ዚሞቱ ኣይተሓትመን። እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን እተገብረ ተሓድሶ፡ ነቲ ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ዚገልጽ ትምህርቲ ኣይለወጦን፣ እተን ጽልዋ ዝነበረን ኣብያተ-ክርስትያን ፕሮተስታንት ከኣ ንኣረኣእያ ኦገስቲን ብምስዓብ፡ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ከም ዝሓለፈ ይምህራ ነበራ። እሞኸ ኣብ ዘመን መወዳእታ ፍልጠት እናወሰኸ ኸይዱዶ፧
“ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ”
12. ናይ ሓቂ ፍልጠት እናወሰኸ ዝኸደ መዓስ እዩ፧
12 ዳንኤል ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ኣወንታዊ ምዕባለታት ከም ዚርአ ተነብዩ ነበረ። (ዳንኤል 12:3, 4, 9, 10 ኣንብብ።) የሱስ እውን፡ “ሽዑ ጻድቃን . . . ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም” በለ። (ማቴ. 13:43) ኣብዚ ዘመን መወዳእታ ናይ ሓቂ ፍልጠት እናወሰኸ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧ ቅድሚ እታ ዘመን መወዳእታ ዝጀመረላ 1914 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ብዛዕባ ዘጋጠመ ታሪኻዊ ምዕባለታት እስከ ንርአ።
13. ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ ደቂ ሰብ ናብቲ ኣዳም ዝነበሮ ፍጽምና ብዛዕባ ዚምለሱሉ መገዲ መጽናዕቲ ምስ ገበረ እንታይ ኢሉ ጸሓፈ፧
13 ኣብ መወዳእታ 1800ታት፡ ብዙሓት ቅኑዓት ውልቀ-ሰባት፡ ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ ንኺርድኡ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። (2 ጢሞ. 1:13) ሓደ ኻብዚኣቶም ቻርለስ ቴዝ ራስል እዩ ነይሩ። ብ1870 ንሱን ሒደት ካልኦት ደለይቲ ሓቅን ብሓደ ዀይኖም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ጀመሩ። ብ1872 ደቂ ሰብ ናብቲ ኣዳም ዝነበሮ ፍጽምና ብዛዕባ ዚምለሱሉ መገዲ መጽናዕቲ ገበሩ። ጸኒሑ ራስል፡ “ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እታ ሕጂ እትፍተን ዘላ ቤተ-ክርስትያንን እቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ እሙናት ሰባትን ዚረኽብዎ ዓስቢ ዝነበረ ዓብዪ ፍልልይ ኣይተረዳእናዮን ኔርና” ኢሉ ጸሓፈ። እቶም እሙናት ሰባት ዚረኽብዎ ዓስቢ፡ ‘ነቲ ሓደ እዋን፡ እቲ ኣቦን ርእስን ዝነበረ ኣዳም ኣብ ኤድን ዝነበሮ ፍጽምና እንደገና ምርካብ ኪኸውን እዩ።’ ራስል፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ከሎ፡ ካልኦት ሰባት ከም ዝሓገዝዎ ኣፍልጦ ሃበ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እንመን እዮም ነይሮም፧
14. (ሀ) ሄንሪ ዳን ንግብሪ ሃዋርያት 3:21 ብኸመይ ይርድኣ ነበረ፧ (ለ) ዳን ኣብ ምድሪ ዚነብሩ መን ምዃኖም እዩ ዝገለጸ፧
14 ሄንሪ ዳን ሓደ ኻብኦም እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ “ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኵሉ” ድማ ጸሓፈ። (ግብ. 3:21) እዚ ምቕናዕ እዚ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ናብ ፍጽምና ዚበጽሑሉ እዋን ዜጠቓልል ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ነቲ ንብዙሓት ሰባት ዜተሓሳስቦም ዝነበረ፡ ‘ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ መን እዮም፧’ ዚብል ሕቶ እውን ምርምር ገይሩሉ እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዚትንስኡን ነቲ ሓቂ ኸም ዚመሃሩን ኣብ ክርስቶስ እምነት ንኼሕድሩ ኣጋጣሚ ኸም ዚወሃቦምን ድማ ገለጸ።
15. ጆርጅ ስቶርዝ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ምርዳእ ነበሮ፧
15 ብ1870 ጆርጅ ስቶርዝ፡ ሓጥኣን ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺወሃቦም፡ ካብ ሞት ኪትንስኡ እዮም ኣብ ዚብል መደምደምታ በጽሐ። እቲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምላሽ ዘይህበሉ ኻብ ሞት ዝተንስአ ሰብ ግን፡ “‘ዋላ እውን ሚእቲ ዓመት ይግበር፡’ ሞት ከም ዚመውት” ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተረድአ። (ኢሳ. 65:20) ነታ ባይብል ኤግዛማይነር እትበሃል መጽሔት እናኣሰናድአ ድማ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ይነብር ነበረ።
16. ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ህዝበ-ክርስትያን እተፈለዩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
16 ራስል፡ እቲ ብስራት ብሰፊሑ ዚስበኸሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተረድአ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብ1879 ነዛ ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ እትበሃል ዘላ ዛዮንስ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ ዘርእስታ መጽሔት ኬሕትም ጀመረ። ቅድሚኡ፡ ነታ ብዛዕባ ተስፋ ደቂ ሰብ እትገልጽ ሓቂ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ዚርድእዋ ነይሮም፣ ሽዑ ግን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚነብሩ ጕጅለታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንግምቢ ዘብዐኛ ተቐቢሎም ኬጽንዕዋ ጀመሩ። እቲ ሒደት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኸኣ ኣብ ምድሪ ፍጹም ህይወት ከም ዚወሃቦም ዚገልጽ እምነት፡ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መብዛሕትአን ህዝበ-ክርስትያን ከም ዚፍለዩ ገይርዎም እዩ።
17. ናይ ሓቂ ፍልጠት እናወሰኸ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧
17 እቲ ብትንቢት እተነግረሉ “ዘመን መወዳእታ” ብ1914 ጀመረ። እሞኸ እቲ ብዛዕባ ተስፋ ደቂ ሰብ ዚገልጽ ናይ ሓቂ ፍልጠት እናወሰኸዶ ኸይዱ፧ (ዳን. 12:4) ብ1913 እቲ ራስል ዜቕርቦ ዝነበረ ስብከታት፡ ኣብ 2,000 ጋዜጣታት ይሕተም ነበረ፣ 15,000,000 ዚዀኑ ሰባት ከኣ የንብብዎ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ 1914 ኣብ ሰለስት ክፍለ-ዓለማት ዚነብሩ ልዕሊ 9,000,000 ዚዀኑ ሰባት፡ ነታ ፊልምን ስላይድን ዘለዋ ብዛዕባ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ እትገልጽ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ረኣይዋ። ካብ 1918 ክሳዕ 1925 ድማ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ነታ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” እትብል ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብዛዕባ ናይ ምንባር ተስፋ እትገልጽ መደረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብልዕሊ 30 ቋንቋታት ኣቕረብዋ። ብ1934 እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ሰባት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ተረድኡ። እዚ ምርዳእ እዚ ኸኣ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩ ዜኽእሎም ቅንኣት ከም ዚህልዎም ገበረ። ሎሚ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ንልቢ ሚልዮናት ሰባት ብሞሳ ኸም ዚምላእ ይገብሮ ኣሎ።
“ሓርነት ክብሪ” ኺመጽእ እዩ
18, 19. ኣብ ኢሳይያስ 65:21-25 ከመይ ዝበለ ህይወት እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧
18 ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ተደሪኹ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዚረኽብዎ ህይወት ጸሓፈ። (ኢሳይያስ 65:21-25 ኣንብብ።) ቅድሚ 2,700 ዓመት ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪጽሕፈን ከሎ ዝነበረ ገሊኡ ኣእዋም፡ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ። ንኽንድዚ ዓመት ድልዱል ኴንካን ጽቡቕ ጥዕና ሃልዩካን ክትነብር ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ምኸኣልካዶ፧
19 ተወሊድካ ሙማት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምህናጽን ንምትካልን ንምምሃርን ዚኸውን እኹል ግዜ ኺህሉ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኽትምስርቶ እትኽእል ዕርክነት እውን እሞ ሕስብ ኣብል። እዚ ፍቕራዊ ርክብ እዚ ኸኣ በብግዜኡ ዚዓቢ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ደቂ ኣምላኽ” ከመይ ዝበለ “ሓርነት ክብሪ” ዀን እዮም ኪረኽቡ!—ሮሜ 8:21።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኦገስቲን፡ ሽሓዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ዘይኰነስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስ ተመስረተት ከም ዝጀመረ እዩ ዚኣምን ነይሩ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
• እቲ ደቂ ሰብ ዝነበሮም ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ እተሰወረ ብኸመይ እዩ፧
• ብ1600ታት ገሊኦም ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ምርዳእ እዮም ረኺቦም፧
• 1914 እናቐረበት ኣብ ዝመጸትሉ እዋን፡ ናይ ሓቂ ተስፋ ደቂ ሰብ እናነጸረ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧
• እቲ ብዛዕባ ምድራዊ ተስፋ ዚገልጽ ፍልጠት እናወሰኸ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ገጣሚ ዝነበረ ጆን ሚልተን (ጸጋም) ኰነ እቲ ናይ ሕሳብ ክኢላ ዝነበረ ኣይዛክ ኒውተን (የማን) ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ይፈልጡ ነበሩ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተስፋ ደቂ ሰብ ኣብ መላእ ዓለም ዚእወጀሉ እዋን ከም ዝበጽሐ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተረድኡ