ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ምዕ. 28 ገጽ 231-236
  • ካብ ግብረ-ሶዶም ብኸመይ ክርሕቕ እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ግብረ-ሶዶም ብኸመይ ክርሕቕ እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንግብረ-ሶዶም ብኸመይ ይርእዮ፧
  • ኣይትተሓለል!
  • ግብረ ሶዶም ጌጋ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይብል፧
    ንቕሑ!—2016
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ምዕ. 28 ገጽ 231-236

ምዕራፍ 28

ካብ ግብረ-ሶዶም ብኸመይ ክርሕቕ እኽእል፧

“ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ንኻልኦት ኣወዳት ዚስምዓኒ ዝነበረ ስሕበት፡ ቃልሲ ዀይኑኒ ነይሩ። እዚ ሓሳባት እዚ ንቡር ዘይምዃኑ ውሽጠይ ይስምዓኒ ነይሩ።”—ኦለፍ

“ኣነን መሓዛይን ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ተሰዓዒምና ንፈልጥ ኢና። ኣወዳት እውን እፈቱ ብምንባረይ፡ ንኽልቲኡ ጾታ ትምኒት ዘሎኒ እንተ ዀይነ እሓስብ ነበርኩ።”—ሳራ

ግብረ-ሶዶም ካብ ቅድሚ 30 ወይ 40 ዓመት ንላዕሊ፡ ሕጂ ብግህዶ ይዝረበሉ ኸም ዘሎ ብዙሓት ዚኽሕድዎ ነገር ኣይኰነን። ኣብዚ ግዜና ነዚ ተግባር እዚ ኸም ዘይፈትውዎ ዚዛረቡ ሰባት፡ ኣደዳ ነቐፌታ እዮም ዝዀኑ። ኤሚ ዝስማ ጓል 16 ዓመት ጐርዞ፡ “ሓንቲ ጓል፡ ብዛዕባ ግብረ-ሶዶም ዘሎኒ ኣረኣእያ ምስ ኣቐዲምካ ምፍራድ ዚመዓራረ ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ንኻልኦት ዓሌት እውን ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ከም ዘሎኒ ነገረትኒ” በለት።

ሎሚ ፍኑው ኣረኣእያ ሰፊኑ ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት መንእሰያት ምስ ከም ናቶም ዓይነት ጾታ ዘለዎ ሰብ፡ ጾታዊ ርክብ ንኺፍትኑ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። በኪ ዝስማ ጓል 15 ዓመት ጐርዞ፡ ኣብ ቤት ትምህርታ ዚርከባ ብዙሓት ኣዋልድ ግብረ-ሶዶም ዚገብራ፡ ምስ ክልቲኡ ጾታ ስጋዊ ርክብ ዚገብራ፡ ወይ ምስ ክልቲኡ ጾታ ስጋዊ ርክብ ዚፍትና ምዃነን ከም ዚዛረባ ሓቢራ ኣላ። ክሪስታ ዝስማ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ እውን ኣብ ቤት ትምህርታ ተመሳሳሊ ዅነታት ከም ዘሎ ትሕብር። “ከም ሓቂ፡ ክልተ ደቂ ኽፍለይ ሕቶ ኣቕሪበናለይ እየን። ሓንቲ ኻባታተን ምስ ጓል ከመይ ከም ዝዀነ ኽፍትኖ እደሊ እንተ ዀይነ ወረቐት ጽሒፋ ሃበትኒ” በለት።

ኣብ መንጎ ሕደ ጾታ ዚህሉ ርክብ ብግልጺ ይዝረበሉ ብምህላዉ፡ ‘ግብረ-ሶዶም ክሳዕ ክንድቲ ኽፉእ ድዩ፧ ከም ናተይ ዓይነት ጾታ ናብ ዘለዎ ሰብ እንተ ተሳሒበኸ፧ ሶዶማዊ እየ ማለት ድዩ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣምላኽ ንግብረ-ሶዶም ብኸመይ ይርእዮ፧

ሎሚ ብዙሓት ሰባት፡ አረ ኣቕሽሽቲ እውን ከይተረፉ፡ ንግብረ-ሶዶም ኣይቃወምዎን እዮም። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዜማትእ ኣይኰነን። የሆዋ ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ፡ ጾታዊ ባህጊ ድማ ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኪፍጸም ዕላማ ገበረ። (ዘፍጥረት 1:27, 28፣ 2:24) መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ-ሶዶም ምዅናኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ሮሜ 1:26, 27

ገሊኦም ሰባት፡ ቃል ኣምላኽ ግዜኡ ዝሓለፎ ምዃኑ ይዛረቡ። ስለምንታይ ግን እዮም ተቐላጢፎም ከምኡ ዚብሉ፧ ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ናታቶም ዚጋጮ ስለ ዝዀነ ደዀን ይኸውን፧ ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚነጽግዎ፡ ካብቲ ኺኣምንዎ ዚደልዩ እተፈለየ ነገር ስለ ዚምህር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ግን ቄናን እዩ፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ድፉን ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ዚሓስብዎ ሓሳባት ከኣ ኽንጽሎ የብልናን!

እንተዀነ ግን፡ ከም ናትካ ዓይነት ጾታ ብዘለዎ ሰብ ትሰሓብ እንተ ዄንካኸ፧ ከምዚ እንተ ዀይኑ፡ ሶዶማዊ ኢኻ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ‘ኣዚኻ ብጹሕ’ ዘይምዃንካ ኣይትረስዕ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ዘይትደልዮ ጾታዊ ትምኒት ኺለዓለካ ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:36) ሓድሓደ ግዜ ኸም ናትካ ዓይነት ጾታ ብዘለዎ ሰብ እንተ ተሳሒብካ፡ ሶዶማዊ ምዃንካ ዚሕብር ከም ዘይኰነ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለታት መብዛሕትኡ እዋን ምስ ግዜ ይሃስስ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ካብ ግብረ-ሶዶም ርሓቕ። ብኸመይ፧

ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸሊ። ከምቲ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንየሆዋ ኸምዚ ኢልካ ለምኖ፦ “ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ፡ ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፡ ርኤ፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።” (መዝሙር 139:23, 24) የሆዋ በቲ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ” ሰላም ገይሩ ኼጽንዓካ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ‘ንልብኻን ሓሳብካን ኪሕልዎ፡’ በቲ ግጉይ ባህግኻ ተደሪኽካ ስጕምቲ ንኸይትወስድ ድማ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኺህበካ እዩ።—ፊልጲ 4: 6, 7፣ 2 ቈረንቶስ 4:7

ንኣእምሮኻ ብሃናጺ ሓሳባት ምልኣዮ። (ፊልጲ 4:8) መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። ነቲ ንኣእምሮኻን ንልብኻን ንምቕራጽ ዘለዎ ሓይሊ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። (እብራውያን 4:12) ጄሰን ዝስሙ መንእሰይ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ከም እኒ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10 ከምኡውን ኤፌሶን 5:3 ዝኣመሰለ ጥቕስታት፡ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩለይ እዩ። ግጉይ ትምኒታት ናብ ኣእምሮይ ኪመጸኒ ኸሎ፡ ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን አንብበን” በለ።

ካብ ስእለ-ጽዩፍን ፕሮፓጋንዳ ሶዶማውያንን ርሓቕ። (ቈሎሴ 3:5) ብዕሉግ ባህግታት ኬለዓዕለልካ ኻብ ዚኽእል ነገራት ርሓቕ። እዚ ኸኣ ስእለ-ጽዩፍን እተወሰነ መደባት ቲቪን ፊልምታትን ዜጠቓልል እዩ፣ ምናልባት እውን ነቲ ብግቡእ ዘይተኸድኑ ሰባት ዜርኢ ናይ ፋሽን ወይ ናይ ቅርጺ ኣካላት መጽሔታት ከተርሕቖ የድልየካ ይኸውን። ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኣወንታዊ ተክኣዮ። ሓደ ዀተቴ፡ “ግብረ-ሶዶማዊ ድፍኢት ኪስምዓኒ ኸሎ፡ ነቲ ዝፈትዎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ አስተንትነሉ” በለ።

ገሊኦም፡ ‘ንጾታዊ ትምኒትካ ስዓብ፡’ ‘እንታይነትካ ተቐበሎ’ ብምባል፡ ነዚ ዅሉ ኽትገብር ከም ዘየድልየካ ይዛረቡ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንሕማቕ ዝንባለታትካ ኸተሰንፎ ኸም እትኽእል እዩ ዚዛረብ! ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣቐዲሞም ግብረ-ሶዶም ዚገብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ተለዊጦም ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ይሕብረና። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ንስኻ እውን ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ጥራይ እትገብሮ ቓልሲ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ።

እቲ ምስ ሕደ ጾታ ዘሎካ ስሕበት ምጥፋእ እንተ ኣብዩካኸ፧ ኢድካ ኣይትሃብ! የሆዋ ንግብረ-ሶዶም ይዅንኖ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምኒቱ ዚቃለስ ሰብ ኪበጽሖ ዚኽእል ሸቶ እዩ ቐሪቡሉ ዘሎ፣ ብትምኒታቱ ተደሪኹ ስጕምቲ ንኸይወስድ ኪውስን ይኽእል እዩ።

ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ሰብ “ቍጡዕ” ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 29:22) ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ብቐሊሉ ይቝጣዕ ነይሩ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽናዑ ግን፡ ርእሱ ኺገትእ ከም ዜድልዮ ይፈልጥ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ድሕሪ ደጊም ካብ ውሽጡ ቝጥዓ ኺግንፍል ከም ዚደሊ ዀይኑ ኣይስምዖን ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ እንታይ ከም ዚብል ስለ ዚፈልጥ፡ በቲ ስምዒታቱ ንኸይስነፍ ኣበርቲዑ ይጽዕር።

ሓደ ኸም ናቱ ዓይነት ጾታ ንዝዀኑ ሰባት ስሕበት ዚስምዖ እሞ፡ ሕጂ ግን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ-ሶዶም ዚብሎ እተማህረ ሰብ እውን ተመሳሳሊ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞ። ሓሓሊፉ ዘይግቡእ ትምኒቱ ኪቕልቀሎ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንግብረ-ሶዶም ከምቲ የሆዋ ዚርእዮ ገይሩ ብምርኣይ፡ ነቲ ትምኒቱ ንኺቃለሶ ብርታዐ ኺረክብ ይኽእል እዩ።

ኣይትተሓለል!

ንኸም ናትካ ዓይነት ጾታ ዘሎካ ትምኒታት የሸግረካ እንተ ኣልዩ፡ ከምቲ ንሓደ መንእሰይ እተሰምዖ ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። እቲ መንእሰይ ከምዚ በለ፦ “ስምዒታተይ ንምልዋጥ ፈቲነ እየ። የሆዋ ሓገዝ ኪህበኒ ጸልየ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ እየ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዚምልከት መደረታት እውን ሰሚዐ እየ። ኰይኑ ግን፡ እንታይ ከም ዝገብር ሓርቢቱኒ እዩ ዘሎ።”

ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣሊኻ፡ ሓያል ቃልሲ ኣሎካ ማለት እዩ። ብቐሊሉ ኸተወግዶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ዋላ እውን ኣመና የጸግሞ ብዘየገድስ፡ ምስ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኪሰማማዕን ካብ ርኹስ ተግባራት ኪርሕቕን ኣለዎ። ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልብኻ እትገብሮ ቓልሲ ኸም ዚርድኦን ነቶም ዜገልግልዎ ኸም ዚርሕርሓሎምን ከቶ ኣይትረስዕ።a (1 ዮሃንስ 3:19, 20) ትእዛዛት ኣምላኽ እንተ ሓሊኻ፡ በረኸት ክትረክብ ኢኻ። እወ፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው፡ “ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።” (መዝሙር 19:11) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብዛ ብሽግር መሊኣ ዘላ ዓለም ብሉጽ ዓይነት ህይወት ኪህልወካ እዩ።

ስለዚ፡ ኣብ ኣምላኽ ተወከል፡ ምስ ግጉይ ትምኒታትካ ድማ ተቓለስ። (ገላትያ 6:9) ‘ንኽፍኣት ክትፍንፍኖን ኣብ ሰናይ ክትለግብን’ ጽዓር። (ሮሜ 12:9) ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጻዕሪ እንተ ጌርካ፡ እቲ ግጉይ ትምኒታትካ ኺንኪ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ካብ ግብረ-ሶዶም ብምርሓቕ፡ ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልወካ እዩ።

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎካ ስሕበት ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጾታዊ ርኽሰት ዝፈጸመ ክርስትያን፡ ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ሓገዝ ኪደሊ ኣለዎ።—ያእቆብ 5:14, 15

ቀንዲ ጥቕሲ

“ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፡ ርኤ።”—መዝሙር 139:23, 24

ምኽሪ

ብዛዕባ ስብእነት ጥዑይ ኣረኣእያ ንምምዕባል፡ ብዛዕባ የሱስ መጽናዕቲ ግበር። (1 ጴጥሮስ 2:21) ንሱ ስብእነትን ለውሃትን ኣጣሚሩ ዘንጸባረቐ ፍጹም ኣርኣያ እዩ።

ትፈልጥዶ፧

ንትምኒታትካ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ ንተግባራትካ ግን ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ግጉይ ትምኒታትካ ኸይትገብሮ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ።

መደባተይ

መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ-ሶዶም ዚዀንኖ ስለምንታይ ምዃኑ እንተ ተሓቲተ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢለ ኽምልስ እየ፦ ․․․․․

ሓደ ሰብ፡ ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ጸቢብ ምዃኑ እንተ ተዛሪቡ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ከረድኦ እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

● ኣምላኽ ንግብረ-ሶዶም ዘይፈትዎ ስለምንታይ እዩ፧

● ብመፈንጠራ ግብረ-ሶዶም ምእንቲ ኸይትተሓዝ እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል፧

● ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ግብረ-ሶዶም ዘለዎ ኣረኣእያ ምሓዝካ፡ ንሶዶማውያን ጽልኢ ኣሕዲርካ ማለት ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 236 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ቔናን ኣተሓሳስባ ዓለም ንኣተሓሳስባይ ጸልይዎ፡ ንጾታ ብዚምልከት ከኣ ከም ዝደናገር ገይሩኒ ነይሩ። ሕጂ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንግብረ-ሶዶም ዜተባብዕ ነገር ወይ ሰብ እርሕቕ እየ።’’—ኣና

[ኣብ ገጽ 233 ዘሎ ስእሊ]

ኵሎም መንእሰያት፡ ወይ ነቲ ዓለም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ዘለዋ ሕሱር ኣረኣእያ፡ ወይ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ናይ ምስዓብ ምርጫ ቐሪቡሎም ኣሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ