ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 7/15 ገጽ 10-11
  • ወረዘ ኼቋርጽ ከሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወረዘ ኼቋርጽ ከሎ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • 32 ዕዉት ወረዘ ክግበር ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • እዋን ውረዛ ብኸመይ ዕዉት ኪኸውን ይኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ወለደይ ምስ ኣወዳት ክትቋጸሪ ኣይኣኸልክን ምስ ዝብሉንኸ፧
    ንቕሑ!—2001
ንቕሑ!—2015
g 7/15 ገጽ 10-11
ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ እታ እተፈልየቶ ጓል ኪሓስብ ከሎ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

ወረዘ ኼቋርጽ ከሎ

ጸገም

“ዚዀነኒ መጻምድቲ ዝረኸብኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነበረ። ‘ምስዚ ወዲ እዚ ንዘለኣለም ክነብር እየ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ኣዕሩኽ ኴንና ንኽልተ ወርሒ ምስ ጸናሕና ግና፡ ክንፈላለ ወሰንኩ። እቲ ብጽቡቕ ዝጀመረ ዕርክነትና ቐልጢፉ ብምብታኹ ደንጽዩኒ እዩ።”—ኣና።a

“ብዙሕ ዜመሳስለና ነገራት ዘሎ እዩ ዚመስል ነይሩ። ከም እንምርዖ ገይረ ኸኣ እየ ዝሓስብ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ኣዚና እተፈላለና ምዃንና ኽግንዘብ ጀመርኩ። ዓብዪ ጌጋ እገብር ከም ዝነበርኩ ምስ ተገንዘብኩ ድማ፡ ምስኡ ዝነበረኒ ርክብ በተኽክዎ።”—ኢሌን።

ንዓኻኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣጋጢሙካ ድዩ፧ ኣጋጢሙካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ዅነታት ክትዋጽኣሉ ኽትሕግዘካ እያ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ምፍልላይ ነቲ ተበግሶ ዝወሰደ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ዜጕሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ዓርካ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እተፈላለየት ሳራ ዝስማ ጐርዞ፡ “ሕማቕ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት። ኣስዒባ እውን ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደቒቕ፡ ኣብ ህይወተይን ኣብ መጻእየይን ህያው እዩ ነይሩ፣ ኣብታ ኻልአይቲ ደቒቕ ግና ከደ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ንኽልቴና ፍሉይ ዝነበረ መዝሙራት እሰምዕ ነበርኩ፣ እዚ መዝሙራት እዚ ነቲ ዘሕለፍናዮ ጽቡቕ እዋናት የዘኻኽረኒ ነበረ። ንኽልቴና ፍሉይ ኣብ ዝዀነ ቦታታት እኸይድ፡ ምሳይ ብዘይምህላዉ ኸኣ እጕሂ ነበርኩ። ክንፈላለ ተበግሶ ዝወሰድኩ ባዕለይ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ከምኡ ይስምዓኒ ነበረ።”

ምፍልላይ ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ፡ ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኢሌን፡ “ነቲ ሰብ ከተጕህዮ ኣይትደልን ኢኻ” ትብል። ኣስዒባ ኸኣ፡ “ብኣንጻሩ ግና፡ ንዘይትሕጐሰሉ ወረዘ እንተ ትቕጽሎ ኔርካ፡ ኣብ መወዳእታኡ ንኽልቴኹም ከም ዜጕሂ ትፈልጥ ኢኻ” በለት። ሳራ እውን ነዚ ርእይቶ እቲ ትሰማማዓሉ እያ። ከምዚ ኸኣ በለት፦ “ዓርኪ ምስ ሓዝካ፡ ነቲ ሰብ እቲ እንተ ዘይተሓጒስካሉ፡ ምስ ተመርዓኻዮ እውን ኣይክትሕጐሰሉን ኢኻ፣ ስለዚ፡ ምፍልላይ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለት።

ምፍልላይ፡ ከም ዝፈሸልካ ዜመልክት ኣይኰነን። ዕዉት ወረዘ፡ ብመርዓ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብውሳነ እውን የኽትም እዩ። ሓዴኹም ዚሰግእ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ቕኑዕ ውሳነ፡ ምፍልላይ እዩ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ፡ እቲ ርክብ እኳ እንተ ፈሸለ፡ ንስኻ ፈሺልካ ማለት ኣይኰነን። ከም ቀደምካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ከም ዝጐሃኻ ተኣመን። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ኢሌን፡ “ዓርኪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሉጽ ዓርከይ እየ ስኢነ” በለት። ምስ ሓደ ኣጸቢቕካ እትቐርቦ ዝነበርካ ዓርኪ ምስ ተፈላለኻ፡ እተወሰነ ጓሂ ኺስምዓካ ንቡር እዩ። ኣዳም ዝስሙ መንእሰይ፡ “እቲ ርክብ ኣኽቲሙ እዩ፣ ግናኸ ምፍልላይኩም ዝሓሸ ምዃኑ እኳ እንተ ተቐበልካዮ፡ ወትሩ እተወሰነ ጓሂ ይስምዓካ እዩ” በለ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ንጉስ ዳዊት እተሰምዖ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ንጉስ ዳዊት፡ ከቢድ ጭንቀት ምስ ኣጋጠሞ፡ “ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 6:6) ነቲ ጓሂ ኸተወግዶ ወይ ክትሸፋፍኖ ኣብ ክንዲ እትፍትን፡ ከም ንቡር ጌርካ ተቐበሎ። ከም ዝጐሃኻ እንተ ተኣሚንካ፡ ንኽትጸናናዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 4:4።

ምስ ዚሓልዩልካ ሰባት ተቐራረብ። እዚ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣና፡ “ኣብ ፈለማ፡ ሰባት ክርኢ እውን ኣይደልን እየ ነይረ” ብምባል ትእመን። ኣስዒባ እውን፡ “ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዅነታት ንኽሓስብን ንኺርድኣንን ግዜ ኣድልዩኒ እዩ” በለት። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣና ኺሃንጽዋ ምስ ዚኽእሉ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ግዜ ምሕላፍ ጥበባዊ ምዃኑ ተገንዘበት። ኣስዒባ ኸኣ፡ “ሕጂ ኻብ ቅድም ዝሓሸ ኣተሓሳስባ እዩ ዘሎኒ። ምስ ዓርከይ ብምፍልላይና ዚስምዓኒ ጓሂ እውን ከምቲ ናይ ቀደም መሪር ኣይኰነን” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 17:17።

ካብቲ ዘጋጠመካ ዅነታት ተመሃር። ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘እዚ ተመክሮ እዚ፡ ክዓብየሉ ዜድልየኒ መዳያት ኣግሂዱለይ ድዩ፧ ኣብ ዚቕጽል ዓርኪ እንተ ሒዘ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ እንታይ እተፈልየ ነገር ክገብር እኽእል፧’ ማርስያ ዝስማ ጐርዞ፡ “ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዅነታት ብዝሓሸ መገዲ ኽምርምር ክኢለ እየ። ይኹን እምበር፡ ንነገራት ብስምዒታዊ መገዲ ኣብ ክንዲ ዝርእዮ፡ ብርትዓዊ መገዲ ኽርእዮ ኽሳዕ ዝኽእል ክጽበ ኣድልዩኒ እዩ” በለት። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣዳም እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ነቲ ምፍልላይ ክቕበሎ ዓመት እዩ ወሲዱለይ። ካብቲ ተመክሮ እንታይ ክምሃር ከም ዝኽእል ክግንዘብ ከኣ ልዕሊ ዓመት እዩ ወሲዱለይ። እቲ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ ብዛዕባይን ብዛዕባ ኣንጻር ጾታን ብዛዕባ ርክባትን ብዙሕ ነገራት ምሂሩኒ እዩ። ብዛዕባ እቲ ምፍልላይ ሕጂ ኽሳዕ ክንድቲ ኣይጕህን እየ።”

ብዛዕባ ጭንቀትካ ጸሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ‘ንልቦም እተሰብሩ ኸም ዚፍውስ፡ ነቝሳሎም ከኣ ከም ዚዝንን’ ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 147:3) የሆዋ መጻምድቲ ኣይመርጸልናን እዩ፣ እቲ ዝጀመርናዮ ወረዘ ምስ ዚቋረጽ ከኣ ንሱ ኺውቀስ ኣይክእልን እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ክንሕጐስ ይደልየና እዩ። ስለዚ፡ ንስምዒታትካ ብጸሎት ንገሮ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጴጥሮስ 5:7።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ኰርዩ . . . ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን።”—መዝሙር 4:4።

  • “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።”—ምሳሌ 17:17።

  • “[ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7።

“ልቢ ይሓዊ እዩ”

“ዓርከይ ምሳይ ምስ ተፈላለየ፡ ጸጸትን ምድንጋርን ጽምዋን ተሰሚዑኒ፣ ዘይረብሕ ከም ዝዀንኩ እውን ተሰሚዑኒ እዩ። ልባዊ ጓሂ፡ ሓደ ኻብቲ ኽትሰግሮ ዜድልየካ ኣሸጋሪ ዅነታት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ከነፍቅር ከም እንኽእል ገይሩ ዝፈጠረና ንጥቕምና ደኣ እምበር ንጕድኣትና ስለ ዘይኰነ፡ ርክብና እኳ እንተ ተበትከ፡ ናብ ንቡር ክንምለስ ንኽእል ኢና። ንሓደ ሰብ ከተፍቅሮ ግዜ ይወስድ እዩ፣ ምስቲ ሰብ እቲ ዘሎካ ርክብ እንተ ተበቲኹ ናብ ንቡር ክትምለስ እውን ግዜ ይወስድ እዩ። ይከኣል ድማ እዩ። ልቢ ይሓዊ እዩ።”—ማርስያ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ቀዳማይ ጥራዝ እታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ ኣብ ምዕራፍ 31 ርአ። ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ