ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • T-34 ገጽ 1-4
  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
    ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
  • ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
    ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
    ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
ዝያዳ ርአ
መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
T-34 ገጽ 1-4

መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—ራእይ 21:3, 4፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ንጸገማትና፡ ኣምላኽ ከም ዘየምጽኦ የረጋግጸልካ።​—ያእቆብ 1:13።

መከራ ኺወርደና ኸሎ፡ ኣምላኽ ከም ዚስምዖ ምፍላጥካ የጸናንዓካ።​—ዘካርያስ 2:8።

ኵሉ መከራ ኸም ዜብቅዕ ተስፋ ይህልወካ።​—መዝሙር 37:9-11።

ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣንበበ፡ መከራን ግፍዕን ብዛዕባ ዜኽትመሉ እዋን ይሓስብ

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።

  • ኣምላኽ፡ መከራን ግፍዕን ይጸልእ እዩ። እቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ኪግፍዑ ኸለዉ፡ የሆዋ ኸመይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ‘ብዛዕባ እቶም ዝገፍዕዎም’ ከም ዝጓሃየ ይገልጽ እዩ።​—መሳፍንቲ 2:18።

    ኣምላኽ ነቶም ንኻልኦት ዚጐድኡ ሰባት ይጸልኦም እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነተን “ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው” ከም ዚፍንፍነን ይገልጽ እዩ።​—ምሳሌ 6:16, 17።

  • ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይሓልየልና እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ቍስሉን ስቓዩን ይፈልጥ እዩ።” የሆዋ እውን ነዚ ይፈልጦ እዩ።​—2 ዜና መዋእል 6:29, 30።

    የሆዋ በታ መንግስቱ ኣቢሉ ንመከራ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዜኽትም ኪገብሮ እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነቶም ብቕንዕና ዚደልይዎ ሰባት ብለውሃት የጸናንዖም እዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 17:27፣ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ክልተ ኣንስቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዓ

ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ሮሜ 5:12፣ 2 ጴጥሮስ 3:9 ይምልሳ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ