ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp24 ቍ. 1 ገጽ 14-15
  • ቅኑዕን ጌጋን፦ ክትገብሮ ዘሎካ ውሳነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅኑዕን ጌጋን፦ ክትገብሮ ዘሎካ ውሳነ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህዝቢ የሆዋ፡ ጽድቂ ይፈትዉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ናይ መን መዐቀኒታት ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
  • ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ደግፍ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
wp24 ቍ. 1 ገጽ 14-15
ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጻት ዘሎ መንእሰይ ኣብ ጫፍ ከረን ኰይኑ ተሓጒሱ የማዕዱ።

ቅኑዕን ጌጋን፦ ክትገብሮ ዘሎካ ውሳነ

እቲ ኽንምርሓሉ እንሓርዮ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት፡ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ጽልዋ እዩ ዜሕድር። የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ይፈልጦ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ብመለክዒታቱ ኽንመላለስ ዚደልየና።

የሆዋ ሰላምን ሓጐስን ክንረክብ ይደልየና።

“እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ። ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን! ሽዑ፡ ሰላምካ ኸም ፈለግ ምዀነ፡ ጽድቅኻ ድማ ከም ማዕበላት ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።”—ኢሳይያስ 48:17, 18።

ኣምላኽ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ንዓና ዚሓይሽ ህይወት እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ምእንቲ ኽንጥቀም ኢሉ ኸኣ መምርሒኡ ኽንስዕብ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። ትእዛዛት ኣምላኽ ክንስዕብ ከለና፡ ውሳነና ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኣይንሰግእን ኢና። ወትሩ ናብ ሰላምን ሓጐስን ዚመርሕ ቅኑዕ ውሳነ ኢና እንውስን።

የሆዋ ዘይከኣል ነገር ክንገብር ኣይሓትተናን እዩ።

“እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዝሲ፡ ንዓኻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣይኰነን፡ ክትበጽሖ ዘይትኽእል እውን ኣይኰነን።”—ዘዳግም 30:11።

ብመለክዒታት ኣምላኽ ምምልላስ፡ ኣብ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ለውጢ ኽንገብር ይሓትት ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ኣይኰነን ዚሓትተና ዘሎ። ስለምንታይሲ፡ ፈጣሪና ብምዃኑ፡ ዓቕምና ይፈልጥ እዩ። ንየሆዋ እናፈለጥናዮ ምስ ከድና ኸኣ፡ ‘ትእዛዛቱ ኸቢድ ከም ዘይኰነ’ ንግንዘብ ኢና።—1 ዮሃንስ 5:3።

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሰበይቲ፡ በታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ገይረን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ይሕግዛኣ።

የሆዋ ነቶም ብመለክዒታቱ ኺመላለሱ ዚውስኑ ኸም ዚሕግዞም ቃል ኣትዩ ኣሎ።

“ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 41:13።

ኣምላኽ ኪሕግዘና ፍቓደኛ ስለ ዝዀነ፡ ስነ ምግባራዊ መለክዒታቱ ሓሊና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። ንሱ ኸኣ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይሕግዘና እዩ፣ ካብዚ እውን መተባብዕን ተስፋን ንረክብ ኢና።

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምልላሶም ህይወቶም ተመሓይሹ እዩ። እሞ ደኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ምኽሪ ስለምንታይ ዘይትምሃር፧ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ኣብ jw.org ብናጻ እትርከብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ብሮሹር ኣቢልካ ትምህርቲ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣብታ ብሮሹር እቲኣ፡ እዚ ዚስዕብ ትምህርትታት ይርከብ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘካ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ

  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧

ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምሮ ኸለኻ፡ ግዜ ኸም ዘይሓለፎ ኽትርኢ ኢኻ፣ የግዳስ፡ “ሕጅን ንዘለኣለምን ዜተኣማምን እዩ።” (መዝሙር 111:8) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት እንተ ስዒብና፡ ብሉጽ ህይወት ኢና እንመርሕ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ከምኡ ኽንገብር ኣይግድደናን እዩ። (ዘዳግም 30:19, 20፣ እያሱ 24:15) የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍና ብምርጫና እንገብሮ ውሳነ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ