ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • T-33 ገጽ 1-4
  • ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
  • ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
    ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
    ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
    መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
ዝያዳ ርአ
ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
T-33 ገጽ 1-4

ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧

መን ይመስለካ፧

  • ኣምላኽ

  • ሰባት

  • ካልእ ኣካል

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”​—1 ዮሃንስ 5:19፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

“ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ እዩ እተጋህደ።”​—1 ዮሃንስ 3:8።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ጠንቂ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት መን ምዃኑ ትርዳእ።​—ራእይ 12:12።

ዓለምና ኽትመሓየሽ ምዃና ኽትኣምን መርትዖ ትረክብ።​—1 ዮሃንስ 2:17።

ሰይጣን ንፖለቲካን ንውትህድርናን ንሃይማኖታትን ንሰባትን ይቈጻጸር

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብሰለስተ ምኽንያት።

  • ግዝኣት ሰይጣን ኪጠፍእ እዩ። የሆዋ ነቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚገብሮ ዘሎ ቝጽጽር መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ንዅሉ እቲ ሰይጣን ዜምጽኦ ጕድኣት ምሉእ ብምሉእ ብምልጋስ ‘ንድያብሎስ ከም ዚስዕሮ’ ኣተስፍዩ እዩ።​—እብራውያን 2:14።

  • ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኪገዝኣ መሪጽዎ እዩ። የሱስ ካብቲ ጨካንን ስሱዕን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ፈጺሙ እተፈልየ እዩ። ንሱ ምስ ነገሰ፡ “ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ . . . ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም” ምዃኑ፡ ኣምላኽ ኣተስፍዩ ኣሎ።​—መዝሙር 72:13, 14።

  • ኣምላኽ ኣይሕሱን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ፡ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኸም ዘይክእል’ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 6:18) እቲ የሆዋ ኺገብሮ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ከይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።”​—ዮሃንስ 12:31።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ኣባላት ሓንቲ ሕጕስቲ ስድራ ቤት ኣብ ደገ ይዘናግዑ

ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ኣልገሰ፡ ዓለም ከመይ ክትመስል እያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ መዝሙር 37:10, 11፣ ራእይ 21:3, 4 ይምልሳ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ