ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp21 ቍ. 3 ገጽ 12-14
  • ውሑስ መጻኢ ንምርካብ ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውሑስ መጻኢ ንምርካብ ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ብሉጽ ምንጪ ዚርከብ መምርሒ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ንቕሑ!—2017
  • ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናይ ሓቂ ትምህርትታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
wp21 ቍ. 3 ገጽ 12-14
ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ።

ውሑስ መጻኢ ንምርካብ ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎዶ፧

ኣብተን ዝሓለፋ ዓንቀጻት ከም ዝረኣናዮ፡ ሰባት ጽቡቕ መጻኢ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ ዕድል፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ሃብቲ ይኣምኑ ኸምኡ እውን ሕያዎት ንምዃን ይጽዕሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ነዚ ነገራት እዚ ምስዓብ ናብ ሓደ ቦታ ንምብጻሕ ኣብ ግጉይ ካርታ ኸም ምውካስ እዩ ዚሕሰብ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንመጻኢ ዚኸውን ዜተኣማምን መምርሒ የለን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን!

ካብ ብሉጽ ምንጪ ዚርከብ መምርሒ

ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻባና ብዕድመ ንዝዓበየን ዝሓሸ ጥበብ ንዘለዎን ሰብ ነማኽር ኢና። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንመጻኢና ዚኸውን መምርሒ ኻባና ብዕድመ ኻብ ዝዓበየን ዝሓሸ ጥበብ ካብ ዘለዎን፡ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ነዚ ምኽሪ እዚ በቲ ኣስታት 3500 ዓመት ይገብር ተጻሒፉ ብሓደ እተጠርነፈ ቕዱስ ዝዀነ ጽሑፋት ኣቢሉ እዩ ተዋሂቡና። እዚ ብሓደ እተጠርነፈ ቕዱስ ጽሑፋት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይብሃል።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ ምኽንያቱ፡ ደራሲ እዚ መጽሓፍ እዚ ኣብ ብዘላ ዩኒቨርስ እቲ ዝዓበየን ጥበበኛን ስለ ዝዀነ እዩ። ንሱ፡ “ጥንታዊ ዝመዓልቱን” “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ከም ዝዀነን ተገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 7:9፣ መዝሙር 90:2) “እቲ ፈጣሪ ሰማያት፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ንምድሪ ዝደኰና” ንሱ እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ብሕታዊ ስሙ ድማ የሆዋ ኸም ዝዀነ ነጊሩና እዩ።—መዝሙር 83:18።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝፈጠረ ፈጣሪ ዝመጸ ስለ ዝዀነ፡ ንሓደ ባህሊ ወይ ዓሌት ካብ ካልእ ባህሊ ወይ ዓሌት፡ ኣብሊጹ ኣይርእን እዩ። እቲ ምኽሩ ግዜ ዘይሓልፎን ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ዚጠቅምን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ ይርከብ፡ ብዝርጋሐ ድማ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስራዕ።a ስለዚ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘለዉ ሰባት፡ ብቐሊሉ ኺርድእዎን ብእኡ ይምርሑን እዮም። እዚ ሓቅታት እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ዚብሎ ዚሰማማዕ እዩ።

“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

ከምቲ ሓደ ሓላዪ ወላዲ ንደቁ መምርሒ ዚህቦም፡ እቲ ፈቃር ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እውን በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ መምርሒ ይህበና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ስለዚ፡ ንቓሉ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ፡ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ፈጢሩና እዩ፡ ንዓና ዝበለጸ መገዲ ህይወት ኣየናይ ምዃኑ ድማ ይፈልጥ እዩ።

ዜተኣማምን መምርሒ

ስእልታት፦ 1. ሓደ ሰብኣይ ብባቡር እናኸደ ኻብ ሞባይሉ የንብብ። 2. ኣብ ሞባይሉ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተኣማምን መምርሒ ኸም ዝሓዘ ኽንኣምን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር፡ እቲ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ኣብ ዓለም ዚፍጸም ነገራትን ባህርያት ሰባትን ብልክዕ ተነብዩ እዩ።

ፍጻመታት

“ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ኣብ በቦታኡ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪኸውን እዩ።”—ሉቃስ 21:10, 11።

ባህርያት

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡ . . . ኪዀኑ እዮም።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ዓመታት ይገብር እተነበዮ፡ ሎሚ ብልክዕ ኪፍጸም ከሎ ኽትርኢ ኸለኻ፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢኻ እትበጽሕ፧ ምስቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዚነብር ላውጅ ዝስሙ ሰብኣይ ዝበሎ ኸም እትሰማማዕ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት እዩ ተጻሒፉ። ነዚ ነገራት እዚ ብልክዕ ኪንበ ዚኽእል ሰብ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ እቲ ኻባና ኣዝዩ ዚበልጽ ኣካል እዩ ተጻሒፉ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመኡ ዝረኸበ ብኣማእታት ዚቝጸር ትንቢታት ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ።b እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ከም ዝዀነ የረጋግጽ እዩ። የሆዋ፡ “ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ከማይ ዝበለ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ . . . እነግር እየ” ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 46:9, 10) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚብሎ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ።

ንሕጅን ንመጻእን ዚጠቕመካ መምርሒ

ወለዲ ምስ ክልተ ደቆም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ተሓጕሶም ብእግሮም ይኸዱ።

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ ምስ እትስዕብ፡ ንርእስኻ ትጥቀም ኢኻ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ንገንዘብን ንስራሕን ዚምልከት ሚዛናዊ ኣረኣእያ

“ካብ ምሉእ ሕፍኒ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ።”—መክብብ 4:6።

ናብራ ስድራ ቤት

“ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:33።

ምስ ሰባት ዘሎካ ርክብ

“ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ፣ ሓሪቕካ እከይ ኣይትግበር።”—መዝሙር 37:8።

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ሕጂ ይጠቕመካ ንመጻኢ ኸኣ ብሩህ ተስፋ ኸም ዚህልወካ ይገብር እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ዜደንቕ መጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት ንረክብ ኢና። ገለ ኻብዚ እስከ ንርአ፦

ሰላምን ደሓንን

“ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:11።

ኵሉ ሰብ መንበርን ምግብን ይረክብ

“ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21።

ሕማም ወይ ሞት ኣይኪህሉን

“ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4።

ከምዚ ዝኣመሰለ መጻኢ ምእንቲ ኺህልወካ እንታይ ክትገብር የድልየካ፧ ነዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ርአ።

a ብዛዕባ ትርጉምን ዝርጋሐን መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናብ www.pr418.com እቶ፡ ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ታሪኽን መጽሓፍ ቅዱስን ርአ።

b ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዘ ባይብል ጎድስ ዎር ኦር ማንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ። ኣብ ኢንተርነት ኣብ www.pr418.com. እውን ትርከብ እያ። ኣብ ትሕቲ ቤተ መጻሕፍቲ > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ