ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ህዝቅኤል 6-10
ንድሕነት ዚኸውን ምልክት ኪግበረልካ ድዩ፧
እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ጥንታዊት የሩሳሌም ምስ ጠፍአት እዩ ፈለማ ተፈጺሙ። ዘመናዊ ፍጻመኡኸ እንታይ እዩ፧
እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ንየሱስ ክርስቶስ የመልክት
እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሰብኡት ነቲ የሱስ ዝመራሒኡ ሰማያዊ ሰራዊት የመልክቱ
እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ኣባጊዕ ኰይኖም ኣብ ዚፍረዱሉ እዋን እዩ ምልክት ዚግበረሎም