ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp24 ቍ. 1 ገጽ 6-9
  • ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዜድልየና መምርሒ
  • ኣምላኽ ዝሃበና መምርሒ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ
  • ንስድራ ቤት ዚኸውን ተወሳኺ ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • ውሑስ መጻኢ ንምርካብ ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ቅኑዕን ጌጋን፦ ክትገብሮ ዘሎካ ውሳነ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
  • ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
    ንቕሑ!—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
wp24 ቍ. 1 ገጽ 6-9

ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ

ኣብ ስምዒትና ወይ ኣብ ስምዒት ካልኦት ሰባት ጥራይ እንተ ተመርኲስና፡ ቅኑዕ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ከም እንገብር ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ናይዚ ምኽንያት ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ ዜተኣማምን ስነ ምግባራዊ መምርሒ እውን ይህበና እዩ። እዚ ኸኣ ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ክንመርሕ የኽእለና እዩ።

ዜድልየና መምርሒ

የሆዋa ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ባዕሎም ኪምርሑ ዘይኰነስ፡ ካብኡ መምርሒ ኸም ዚደልዩ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ምግባራዊ መምርሒታት ኣስፊሩልና ዘሎ። ንደቂ ሰብ የፍቅሮም እዩ፣ ብሃሰሰ ለባም ዚግበር ውሳነታት ካብ ዜስዕቦ ሳዕቤናትን ካብ ጓህን ኪሰትሮም እውን ይደሊ እዩ። (ዘዳግም 5:29፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ብሉጽ ስነ ምግባራዊ ምኽሪ ንምሃብ ዜኽእል ጥበብን ፍልጠትን ኣለዎ። (መዝሙር 100:3፣ 104:24) ኰይኑ ግና፡ ብመለክዒታቱ ኽንመላለስ ኣይግድደናን እዩ።

የሆዋ ነቶም ኣዳምን ሄዋንን ዚብሃሉ ቐዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብሓቂ ሕጉሳት ንምዃን ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28, 29፣ 2:8, 15) ኪሕልውዎ ዚግባእ ቀሊል መምርሒታት እውን ሂብዎም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ መምርሒታት እዚ ንምስዓብ ወይ ንዘይምስዓብ፡ ባዕሎም ኪውስኑ እዩ ሓዲግዎም። (ዘፍጥረት 2:9, 16, 17) እቲ ዜሕዝን፡ ኣዳምን ሄዋንን ብመለክዒታት ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ብናታቶም መለክዒታት ኪመላለሱ ወሰኑ። (ዘፍጥረት 3:6) እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ደቂ ሰብ ባዕሎም ቅኑዕን ጌጋን ምስ ዚውስኑስ ሓጐስ ይረኽቡዶ፧ ኣይፋልን። ንመለክዒታት ኣምላኽ ዕሽሽ ምባል፡ ነባሪ ሰላምን ሓጐስን ከም ዘየምጽእ ብታሪኽ ተረጋጊጹ እዩ።—መክብብ 8:9።

መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ዓይነት ሰባት፡ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእል መምርሒ ይህብ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ “ንዅሎም ሰባት ዚኸውን መጽሓፍ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚገብር ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ “ቃል ኣምላኽ” ተባሂሉ ስለምንታይ ኪጽዋዕ ከም ዚግባእ ፍለጥ።—1 ተሰሎንቄ 2:13። ኣብ jw.org ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

ንዅሎም ሰባት ዚኸውን መጽሓፍ

ሓደ ጥበበኛን ፈቃርን ፈጣሪ፡ ስነ ምግባራዊ መምርሒኡ ናብ ኵሉ ኸም ዚባጻሕ ኪገብሮ ትጽቢት ንገብር ኢና። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ዚስዕብ ሓቅታት እስከ ንርአ፦

እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ። ብዝሒ እቲ ብወረቐትን ብዲጂታውን እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ።
  • 3,500+ ብዝሒ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከበሉ ቛንቋታት። እዚ ኸኣ ብብዝሒ እቲ እተተርጐመሉ ቛንቋታት ኣብ ቀዳማይ ቦታ ይሰርዖ።

  • 5,000,000,000+ ብዝሒ ሕታማት መጽሓፍ ቅዱስ። እዚ ድማ ብብዝሒ ዝርጋሐኡ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ይሰርዖ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ዓሌት፡ ህዝቢ፡ ነገድ፡ ወይ ባህሊ ኻብ ካልእ ልዕል ኣየብልን እዩ። ብሓቂ ንዅሎም ሰባት ዚኸውን መጽሓፍ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ኣብ jw.org ኣንብብ (ብልዕሊ 250 ቋንቋ ይርከብ)

ሓደ ሰብኣይ ብሓንቲ ኻብ ኣጻብዑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሱ እናኣመልከተ የንብብ።

ገሊኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይተኣማመኑሉ ስለምንታይ እዮም፧

ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ መምርሒ ኸም ዘይህብ ይኣምኑ እዮም። ምኽንያቶም ኪገልጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ተቓውሞታት የልዕሉ እዮም።

ተቓውሞ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ይጋጮ እዩ።”

ሓቂ፦ ኣብ ፈለማ ምስ ረኣኻዮ፡ ገሊኡ ኽፋላቱ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኺመስል ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባትን ብዛዕባ ታሪኻዊ ዀነ ባህላዊ ሓቅታትን ብዛዕባ ኣረኣእያ እቶም ጸሓፍትን ብዛዕባ ኻልእ ረቛሒታትን እንተ ፈሊጥካ ግና፡ ንሓድሕዱ ዚሳነ ዀይኑ ኢኻ እትረኽቦ።

ገለ ኣብነታት ንምርኣይ፡ ኣብ jw.org፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ኣሎዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ተቓውሞ፦ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ንስዕቦ ኢና ዚብሉ ሰባት ክፉእ ስለ ዚገብሩ፡ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ መምርሒ ኣይኰነናን እዩ።”

ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ሕማቕ ኣካይዳ እቶም ንትምህርትታቱ ዘይስዕቡ ሰባት ኪውቀስ የብሉን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ንስዕቦ ኢና ዚብሉ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣንጻር ትምህርትታቱ ኸም ዚገብሩ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። ብሰሮም ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኪጽረፍ’ ምዃኑ ኸኣ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ።—2 ጴጥሮስ 2:1, 2።

ካብቲ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘላገሱሉ ሓደ ኣብነት ጥራይ ንምርኣይ፡ ኣብ jw.org፡ “ሃይማኖት ዓብዪ ንግዲ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ተቓውሞ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ካልኦት ኣረኣእያ ኸም ዘይትጻወር እዩ ዚገብር።”

ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ሰባት ብኣኽብሮት ክንሕዝ እዩ ዜተባብዕ። ነዚ ዚስዕብ ነገራት ኣይድግፎን እዩ፦

  • ርእስና ኻብ ካልኦት ኣብሊጽና ምርኣይ።—ፊልጲ 2:3።

  • ካብ ናትና እተፈልየ መትከላት ወይ እምነታት ንዘለዎም ሰባት ዘይምኽባር።—1 ጴጥሮስ 2:17።

  • ካልኦት ከም ናትና ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዙ ምግዳድ።—ማቴዎስ 10:14።

ኣምላኽ ወትሩ ብለውሃትን ብፍትሕን ከም ዚሕዘና፡ ንዓና እውን ከምኡ ኽንገብር ከም ዚደልየና መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር።—ሮሜ 9:14።

ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org፡ “ተጻዋርነት—መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ኣምላኽ ዝሃበና መምርሒ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ

የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን፡ ብዛዕባ ጠቓምን ጐዳእን ዘለዎ ኣረኣእያ ኸነስተውዕል ይሕግዘና እዩ። (መዝሙር 19:7, 11) ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ክንገብር ዜኽእለና ግዜ ዘይሓልፎ ስርዓታት ንርከብ ኢና።

ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 13:20 ዚርከብ ምኽሪ እስከ ንርኣዮ። እታ ጥቕሲ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ” ትብል። እዚ ስርዓት እዚ፡ ጥንቲ ዀነ ሕጂ ብማዕረ ይዓዪ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብራውን ጠቓምን ስርዓታት ብብዝሒ ይርከብ እዩ።—“ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

እንተዀነ ግና፡ ‘ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ መምርሒ ሎሚ እውን ከም ዚዓዪ ብኸመይ ርግጸኛ ክኸውን እኽእል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እተወሰነ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ህይወት እስከ ንርአ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 2,000 ዓመት ይገብር እኳ እንተ ተዛዘመ፡ ሎሚ እውን ይዓዪ እዩ። መሰረታዊ ባህርይ ወዲ ሰብ ኣይተቐየረን። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ህይወትና ዕግበትን ሓጐስን ኢና እንደሊ። (መክብብ 1:9) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ ነዚ ሸቶ እዚ ኽንወቅዕ ይሕግዘና እዩ።

ቅንዕና

  • ‘ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር ንደሊ ኢና።’ —እብራውያን 13:18።

  • “እቲ ዚሰርቕ . . . ብኣእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ።”—ኤፌሶን 4:28።

ርክባት

  • “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24።

  • “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።”—ቈሎሴ 3:13።

ውሳነታት ምግባር

  • “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳሌ 14:15።

  • “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ።” —ምሳሌ 22:3።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ