ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/15 ገጽ 14-15
  • እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሓምም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሓምም
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ሆስፒታል
  • ነቶም ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ምጽንናዖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ዕጉስ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ንቕሑ!—2015
g 10/15 ገጽ 14-15

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሓምም

“ባባ ኻብ ሆስፒታል ኪወጽእ ምስ ቀረበ፡ ነቲ ሓኪም፡ ናይ ባባ ውጽኢት መርመራ ደም ደጊሙ ንኺርእዮ ሓተትናዮ። ንሱ ድማ እቲ ውጽኢት ንቡር ከም ዝዀነ እኳ እንተ ኣረጋገጸልና፡ ብሕያውነት ደጊሙ ረኣዮ። እቲ ዜገርም ድማ ክልተ ኻብቲ ውጽኢት ካብ ንቡር ዝሓለፈ እዩ ነይሩ። ይቕሬታ ብምሕታት ንሓደ ኽኢላ ሓኪም ጸውዓልና። ሕጂ፡ ባባ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እዩ ዚርከብ። ሕቶታት ምሕታትና ግና ኣሐጕሱና እዩ።”—ማሪበል።

ሓንቲ ብዓልቲ ቤት፡ ብዓል ቤታ ንምልክታት ሕማሙን ዝወስዶ ኣፋውስን ንኺጽሕፍ ክትሕግዞ ኸላ

ቅድሚ ቘጸራ፡ ንምልክታት ሕማሙን ዝወሰዶ ኣፋውስን ጽሓፍ

ቈጸራታት ሕክምና ወይ ኣብ ሆስፒታል እትጸንሓሉ እዋን ኣዝዩ ዜጨንቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ተመክሮ ማሪበል ከም እተራእየ፡ ንሓደ ፈታዊና ወይ ዘመድና ምሕጋዝ ኣዝዩ ጠቓሚ፡ ምናልባት ህይወት ዜድሕን ኪኸውን እውን ይኽእል። እንተዀነ ግና፡ ንሓደ እተፍቅሮ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ቅድሚ ምብጻሕ። ነቲ ዝሓመመ ሰብ፡ ምልክታት ሕማሙን ዚወስዶ ኣፋውስን ንኺጽሕፍ ሓግዞ። ነቲ ሓኪም ክትሓትትዎ እትደልዩ ዅሉ ሕቶታት ብዝርዝር ጽሓፍዎ። ፈታዊኻ፡ ንዅነታቱ ብዝርዝር ኪጽሕፍ ወይ እቲ ሕማም ኣብ ስድራ ቤቱ ተራእዩ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ ንኺዝክር ሓግዞ። ሓኪም ነዚ ዝርዝር ሓበሬታ ድሮ ኸም ዚፈልጦ ወይ ባዕሉ ኺሓትተካ ኸም ዚኽእል ጌርካ ኣይትደምድም።

ሓደ ሓኪም ምስ ሰብ ሓዳር ኪዛራረብ ከሎ፡ እታ ብዓልቲ ቤት መዘኻኸሪታት ትጽሕፍ

ጽን ኢልካ ስማዕ፡ ብኣኽብሮት ሕተት ከምኡ እውን መዘኻኸሪታት ሓዝ

ኣብ እዋን ምብጻሕ። ንስኻን እቲ ሕሙምን፡ ነቲ ሓኪም ዚብሎ ብግቡእ ተረድእዎ። ሕቶታት ሕተት፣ ናይ ብሕትኻ ርእይቶታት ብምሃብ ግና ነቲ ሓኪም ኣይተዋጥሮ። ነቲ ሕሙም፡ ባዕሉ ኺሓትትን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺዛረብን ዕድል ሃቦ። ጽን ኢልካ ስማዕ፣ ተጠንቂቕካ ኸኣ መዘኻኸሪታት ሓዝ። ካልእ ኣማራጺታት ሕክምና እንተ ኣልዩ ሕተት። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ እቲ ሕሙም ካልእ ኣማራጺታት ሕክምና ኺፍትን ሓሳብ ከተቕርብ ጥበባዊ እዩ።

እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ሓኪም ዝጸሓፍዎ መዘኻኸሪታት ደጊሞም ኪርእይዎ ኸለዉ

እቲ ሓኪም ንዝሃቦ መምርሒታትን ዝኣዘዘሉ መድሃኒታትን ደጊምካ ርኣዮ

ድሕሪ ምብጻሕ። እቲ ሓኪም ዝሃበኩም ሓሳባት ምስቲ ሕሙም ኴንካ ተዘራረበሉ። እቲ ልክዕ ዝዀነ ኣፋውስ ምውሳዱ ኣረጋግጽ። ከምቲ ሓኪም ዝኣዘዞ ነቲ ኣፋውስ ብግቡእ ኪወስዶን ንዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ተርእዮታት ብኡብኡ ንሓኪም ኪሕብሮን ኣተባብዓዮ። እቲ ሕሙም ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኺህልዎን ሕክምና ንኺከታተልን ንኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ እተዋህቦ መምርሒታትን ከተግብር ኣተባብዓዮ። ብዛዕባ ዅነታቱ ዝያዳ ንኺፈልጥ ከኣ ሓግዞ።

ኣብ ሆስፒታል

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሕክምና ደቂሳ ኸላ፡ እቲ ብዓል ሞያ ሕክምና ዝዀነ ወኪላ ምስ ሓኪም ይዛራረብ

ኵሉ ወረቓቕቲ ሕክምና ብግቡእ ከም እተመልአ ኣረጋግጽ

ህዱእን ትኩርን ኩን። ሓደ ሕሙም ናብ ሕክምና ኪኸይድ ከሎ ኺጭነቕን ተስፋ ኪቘርጽን ስለ ዚኽእል፡ ህዱእን ትኩርን ብምዃን ንዅሎም ፍዅስ ኪብሎምን ዘየድሊ ጌጋታት ንኸይገብሩን ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይ ሕክምና ወረቓቕቲ ብግቡእ ከም ዝመልኦ ኣረጋግጽ። እቲ ሕሙም ኣብቲ እተነግሮ ሓበሬታ ተመርኲሱ ንኺውስን ዘለዎ መሰል ኣኽብረሉ። ሕማሙ ስለ ዝኸበዶ ኸምኡ ኺገብር ምስ ዘይክእል ግና ኣቐዲሙ ብጽሑፍ ንዘስፈሮ ድሌታቱን ናይ ቀረባ ዘመዱ ወይ ወኪሉ ንዘለዎ ሓላፍነትን ኣኽብር።a

ሓንቲ ሰበይትን እቲ ብዓል ሞያ ሕክምና ዝዀነ ወኪላን ምስ ሰራሕተኛ እታ ሆስፒታል ኪዘራረቡ ኸለዉ

ነቶም ሰብ ሞያ ንትዕዝብትታትካ ብኣኽብሮት ሓብሮም

ተበግሶ ውሰድ። ከይተሰከፍካ ርእይቶኻ ግለጽ። እቲ ምዕሩግ ትርኢትካን እተርእዮ ጽቡቕ ጠባይን ነቶም ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ኣብቲ ሕሙም ዝያዳ ተገዳስነት ንኼርእዩን ዝሓሸ ኽንክን ንኺገብሩሉን ኪድርኾም ይኽእል እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ሆስፒታላት፡ ንሕሙማት እተፈላለዩ ሓካይም ስለ ዚርእይዎም፡ ካልኦት መሳርሕቶም እንታይ ከም ዝበሉ ብምሕባር ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሕሙም ንስኻ ዝያዳ ስለ እትፈልጦ፡ ዝዀነ ይኹን እተዓዘብካዮ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ለውጥታት እውን ሓብሮም።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሕክምና እናተሓከመት፡ እቲ ብዓል ሞያ ሕክምና ዝዀነ ወኪላ ምስታ ኣላዪት ሕሙማት ኪዘራረብ ከሎ

ኣብ ዕዮ ኻልኦት ጣልቃ ኸይኣተኻ፡ ክትገብሮ እትኽእል ዘበለ ግበር

ሞሳን ኣኽብሮትን ኣርኢ። ሰራሕተኛታት ሆስፒታል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጸቕጢ ኣብ ዝበዝሖ ዅነታት እዮም ዚሰርሑ። ስለዚ፡ ከምቲ ኻልኦት ኪሕዙኻ እትደልዮ ጌርካ ሓዞም። (ማቴዎስ 7:12) ነቲ ዝረኸብዎ ስልጠና ዀነ ተመክሮ ኸም እተኽብርን ብኽእለቶም ከም እትተኣማመንን ንጻዕሮም ከም እተማስወሉን ኣርኢ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሞሳ ምስ እተርእዮም፡ ዚከኣሎም ንኺጽዕሩ ኺተባብዑ ይኽእሉ እዮም።

ዘይሓምም ሰብ የለን። ኣቐዲምካ ብምሕሳብን ግብራዊ ደገፍ ብምሃብን ግና ንፈታዊኻ ወይ ዘመድካ ነቲ ኸቢድ ኵነታት ንኺዋጽኣሉ ኽትሕግዞ ትኽእል ኢኻ።።—ምሳሌ 17:17።

a ንመሰልን ግዴታን ሓደ ሕሙም ዚምልከት ሕግታትን ልምድታትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። ድሌታት እቲ ሕሙም እተጻሕፎ ሰነዳት ብግቡእ ከም እተመልአን እዋናዊ ኸም ዝዀነን ኣረጋግጽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ