ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/12 ገጽ 3-5
  • ፍርሃት ኣፖካሊፕስ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍርሃት ኣፖካሊፕስ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍርሂ ኣፖካሊፕስ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዘርኢ ታሪኽ
  • ንኣፖካሊፕስ ምፍራህ ምኽንያታዊ ድዩ፧
  • ኣፖካሊፕስ—ክፍራህ ድዩ ዘለዎ ወይስ ተስፋ ክግበሮ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • መወዳእታ ዓለም ይመጽእ ድዩ ዘሎ፧ ኣፖካሊፕስ እንታይ እዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • “ዘሐጕስ ዜና” ካብ ኣፖካሊፕስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ራእይ—እቲ ዘሐጕስ ፍጻሜኡ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/12 ገጽ 3-5

ፍርሃት ኣፖካሊፕስ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ሓደ ኣብ መጽሔት ታይም ብዛዕባ ሃይማኖት ዝጽሕፍ ደይማን ቶምፕሰን እተባህለ ሰብ “ክርስትና ዝእምነቶም ጥሩፋት ድሕሪ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ [ገለ] ዓይነት ውድቀት ከጋጥም ኢዩ ብምባል ክንበዩ ጸኒሖም ኢዮም: ይንበዩ እውን ኣለዉ” ብምባል ይገልጽ። ወሲኹ ኸኣ “እዚ ኵነታት እዚ ኣርዚንካ ተራእዩ ጥራይ ዘይኰነስ: እቶም ዘላግጹሎም ዝነበሩ ሰባት​—⁠ኣዳለውቲ ፕሮግራም ኮምፒዩተር: ፍሉጣት ነጋዶን ፖለቲካውያንን​—⁠እውን ከይተረፈ ይዝርግሕዎ ምህላዎም ንዕኦም [ነቶም ጥሩፋት] ኣገሪምዎም ኢዩ” ይብል። እቲ ኣብ መበል 2000 ዓመት ከጋጥም ኢዩ ዝበሃል ዓለም​ለኻዊ ምብልሻው ኮምፒዩተራት ዘስዓቦ ስግኣት “ነቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ትሑዛት ዝነበሩ ውልቀ⁠-​ሰባት ናብቶም እምንቶ ክግበሮም ዘይከኣል ሽሓውያን ገጾም ከም ዝጥምቱ ገይርዎም ኢዩ” ብምባል የረጋግጽ። እዞም ሽሓውያን ዝበሃሉ ሰባት ንባዕሎም “ሓፈሻዊ ስግኣት: ምልማስ ምምሕዳራት: ብሕጽረት መግቢ ዝመጽእ ናዕቢ: ምግጫው ነፈርቲ ምስ ነዋሕቲ ህንጻታት” ከየጋጥም ይፈርሁ ኢዮም።

ኣብ ርእሲ እዚ ሓፈሻዊ ጭንቀት እዚ ኸኣ ዘየቕስን ንጥፈታት ናይቶም መብዛሕትኡ እዋን ብእንግሊዝኛ “ኣፖካሊፕቲክ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ንኣሽቱ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት እውን ኣሎ። ብጥሪ 1999 ኣብታ ላ ፊጋሮ እትበሃል ብቛንቋ ፈረንሳ እትሕተም መዓልታዊት ጋዜጣ ዝወጸ “የሩሳሌምን መጠንቀቕታታት ኣፖካሊፕስን” ዘርእስቱ ዓንቀጽ “ንህላወ ወይ ኣፖካሊፕስ ዝጽበዩ ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ‘ሽሓውያን’ ኣብ ደብረ ዘይቲ ወይ ኣብ ከባቢኡ ከም ዘለዉ ክፍሊ ጸጥታ [እስራኤል] ይእምት” ይብል።

እቲ 1998 ብሪታኒካ ቡክ ኦቭ ዘ ይር ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እውን ብዛዕባ እቶም “ኣንቈራ ምጽኣተ⁠-​ዓለም” ዝበሃሉ ፍሉይ ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። ከም እኒ ሄቨንስ ገይት (ደገ ሰማያት): ፒፕልስ ተምፕል (ቤት መቕደስ ህዝብታት): ኦርደር ኦቭ ዘ ሶላር ተምፕል (ስርዓት ቤት መቕደስ ጸሓይ): ከምኡውን ነቲ ብ1995 ኣብ ቶክዮ ኣብ ናይ ትሕቲ ምድሪ መገዲ ባቡር ቀታሊ ጋዝ ብምድላው ህይወት 12 ሰባት ቀዚፉ ብኣሽሓት ድማ ዘቝሰለ ኡም ሺንሪክዮ (ዝለዓለ ሓቂ) ዝኣመሰሉ ርእሰ⁠-​ቕትለት ምፍጻም ዘተባብዑ ኣንቈራታት ከኣ ይጠቅስ። እቲ ኣብ ናይ ቺካጎ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሃይማኖት ፕሮፌሶር ማርቲን ኢ. ማርቲ ነዚ ጸብጻብ እዚ ከጠቓልል ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምጅማር ናይ መበል 2000 ዓውደ⁠-​ኣዋርሕ ዳርጋ ንዅሉ ዓይነት ትንቢታትን ምንቅስቓሳትን ዘለዓዕል ክኸውን ኢዩ። ገሊኡ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣፍ ልብኻ ነፊሕኻ ክትጋጠሞ ዘይትኽእል ግዜ ክኸውን ኢዩ።”

ፍርሂ ኣፖካሊፕስ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዘርኢ ታሪኽ

ኣፖካሊፕስ ወይ ራእይ ስም ናይታ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ናይ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ ትንቢትን ኣዝዩ ምሳልያዊ ዝዀነ ቋንቋን ብምርኣይ እቲ “ኣፖካሊፕቲክ” ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቅጽል ነቲ እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ቅድሚ ምድላዋ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ዝነበረ ዓይነት ስነ⁠-​ጽሑፍ ይውዕል ከም ዝነበረ ኣብ መደምደምታ ተበጽሐ። እዚ ምሳልያዊ ጽውጽዋይ ዝሓዘ ስነ⁠-​ጽሑፍ እዚ ካብ ጥንታዊት ፋርስ: አረ ቅድሚኡ እውን ኣትሒዙ ዝጀመረ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ዘ ጂዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ “መብዛሕትኡ እቲ ርኡይ ዝዀነ ናይ ባቢሎናውያን ባህርያት ዘለዎ ጽውጽዋይ ኣብቲ [ናይ ጂዊሽ ኣፖካሊፕቲክ] ስነ⁠-​ጽሑፍ ኣትዩ ኢዩ” ብምባል ይዛረብ።

እዚ ኣፖካሊፕቲክ ዝበሃል ናይ ኣይሁድ ስነ⁠-​ጽሑፍ ካብ መጀመርታ ናይ ካልኣይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዓምቢቡ። ምኽንያት ናይዚ ጽሑፋት እዚ ክገልጽ ከሎ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣይሁዳውያን ንዝዀነ ይኹን ግዜ ኣብ ክልተ መዋእል ኢዮም ዝመቕልዎ። እቲ ምሉእ ብምሉእ ሕማቕ ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ ህልው መዋእል ነይሩ። . . . ስለዚ ኸኣ እቶም ኣይሁድ ሽዑ ዝነበረ ነገራት ኣብኡ ከሎ ክውድኣሎም ይጽበዩ ነበሩ። እቲ ምሉእ ብምሉእ ጽቡቕ: ሰላም: ብልጽግናን ጽድቅን ዝዓሰሎ ወርቃዊ መዋእል ኣምላኽ ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ መጻኢ መዋእል እውን ነይሩ ኢዩ። . . . እቲ ህልው መዋእል መጻኢ መዋእል ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣይሁዳውያን እቲ ለውጢ ብሰብኣዊ ወኪል ፈጺሙ ክመጽእ ከም ዘይክእል: ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብቐጥታ ኢዱ ከእቱ ትጽቢት ይገብሩ ነበሩ። . . . እታ ኣምላኽ ዝመጽኣላ መዓልቲ: መዓልቲ ጐይታ ተባሂላ ትፍለጥ ነበረት: እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ነቲ ሓድሽ መዋእል ከም ዝውለድ እትገብር መዓልቲ ራዕድን ጥፍኣትን ፍርድን ክትከውን ነበራ። ኵሉ እቲ ናይ ኣፖካሊፕቲክ ስነ⁠-​ጽሑፋት ምስ እዚ ፍጻመታት እዚ እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ።”

ንኣፖካሊፕስ ምፍራህ ምኽንያታዊ ድዩ፧

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እታ እኩያት ሰባት ዝጠፍኡላ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ማለት ኣርማጌዶን ትዛረብ ኢያ። ድሕሪ እዛ ዓባይ መዓልቲ እዚኣ እቲ ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ዝእሰረሉ: ክርስቶስ ከኣ ንደቅሰብ ዝፈርደሉ ሽሕ ዓመት (ሓድሓደ ግዜ ሽሓዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ግዜ ክህሉ ኢዩ። (ራእይ 16:​14, 16፣ 20:​1-4) እቲ ናይ ካቶሊክ “ቅዱስ” ኣጉስቲን (354⁠-​430 ከ.ኣ.ዘ.) ሽሓዊ ዓመት ኣብ ምውላድ ክርስቶስ ኢዩ ጀሚሩ: ብድሕሪኡ ቀጺሉ ኸኣ እቲ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ፍርዲ ክኸውን ኢዩ ኢሉ ብምግላጹ ኣብ ማእከላይ መዋእል ብዛዕባ እዚ ትንቢታት እዚ ጌጋ ምርዳእ ነበረ። ኣጉስቲን ንግዜ ብዙሕ ኣብ ግምት ኣየእተዎን: እቲ 1000 ዓመት እናተወድአ ምስ ከደ ግን ምጥርጣራት ጀመረ። ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባ እዚ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዝነበረ ፍርሂ ኣፖካሊፕስ ስፍሓቱ ክሳዕ ክንደይ ምንባሩ ይጠራጠሩ ኢዮም። ክሳዕ ክንደይ ኣስፋሕፊሑ ከም ዝነበረ ብዘየገድስ ግን እቲ ፍርሂ ምኽንያታዊ ከም ዘይነበረ ተረጋጊጹ ኢዩ።

ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: መበል 2000 ወይ 2001 ዓመት ዘፍርህ ኣፖካሊፕስ ሒዙ ክመጽእ ኢዩ ዝብል ሃይማኖታውን ዓለማውን ስግኣት ኣሎ። እዚ ፍርሂ እዚ ግን ምኽንያታዊ ድዩ፧ እቲ ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ራእይ ዮሃንስ ወይ ኣፖካሊፕስ ዘሎ መልእኽቲ ክፍራህ ዘለዎ ድዩ ወይስ ብኣንጻሩ ብተስፋ ክንጽበዮ ዘሎና ነገር ኢዩ፧ በጃኻ ቀጺሉ ንዘሎ ዓንቀጻት ኣንብቦ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዝነበረ ፍርሂ ኣፖካሊፕስ ምኽንያታዊ ከም ዘይነበረ ተረጋጊጹ ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

© Cliché Bibliothèque Nationale de France, Paris

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Maya/Sipa Press

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ