ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 2 ገጽ 3-7
  • መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ መጽሓፍ ጥራይ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ መጽሓፍ ጥራይ ድዩ፧
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ምስትውዓል ይህብ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ጠንቂ መከራን ግጭትን ወዲ ሰብ ይገልጽ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
  • ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
  • ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናይ ሓቂ ትምህርትታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝገልጽ መጽሓፍ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 2 ገጽ 3-7
ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ

ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ መጽሓፍ ጥራይ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ እዩ ተጻሒፉ ተወዲኡ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ማእለያ ዘይብሎም መጻሕፍቲ ተጻሒፎምን ጠፊኦምን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣይጠፍአን። ነዚ ዚስዕብ እስከ ርአ።

  • ሓያላት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእ ሓያል ጻዕሪ እኳ እንተ ኣካየዱ ኼጥፍእዎ ኣይከኣሉን። ንኣብነት፡ ኣን ኢንትሮዳክሽን ቱ ዘ መዲቫል ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ኣብ ገሊአን ክርስትያናት ኢና ዚብላ ሃገራት “እቶም ብቛንቋ ተራ ሰባት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ዚውንኑን ዜንብቡን ሰባት ከም መናፍቓንን ተቓወምትን ጌርካ እዮም ዚረኣዩ ነይሮም።” እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ደቀባት ዝተርጐሙ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተባብዑ ምሁራት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም፡ ገሊኣቶም ከኣ ተቐቲሎም እዮም።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ጸላእቲ እኳ እንተ ነበርዎ፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ልዕሊ ዅሉ እተዘርግሐ መጽሓፍ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብምሉእ ወይ ብኸፊል፡ ብልዕሊ 2,800 ቋንቋ ዳርጋ ሓሙሽተ ቢልዮን ቅዳሓት ተሓቲሙ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስቲ ድሩት ዝርጋሐ ዘለዎን ግዜኡ ዚሓልፎን፡ ናይ ፍልስፍናን ስነ ፍልጠትን ካልእ ዓውድን መጻሕፍቲ ኺወዳዳደር ከሎ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ናብ እተፈላለየ ቛንቋታት ምትርጓሙ ንገሊኡ ቛንቋታት ኪዕቀብን ኪምዕብልን ሓጊዙ እዩ። እቲ ብማርቲን ሉተር እተዳለወ ትርጉም ጀርመንኛ ኣብቲ ቛንቋ ዓብዪ ጽልዋ እዩ ነይርዎ። ናይ መጀመርታ ሕታም ኪንግ ጀምስ ቨርሽን፡ ብቛንቋ እንግሊዝኛ “ኻብ እተሓትሙ መጻሕፍቲ እቲ ኣዝዩ ጸላዊ ኪኸውን ዚኽእል መጽሓፍ” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ባህሊ ምዕራባውያን ጽልዋ ገይሩ እዩ፣ ጽልዋኡ ድማ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታትን ልምድታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስነ ጥበብን ስነ ጽሑፍን ሕግን ፖለቲካን ኣብ ካልእ ዓውድታትን ተራእዩ እዩ።”—ዘ ኦክስፎርድ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዘ ቡክስ ኦቭ ዘ ባይብል።

እዚ ገለ ኻብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዚገብሮ ሓቅታት እዩ። ክሳዕ ክንድዚ ተፈላጥነት ኪረክብ ዝኸኣለ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ምእንቲ እዚ መጽሓፍ እዚ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉኸ ስለምንታይ እዮም፧ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ጥበብ ዜንጸባርቕ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጠንቂ መከራን ግጭትን ወዲ ሰብ እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ይሕግዘና። ልዕሊ ኹሉ ድማ እዚ ጸገማት እዚ ኸም ዜኽትም ተስፋ ይህብ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ከኣ ይገልጽ።

ሓጺር ሓበሬታ

እተገንጸለት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ቕዱስ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፉ ኺውዳእ ዳርጋ 1,600 ዓመት እዩ ወሲዱ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብ40 ሰብኣውያን ጸሓፍቲ እዩ ተጻሒፉ፣ ገለ ኻባታቶም ሓረስቶት፡ ገፈፍቲ ዓሳ፡ መሳፍንቲ፡ ነገስታት ከምኡ እውን ሙዚቀኛታት እዮም ነይሮም።

ቀንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ እታ ንምድሪ እትገዝእ ሰማያዊት መንግስቲ፡ ማለት መንግስቲ ኣምላኽ እያ። (ዳንኤል 2:44፣ 7:13, 14) እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቲ ኺገዝእ መሰል ዘለዎ ልዑላውን ፈጣርን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዚሓብሩ ብምግባር ንእከይን መከራን ሞትን ከተወግዶ እያ።—1 ቈረንቶስ 15:24-26።

መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ምስትውዓል ይህብ

ዓለማዊ ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ካናዳ እትሕተም ኦታዋ ሲቲዝን እትብሃል ጋዜጣ ኸም ዝገለጸቶ፡ “ብዝሒ ዲፕሎማ ወይ ዲግሪ ምህላው፡ ቅኑዕ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ክትገብር የኽእለካ እዩ ማለት ኣይኰነን።” ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ከም ውሩያት ነጋዶን መራሕቲ ሃገራትን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ምሁራት ሰባት የጠፋፍኡን የታልሉን ይሰርቁን እዮም። እዚ ተግባራት እዚ ኸኣ ብመሰረት ኢደልማን ዚብሃል ትካል ህዝባዊ ጕዳያት ዘካየዶ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ፡ “ሰባት ኣብ መራሕቶም ዝነበሮም ምትእምማን ከም ዜጥፍኡ ገይርዎም እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ትምህርቲ እዩ ዜተኵር። ብዛዕባ “ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ” ምስትውዓል ይህበና እዩ። (ምሳሌ 2:9) ንኣብነት፡ ሓደ ስቴፈን ኢልና እንጽውዖ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ፖላንድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ። ኣብኡ ዀይኑ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ነቲ ኣብኡ ዝረኸቦ ግብራዊ ምኽሪ ኼማስወሉን ጀመረ። “‘ኣቦኻን ኣዴኻን ምኽባር’ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺርድኣኒ ኽኢሉ እዩ። ስምዒታተይ ብፍላይ ድማ ቍጥዓይ ክቈጻጸር ክኢለ እየ” ብምባል ጸሓፈ።—ኤፌሶን 4:31፣ 6:2።

እቲ ስቴፈን ኣብ ልቡ ዘሕደሮ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 19:11 ዚርከብ ጥቕሲ ዀይኑ፡ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ይብል። ሕጂ፡ ስቴፈን በዳሂ ዅነታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ንጕዳዩ ህድእ ኢሉ ይምርምሮን ነቲ ብዛዕባኡ ዚገልጽ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪዓይየሉ ይጽዕርን እዩ። “መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝበለጸ መምርሒ ዚህብ መጽሓፍ ኰይኑ እየ ረኺበዮ” ድማ በለ።

ሓንቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቐዲማ ብጌጋ እትፈርድ ሰበይቲ፡ ማሪያ ንእትብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጸረፈታ፣ በዚ ድማ ዕግርግር ኣለዓዓለት። ማሪያ ግና ዓጸፌታ ኽትምልስ ኣብ ክንዲ እትፍትን ስቕ ኢላ መገዳ ቐጸለት። እታ ሰበይቲ በቲ ዘርኣየቶ ጠባይ ሕማቕ ተሰምዓ እሞ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትረኽቦም ደለየት። ድሕሪ ወርሒ ኣቢላ ንማርያ ምስ ረኸበታ ድማ ሓቚፋ ብምስዓም ይቕረታ ሓተተታ። እቲ ማርያ ዘርኣየቶ ልእመትን ርእሰ ግትኣትን ንሃይማኖታዊ እምነታ ዜንጸባርቕ ምዃኑ እውን ኣስተውዓለት። ከም ውጽኢቱ ድማ እዛ ኣቐዲማ ብጌጋ ዝፈረደት ሰበይትን ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ቤታን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ወሰኑ።

የሱስ ክርስቶስ፡ ጥበብ ብግብራ ኸም እትጸድቕ ገለጸ። (ማቴዎስ 11:19) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ኸም ዝዀነ ዜረጋግጽ ኣኺሉ ዚተርፍ መርትዖታት ኣሎ። ብሉጽ ባህርያት ከም እነርኢ እዩ ዚገብረና። እዚ ስርዓታት እዚ፡ “ንገርሂ የጥብቦ፡” “ንልቢ የሐጕሶ፡” ንስነ ምግባራውን ንመንፈሳውን መዳያት ብምንጻር ከኣ፡ “ነዒንቲ የብርሄን” እዩ።—መዝሙር 19:7, 8።

መጽሓፍ ቅዱስ ጠንቂ መከራን ግጭትን ወዲ ሰብ ይገልጽ

ተመራመርቲ ብዛዕባ ሓደ ተላባዒ ሕማም ኬጽንዑ ኸለዉ፡ ጠንቂ እቲ ሕማም፡ ማለት ንዕኡ ዜለዓዕሎ ነገራት ኪፈልጡ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብቲ ነቲ ኸም “ለበዳ” ዝዀነ መከራን ባእስን ወዲ ሰብ ንምርዳእ ዚግበር ጻዕሪ እውን እዚ ኣገባብ እዚ ይዓዪ እዩ። እቲ ብዛዕባ ጸገማትና ዝጀመረሉ ግዜ ዚገልጽ ጥንታዊ ታሪኽና ሰኒዱ ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ዘፍጥረት፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ፡ መከራ ደቂ ሰብ ከም ዝጀመረ እያ እትገልጽ። ንሳቶም ቅኑዕን ጌጋን ባዕሎም ኪውስኑ እዮም መሪጾም፣ እዚ ግና ንፈጣሪና ጥራይ ዚግብኦ መሰል እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:1-7) እቲ ዜሕዝን ከኣ ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ሰባት ብሓፈሻ ብርእስኻ ናይ ምኻድ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ኣጥርዮም እዮም። ውጽኢቱኸ፧ ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ክንዲ ናጽነትን ሓጐስን ዜስተማቕሩ፡ ኣደዳ ተኸታታሊ ግጭት፡ ጭቆና፡ ከምኡ እውን ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ውድቀት እዮም ኰይኖም። (መክብብ 8:9) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሰብ ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ኪብል እምበኣር ሓቁ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) እቲ ዜሐጕስ ድማ ዕልዋ ደቂ ሰብ ዜብቅዓሉ እዋን ቀሪቡ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቶም ንስልጣኑን ንስርዓታቱን ዜኽብሩ ሰባት ብዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንእከይን ነቲ ዜስዕቦ መከራን ንዘለኣለም ኪቕጽል ከም ዘይሓድጎ እዩ ዜረጋግጸልና። እኩያት፡ “ሳዕቤናት መገዶም ኪስከሙ” እዮም። (ምሳሌ 1:30, 31፡ NW) “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:11።

እተገንጸለት መጽሓፍ ቅዱስ ጥቓ ኹባያ ቡን

“[ኣምላኽ] ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።”—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4

ኣምላኽ፡ ምድሪ ሰላማዊት ክትከውን ዘለዎ ዕላማ ብ“መንግስቲ ኣምላኽ” ኣቢሉ ኺፍጽሞ እዩ። (ሉቃስ 4:43) እዛ መንግስቲ፡ ዓለምለኻዊት መንግስቲ እያ፣ ኣምላኽ ድማ ብእኣ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘለዎ መሰል ልዑላውነት ኬረጋግጽ እዩ። የሱስ፡ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ . . . ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል፡ ነዛ መንግስቲ ምስ ምድሪ ኣተኣሳሲርዋ ኣሎ።—ማቴዎስ 6:10።

እወ፡ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፈጣሪ ኺገዝእ ዘለዎ መሰል ኣፍልጦ ብምሃብ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጽሙ እዮም። ብልሽውናን ስስዐን ቍጠባዊ ፍልልይን ዓሌታዊ ጽልእን ውግእን ኪጠፍእ እዩ። ቃል ብቓሉ ሓንቲ ዓለም፡ ሓንቲ መንግስቲ ኸምኡ እውን ሓደ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን መዐቀኒ ኺህሉ እዩ።—ራእይ 11:15።

ናብ ሓዳስ ዓለም ንምእታው ፍልጠት የድሊ። ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 2:3, 4፡ “[ኣምላኽ] ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ” ትብል። እዚ ሓቂ እዚ፡ ነቲ ቕዋም መንግስቲ ኣምላኽ ኪብሃል ዚከኣል፡ እዛ መንግስቲ እትምርሓሉ ሕግታትን ስርዓታትን ዚገልጽ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ የጠቓልል። ገለ ኻብኡ ድማ ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ይርከብ። (ማቴዎስ፡ ምዕራፍ 5-7) ነዘን ሰለስተ ምዕራፋት ከተንብበን ከለኻ፡ ኵሉ ሰብ ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ጥበብ ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕሎ፡ ህይወት ከመይ ከም እትመስል ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ፈትን።

መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዅሉ እተዘርግሐ መጽሓፍ ምዃኑ ኼገርመና ኣለዎ ድዩ፧ ኣይፋልን! ከመይሲ፡ ትምህርትታቱ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እዩ። ብብዝሒ ምዝርጋሑ ድማ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ሃገራትን ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባኡ ኺፈልጡን ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት ኪጥቀሙን ከም ዚደሊ ዜርኢ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማያት ብሕግታት ከም ዚመሓደር ይገልጽ

ንማሪታዊ እምነት ዜቃልዕ መጽሓፍ

ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሳይንስ ኤንድ ረሊጅን፡ “ጥንታውያን ሰባት፡ ዩኒቨርስ ብኣማልኽቲ ኸም ዚመሓደር እዮም ዚኣምኑ ነይሮም” ትብል። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ዩኒቨርስ ብግኡዛዊ ሕግታት ከም ዚመሓደር እዩ ዚገልጽ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር ብዛዕባ እቲ ‘ንሰማያትን ንምድርን ዜመሓድር ሕግታት’ (NW) ጠቒሱ ኣሎ። (እዮብ 38:33) ኣብ ኤርምያስ 31:35 እውን ብዛዕባ “ሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን” ጠቒሱ ኣሎ። እቶም ነዚ ሓቅታት እዚ እተቐበልዎ ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾን ማሪታዊ እምነትን ተዓቚቦም እዮም።—እዮብ 31:26-28፣ ኢሳይያስ 47:1, 13።

ብቕንዕና እተጻሕፈ መጽሓፍ

ሓደ ኻብቲ ተፈታዊ ባህርይ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ጕድለታቶም እውን ከይተረፈ ብቕንዕና ምጽሓፎም እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ እትብሃል ሰበይቲ ዝሙት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ፡ “ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ” ብምባል ብቕንዕና ተኣመነ። (መዝሙር 51:4) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ክልተ ግዜ ንመልኣኽ ኪሰግደሉ ኸም ዝፈተነ ተኣሚኑ እዩ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ከይትገብሮ! . . . ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ” በሎ። (ራእይ 19:10፣ 22:8,  9) እቲ ዜሕዝን፡ ካልኦት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቕንዕና ኣይነበሮምን። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕንዕና ምጽሓፎም፡ ካብቶም ጥንታውያን ጸሓፍቲ ፍሉያት እዩ ዚገብሮም።

ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣበርክቶ ዚገብር መጽሓፍ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽቡቕ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኺህልወና ዚሕግዝ ከም ድንጋጽን ይቕረ ምባልን ዝኣመሰለ ባህርያት ከነማዕብል የተባብዓና እዩ። ኤፌሶን 4:32፡ “ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ” ትብል።

ብመሰረት እቲ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ብማዮ ክሊኒክ እተዳለወ ጽሑፍ፡ “ንኻልኦት ይቕረ ዘይትብል እንተ ዄንካ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኢኻ እትጐድእ።” እታ ዓንቀጽ ቀጺላ፡ ይቕረ ምባል “ምስ ካልኦት ጥዑይ ርክብ፡ ዝያዳ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ጥዕና፡ መጠናዊ ጸቕጢ ደም፡ ሒደት ምልክታት ጭንቀት ከም ዚህልወካ ይገብር፣ ብዙሕ ጭንቀትን ወጥርን ጽልእን ከምኡ እውን ናይ ኣልኮልን ካልእ ነገራትን ወልፊ ኣይህልወካን” በለት።

ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ዚምልስ መጽሓፍ

ድቂ ወዲ ሰብ

ድቂ ወዲ ሰብ

ስነ ፍልጠት ንዅሉ ዓይነት ሕቶታት መልሲ ይህበሉ እዩ። ብዙሕ ፍልጠት ዚርከቦ እኳ እንተ ዀነ፡ ድሩትነት ግና ኣለዎ። ባዮተክኖሎጂ—ቼንጂንግ ላይፍ ስሩ ሳይንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሓካይምን ፈላስፋታትን፡ ስነ ፍልጠት ነቲ ብዛዕባ ስነ ምግባርን ሃይማኖትን ዚልዓል ሕቶታት ኪምልስ ከም ዘይክእል ይሰማምዑሉ እዮም” ብምባል ገለጸት።

  • ስነ ፍልጠት ብዛዕባ እቲ ንዩኒቨርስ ዜመሓድር ሕግታት ዚገልጽ ናይ ሕሳብ ቀመራት ኬቕርበልና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ዩኒቨርስ ኣብ ህላወ ዝመጸሉ ይኹን ልክዕ ብዝዀነ ሕግታት ዚመሓደረሉ ምኽንያት ኪገልጸልና ኣይክእልን እዩ።

  • ስነ ፍልጠት ኣካላት ምፍራይ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ኺገልጸልና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንጾታዊ ስነ ምግባር ዚምልከት ቅኑዕ ውሳነ ኽንገብር ኪሕግዘና ኣይክእልን እዩ።

  • ስነ ፍልጠት ድቂ ብኸመይ ከም ዚዓቢ ኺገልጸልና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ቕኑዕ ውሳነ ኽንገብር ኪሕግዘና ኣይክእልን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነዝን ንኻልእ ኣገደስቲ ሕቶታትን ይምልስ እዩ፣ በዚ ኸኣ “ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኸ[ነ]ስተውዕል” ይሕግዘና።—ምሳሌ 2:9።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ