ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ሰነ ገጽ 7
  • ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ደግፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ደግፍ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ የኽብሮ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣከዳድናናን ትርኢትናን ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ሰነ ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ደግፍ

የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ሰሪዑሎም እዩ። ንኣብነት፡ መውስቦ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ዚግበር ነባሪ ጥምረት ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። (ማቴ 19:4-6, 9) ንዅሉ ዓይነት ምንዝርና ድማ ይዅንኖ እዩ። (1ቈረ 6:9, 10) ብዘይካዚ፡ ንህዝቡ ኻብ ካልኦት ዚፈልዮም ንኣከዳድናን ንኣመለኻኽዓን ዚምልከት ስርዓታት ኣዳልዩሎም እዩ።—ዘዳ 22:5፣ 1ጢሞ 2:9, 10።

ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ይነጽግዎ እዮም። (ሮሜ 1:18-32) ኣከዳድናኦምን ኣመለኻኽዓኦምን ኣካይዳኦምን በቲ ብብዙሓት ቅቡል ዝዀነ ኣረኣእያ ኺጽሎ ይፈቕዱ እዮም። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኸቢድ ሓጢኣቶም ብግህዶ እዮም ዚፍጽምዎ፡ ነቶም ብስርዓታት ኣምላኽ ዚነብሩ ድማ ይነቕፍዎም።—1ጴጥ 4:3, 4።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀነና፡ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ብትብዓት ክንድግፎ ኣሎና። (ሮሜ 12:9) ብኸመይ፧ የሆዋ ዚቕበሎ ስነ ምግባራዊ ስርዓት እንታይ ምዃኑ ንሰባት ብሜላ ኸነፍልጦም ይግብኣና። ግናኸ፡ ንሕና እውን ኣብ ህይወትና ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክንዕቅብ የድልየና እዩ። ንኣብነት፡ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኣብ እንመርጸሉ እዋን፡ ‘ምርጫይ ስርዓታት የሆዋ ድዩ ዜንጸባርቕ ወይስ ስርዓታት ዓለም፧ ኣከዳድናይን ኣመለኻኽዓይን ከም ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ክርስትያን ድዩ ዜፍልጠኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ሓደ መደብ ክንርኢ ወይ ፊልም ክንርኢ ኣብ እንመርጸሉ እዋን፡ ‘የሆዋ ነዚ መደብ እዚ ይሰምሮ ድዩ፧ ናይ መን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዩ ዜጕልሕ፧ ንምዝንጋዕ ዝገብሮ ምርጫ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታተይ የዳኽሞ ድዩ፧ (መዝ 101:3) ንኣባላት ስድራ ቤተይ ወይ ንኻልኦት መዐንቀፊ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና።—1ቈረ 10:31-33።

ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ምድጋፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንኣህዛብን ንዅሉ እከይን ኬጥፍኦ እዩ። (ህዝ 9:4-7) እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ጥራይ ኪተርፉ እዮም። (1ዮሃ 2:15-17) ስለዚ እምበኣር፡ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ንተሓለቐሉ፡ ሰባት ድማ ነቲ ጽቡቕ ኣካይዳና ርእዮም ንኣምላኽ የሞግስዎ።—1ጴጥ 2:11, 12።

ሓንቲ ሰበይቲ ኽዳውንቲ ትመርጽ

ኣብ ኣከዳድናይን ኣብ ኣመለኻኽዓይን ዝገብሮ ምርጫ፡ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታተይ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ሓደ ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ብስርዓታት የሆዋ ኽትምራሕ ጥበብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ወለዲ ንውሉዳቶም ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኪምህርዎም ኪጅምሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

  • ሰባት ካብ ሕያውነት ኣምላኽ ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ሓደ ሰብ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዚብልካ እንታይ ኢልካ ምመለስካሉ፦

  • “ብዛዕባ ግብረ ሰዶም ዘሎካ ርእይቶ እንታይ እዩ፧”

  • “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዚህቦ ርእይቶ ጸቢብ ኣተሓሳስባ የንጸባርቕ።”

  • “ግብረ ሰዶም ዚገብሩ ሰባት ንዅነታቶም ኪቕይርዎ ኣይክእሉን እዮም፣ ከምኡ ዀይኖም እዮም ተወሊዶም።”

(yp1-E ምዕ. 23፣ yp2 ምዕ. 28)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ