ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • T-30 ገጽ 1-4
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
    ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
  • ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
    ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
    መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
T-30 ገጽ 1-4

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

እንታይ ይመስለካ፧

  • ሰብኣዊ ጥበብ ዝሓዘ መጽሓፍ

  • ጽውጽዋያትን ኣፈ ታሪኽን ዝሓዘ መጽሓፍ

  • ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ . . . እዩ።”​—2 ጢሞቴዎስ 3:16፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ነቲ ኣብ ህይወትካ እተልዕሎ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት፡ ዜዕግብ መልሲ ትረኽበሉ።​—ምሳሌ 2:1-5።

ንመዓልታዊ ህይወት ዚኸውን ዜተኣማምን መምርሒ ትረክብ።​—መዝሙር 119:105።

ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህልወካ።​—ሮሜ 15:4።

ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ሰብኣይን መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ፣ ኣባላት ሓንቲ ሕጕስቲ ስድራ ቤት ኣብ ደገ ይዘናግዑ

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብሰለስተ ምኽንያት።

  • ዜደንቕ ስኒት። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ 1,600 ዓመታት ብ40 እተፈላለዩ ሰባት እዩ ተጻሒፉ። መብዛሕትኦም ድማ ተራኺቦም እውን ኣይፈልጡን እዮም። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ፍረ ነገር ዝሓዘ ዀይኑ፡ ንሓድሕዱ ስኒት ኣለዎ።

  • ቅኑዕ ታሪኽ። ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ንስዕረት ህዝቦም ኪሸፋፍኑ እዮም ዚጓየዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውልቃዊ ጕድለታቶምን ብዛዕባ ጕድለት ህዝቦምን ብቕንዕና ጽሒፎም እዮም።—2 ዜና መዋእል 36:15, 16፣ መዝሙር 51:1-4።

  • ዜተኣማምን ትንቢት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥፍኣት ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን እተነበየ፡ ኣስታት 200 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ። (ኢሳይያስ 13:17-22) ብዛዕባ እቲ እትሰዓረሉ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ዚስዕራ ሰብ እውን ከይተረፈ እዩ ብትንቢት ተገሊጹ ነይሩ።—ኢሳይያስ 45:1-3።

    ካልእ ሓያሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ብዝርዝር ተፈጺሙ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ደይኰንናን እንጽበ፧—2 ጴጥሮስ 1:21።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ኣቦን ኣደን ወድን ጓልን

ቃል ኣምላኽ ንህይወትካ ኼመሓይሾ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ኢሳይያስ 48:17, 18፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ይምልሳ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ