ኣፖካሊፕስ—ክፍራህ ድዩ ዘለዎ ወይስ ተስፋ ክግበሮ፧
“ኣብዚ እዋን እዚ ኣፖካሊፕስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መግለጺ ጥራይ ዘይኰነስ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ሓቂ ነገር ኰይኑ ኣሎ።”—ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ሃቭየ ፔረዝ ዴ ኳየር
እዚ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝዀነ ሰብ ነታ “ኣፖካሊፕስ” እትብል ቃል በዚ ኣገባብ እዚ ምጥቃሙ መብዛሕትኦም ሰባት ነታ ቃል ብኸመይ ከም ዝርድእዋ: ኣብ ናይ ፊልምን መጻሕፍትን ኣርእስትታት: ኣብ ናይ መጽሔት ዓንቀጻት: ከምኡውን ኣብ ናይ ጋዜጣ ጸብጻባት ብኸመይ ኣትያ ከም ዝርእይዋ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ሓደ ዓለምለኻዊ ህልቂት ከም ዝህሉ ኢያ እተስምዕ። እንተዀነ ግን: እታ “ኣፖካሊፕስ” እትብል ቃል ብሓቂ እንታይ ማለት ኢያ፧ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸኣ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኣፖካሊፕስ ወይ ራእይ እትበሃል መጽሓፍ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ፧
እታ “ኣፖካሊፕስ” እትብል ቃል ካብቲ “ምግላጽ” ወይ “ምቕላዕ” ዝትርጕሙ ናይ ግሪኽ ስያመ ዝመጸት ኢያ። ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ራእይ ተገሊጹ ወይ ተቐሊዑ ዘሎ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ደሓንቲ ዘይርከብዎ ጥፍኣት ወይ ህልቂት ክህሉ ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ጥራይ ድዩ፧ ጸሓፍ ታሪኽ ዠን ዴሉማ: ኣባል ናይቲ ኢንስቲትዩት ደ ፍራንስ ዝባሃል ትካል: ብዛዕባ ኣፖካሊፕስ እንታይ ሓሳብ ከም ዘለዎ ምስ ተሓተ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ምጽንናዕን ተስፋን ሒዛ ዘላ መጽሓፍ ኢያ። ሰባት ኣብቲ ሒዛቶ ዘላ ብዛዕባ ጥፍኣት ዝገልጽ ጸብጻብ ጥራይ ብምትኳር ኣጋኒኖም ኣቕሪቦምዋ ኢዮም።”
ናይ መጀመርታ ቤተ-ክርስትያንን ኣፖካሊፕስን
እቶም ቀዳሞት “ክርስትያናት” ብዛዕባ መጽሓፍ ኣፖካሊፕስን ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝገብሮ ናይ ሽሕ ዓመት (ሽሓዊ) ግዝኣት ዝገልጽ ሒዛቶ ዘላ ተስፋን እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቶም ኣብተን ናይ መጀመርታ ክፍለ-ዘበናት ዝነበሩ ክርስትያናት ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ሽሓዊ ግዝኣት ዝብል እምነት ዝነበሮም ኰይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ። . . . ካብ መንጎ እቶም ኣብ መጀመርታ ክፍለ-ዘበናት ኣብ ሽሓዊ [ግዝኣት] ዝኣምኑ ዝነበሩ ክርስትያናት እቲ ኣብ ንእሽቶ እስያ ናይ ሂራጶሊስ ጳጳስ ዝነበረ ፓፒያስ: . . . ኣብ ጳለስጢና ተወሊዱ ኣብ ሮሜ ኣብ ከባቢ 165 ሰማእት ኰይኑ ዝሞተ ቅዱስ ጁስቲን: ብ202 ዝሞተ ናይ ሊዮንስ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ኢራንዩስ: ብ222 ዝሞተ ተርቱልያን: ከምኡውን . . . ላክታንቲስ እቲ ውሩይ ጸሓፊ ይርከብዎም።”
ብዛዕባ እቲ ኣብ ጴርጋሞስ ብ161 ወይ ብ165 ከ.ኣ.ዘ. ሰማእት ኰይኑ ዝሞተ ፓፒያስ: ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ናይ ሂራጶሊስ ጳጳስ ዝነበረ ፓፒያስ: ሰዓብ ቅዱስ ዮሃንስ: ተጣባቒ ናይ ሽሓዊ ግዝኣት ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ሰረተ-እምነት ካብቶም ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዝነበሩ ሰባት እተቐበሎ ምዃኑ ይዛረብ: ከምኡውን ኢራንዩስ ንኻልኦት ‘ፕረስባይተሪ’ ዝበሃሉ ንወደ መዝሙር ዮሃንስ ዝረኣይዎን ክዛረብ ከሎ ዝሰምዕዎን ሰባት ኣብ ሽሓዊ ዓመት ምእማን ክፍሊ ናይ ጐይታ ሰረተ-እምነት ከም ዝዀነ ገይሩ ከም ዝማሃሮም ይገልጽ። ብመሰረት እቲ ዩሲቤስ ዝበሎ . . . ፓፒያስ ኣብ መጽሓፉ ደድሕሪ ትንሳኤ ምዉታት ዝርአን ክብሪ ዘለዎን ናይ ሽሕ ዓመት ምድራዊ ግዝኣት ክርስቶስ ክህሉ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።”
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ: መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ ወይ ራእይ ኣብቶም ቀዳሞት ኣመንቲ ከመይ ዝበለ ጽልዋ ከም ዝነበራ ኢዩ ዝሕብረና፧ እዚ ዘፍርህ ድዩ ወይስ ተስፋ ዝህብ፧ እቲ ዘገርም ጸሓፍቲ ታሪኽ ነቶም ናይ ቅድም ክርስትያናት ካብተን ክሂ ʹሊ·ያ ኤ ʹተ (ሽሕ ዓመት) ዝብላ ናይ ግሪኽ ቃላት ብምውሳድ ኪልያስትስ ኢሎም ይጽውዕዎም ነበሩ። እወ: መብዛሕትኦም ኣብቲ ኣብ ምድሪ ገነታዊ ኵነታት ከም ዝህሉ ዝገብር ናይ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እምነት ከም ዝነበሮም ኢዮም ዝፍለጡ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተስፋ ሽሓዊ ግዝኣት ተጠቒስሉ እንረኽቦ እንኮ ቦታ ኣብ መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ ወይ ራእይ ጥራይ ኢዩ። (20:1-7) ስለዚ ኸኣ ኣፖካሊፕስ ነቶም ኣመንቲ ኣብ ክንዲ እተፍርሆም ድንቂ ዝዀነ ተስፋ ከም ዝሕዙ ኢያ ገይራቶም። እቲ ኣብ ኦክስፎርድ ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ዘጽንዕ ሰሲል ካዱ ዝበሃል ፕሮፌሰር ኣብታ ዘ ኤርሊ ቸርች ኤንድ ዘ ዎርልድ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ኣረኣእያ ናይቶም ኪልያስቲክ ዋላ እኳ ጸኒሑ እንተ ተነጽገ: ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ተቐባልነት ነይርዎ ኢዩ: ገለ ካብቶም ኣዝዮም ውሩያት ዝዀኑ ደረስቲ ኸኣ ብዛዕብኡ ይምህሩ ነበሩ።”
እቲ ኣብ ኣፖካሊፕስ ዘሎ ተስፋ እተነጽገሉ ምኽንያት
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: አረ መብዛሕትኦም እውን ክብሃል ይከኣል: ክርስቶስ ኣብ ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ ንሽሕ ዓመት ክገዝእ ተስፋ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ዘይከሓድ ታሪኻዊ ሓቂ ክነሱ: ‘ኣረኣእያ ናይቶም ኪልያስቲክ ጸኒሑ እተነጸገ’ ስለምንታይ ኢዩ፧ ከምቲ ሮበርት ማውንስ እተባህለ ምሁር ሓቢርዎ ዘሎ “ብዙሓት ኪልያስትስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ኵሉ ዓይነት ናይ ፍቕረ-ንዋይን ስምዒትን ሕሉፍ ዝዀነ ነገራት ክህሉ ኢዩ ዝብል ቀይዲ-በተኽ ሓሳብ ብምሕዳሮም” ገለ ተቐባልነት ዘለዎ ነቐፌታ ክህሉ ክኢሉ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሉፍ ዝዀነ ኣረኣእያታት ነቲ ናይ ሽሕ ዓመት ተስፋ ከይነጸግካ ክዕረ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።
እቲ ብሓቂ ዘገርም ግን እቲ ነዚ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ዝብል ኣተሓሳስባ ንምጥፋእ እቶም ተጻረርቲ እተጠቕምሉ ኣገባብ ኢዩ። እታ ዲክሲዮኔር ደ ቴኦሎዢ ካቶሊክ እትበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ (ኣብ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን: መጀመርታ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን) ናይ ሮማ ቀሺ ዝነበረ ካዩስ “ነቶም ሽሓውያን ንምስዓር: ብዘይምውልዋል ንሓቅነት ኣፖካሊፕስ [ራእይ] ከምኡውን ንወንጌል ቅዱስ ዮሃንስ ምኽሓዱ” ትገልጽ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ወሲኻ እቲ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ናይ ኣሌክሳንድርያ ጳጳስ ዝነበረ ዲዮኒሰስ ኣንጻር እቶም ሽሓውያን ውዕል ከም ዝገበረ: “ነቶም ንእምነቶም ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፖካሊፕስ መሰረት ብምግባር ነዚ ኣረኣእያ እዚ ዝሕዙ ንምዕጋት ንሓቅነት [ኣፖካሊፕስ] ኣብ ምኽሓድ ድሕር ከም ዘይበለ” ትገልጽ። ነቲ ኣብ ምድሪ ዝህሉ ናይ ሽሕ ዓመት በረኸት ከምዚ ዝበለ እኩይ ምጽራር ካብ ኣጋጠሞ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ቀስ እናበለ ዝልሑዅ ጽልዋ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ።
ፕሮፌሰር ኖርማን ኮሀን ኣብታ ዘ ፐርስውት ኦቭ ዘ ሚለንዩም እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እቲ ካብቶም ኣብ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ዝያዳ ጽልዋ ዝነበሮ ኦሪጀን መንግስቲ ኣምላኽ ሓደ ግዜ ክትቀውም ዘለዋ መንግስቲ ዘይኰነትስ ኣብ ኣልባብ ወይ ነፍሳት እቶም ኣመንቲ ዝርአ ፍጻመ ከም ዝዀነት ገይሩ ክምህር ኣብ ዝጀመረሉ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን እቲ ናይ መጀመርታ ምኽሓድ እምነት ሽሓዊ ዓመት ተቐልቀለ።” ኦሪጀን ኣብ ክንዲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ብምምርኳስ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ ዘደንቕ ተስፋ በቲ ክትርድኦ ዘይትኽእል ‘ኣብ ነፍሳት እቶም ኣመንቲ ዝርአ ፍጻመ’ ዝብል ኣምር ተክኦ። ናይ ካቶሊክ ደራሲ ልዮ ግሬ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብቲ እዋን እቲ ዓብላሊ ጽልዋ ዝነበሮ ፍልስፍና ግሪኽ . . . ቀስ እናበለ ነቲ ናይ ኪልያስት ሓሳባት ከም ዝወድቕ ገበሮ።”
“እታ ቤተ-ክርስትያን ዝነበራ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣጥፊኣ”
ኣጉስቲን ንፍልስፍና ግሪኽ ምስቲ ኣብ ግዜኡ መልክዕ ጥራይ ዝነበሮ ክርስትና ከም ዝተሓናፈጽ ዝገበረ ቀንዲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣበው ምንባሩ ዋላ ሓንቲ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ቀንዲ ደጋፊ ናይ ሽሓዊ ግዝኣት እኳ እንተነበረ: ደሓር ግን ነቲ ክርስቶስ ኣብ መጻኢ ግዜ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንሽሕ ዓመት ክገዝእ ኢዩ ዝብል ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ነጸጎ። ነቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 20 ዘሎ ጸብጻብ እተዛብዐ መንፈሳዊ ትርጕም ሃቦ።
ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ኣጉስቲን ኣብ መወዳእትኡ ሽሓዊ ዓመት ዝበሃል ነገር የለን ዝብል እምነት ሓዘ። . . . እቲ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ [ራእይ 20] ተገሊጹ ዘሎ ናይ መጀመርታ ትንሳኤ ነቲ ብጥምቀት ኣቢሉ ዝግበር መንፈሳዊ እንደገና ምውላድ ኢዩ ዘመልክት: ድሕሪ እቲ ናይ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ታሪኽ ዝህሉ ናይ ሽሕ ዓመት ሰንበት ከኣ ንብምሉእ እቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ ዘመልክት ብምባል ገለጸ።” ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ኣጉስቲን ዝበሎ መንፈሳዊ ትርጕም ዘለዎ ሽሓዊ ዓመት ናይታ ቤተ-ክርስትያን ወግዓዊ ሰረተ-እምነት ኰነ . . . እቶም ናይ ፕሮቴስታንት ተሃድሶ ዝዀኑ ኣመንቲ ሉተራን: ካልቪኒስት: ከምኡውን ልምዳዊ ኣንግሊካን . . . ነቲ ናይ ኣጉስቲን ኣረኣእያ ኣጽኒዖም ሓዝዎ።” ስለዚ ኸኣ ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ካብቲ ሽሓዊ ተስፋ ተነፍጉ።
ኣብ ርእሲ እዚ ብመሰረት እቲ ናይ ስዊስ ናይ ሃይማኖት ምሁር ፍረደሪክ ሩዥሞን ዝበሎ “[ኣጉስቲን] ነቲ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ዝነበሮ ናይ መጀመርታ እምነት ብምንጻጉ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ-ክርስትያን እዚ ዘይበሃል ክሳራ ኣውረደ። በቲ ዘሕደሮ ብርቱዕ ጽልዋ: [እታ ቤተ-ክርስትያን] ዝነበራ ናይ ምድሪ ሓሳብ ብምንጻግ ንዝገበረቶ ጌጋ ዝያዳ ወግዓዊ ከም ዝኸውን ገበሮ።” እቲ ጀርመናዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር ኣዶልፍ ሃርናክ ነቲ ብዛዕባ ሽሕ ዓመት ዝነበረ እምነት ምኽሓድ ነቶም ተራ ህዝቢ “ነቲ ዝርድእዎ ሃይማኖት” ምንፋግ: “ነቲ ጥንታዊ እምነትን ጥንታዊ ተስፋን” በቲ “ክርድእዎ ዘይክእሉ እምነት” ምቕያር ማለት ምዃኑ ይሰማምዓሉ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያናት ጥርሐን ምትራፈን እውን ሰባት ክርድኦም ዝኽእል እምነትን ተስፋን ከም ዘድልዮም ዘርኢ ሓያል መረጋገጺ ኢዩ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ጆርጅ ቤስለይ-ሙራይ ኣብታ ሃይላይትስ ኦቭ ዘ ቡክ ኦቭ ረቨለሽን ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብሓደ ወገን እቲ ብርቱዕ ጽልዋ ኣጉስቲን በቲ ኻልእ ወገን ከኣ እቶም መናፍቓን ሽሓዊ እምነት እናሃለዉ: ካቶሊክን ፕሮቴስታንትን ነቲ እምነት ኣብ ምንጻግ ሓቢሮም ኢዮም። ሰብ ድኣ እሞ ኣብዛ ምድሪ እንታይ ኣማራጺ ተስፋ ኢዩ ዘለዎ ተባሂሎም ተሓቲቶም ክምልሱ ኸለዉ: ተስፋ ዝበሃል የብሉን ኢዮም ዝብሉ። ዓለም: ነቲ ታሪኽ ከም ዘይህሉ ዝገብር ዘለኣለማዊ ሰማይን ሲኦልን ቦታ ንምሕዳግ: ኣብቲ ክርስቶስ ዝመጻሉ ግዜ ክትጠፍእ ኢያ። . . . እታ ቤተ-ክርስትያን ዝነበራ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣጥፊኣ ኢያ።”
እቲ ኣብ ኣፖካሊፕስ ዘሎ ዘደንቕ ተስፋ ገና ህያው ኢዩ!
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወገኖም እቲ ምስ ሽሓዊ ግዝኣት እተተሓሓዘ ዘደንቕ መብጽዓታት ክፍጸም ምዃኑ ይኣምኑ ኢዮም። እቲ ዢን ዴልምዋ እተባህለ ፈረንሳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኣብቲ “መበል 2000 ዓመት: ምፍራህ ኣፖካሊፕስ” ዘርእስቱ ምስ ናይ ፈረንሳ ናይ ቴለቭዥን ፕሮግራም ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ ቀረባ እዋን . . . ጸበባ ምስ ኰነ ሓጐስ ዘለዎ ሽሕ ዓመት ክመጽእ ኢዩ ስለ ዝብሉ ነቲ ሽሓዊ ተስፋ ብልክዕ ኢዮም ዝስዕብዎ ዘለዉ” ብምባል ገለጸ።
እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝርኣዮ: ኣብ መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ ወይ ራእይ ኸኣ ዝገለጾ ልክዕ እዚ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”—ራእይ 21:1, 3, 4
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ነዚ ተስፋ እዚ ምእንቲ ክቕበሉ ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ስራሕ ኢዮም ተጸሚዶም ዘለዉ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ንኽትማሃር ክሕግዙኻ ፍቓደኛታት ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ፓፒያስ እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ሰረተ-እምነት ካብቶም ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዝነበሩ ሰባት እተቐበሎ ምዃኑ ይዛረብ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ተርቱልያን: ክርስቶስ ንሽሕ ዓመት ከም ዝገዝእ ይኣምን ነይሩ ኢዩ
[ምንጪ ስእሊ]
© Cliché Bibliothèque Nationale de France, Paris
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
“ [ኣጉስቲን ] ነቲ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ዝነበሮ ናይ መጀመርታ እምነት ብምንጻጉ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ-ክርስትያን እዚ ዘይበሃል ክሳራ ኣውረደ ”
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣብ ኣፖካሊፕስ ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ ምድራዊት ገነት ዝገልጽ መብጽዓ ሰባት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ተስፋ ኢዩ