ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
መን ይመስለካ፧
ኣምላኽ
ሰባት
ካልእ ኣካል
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃንስ 5:19፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።
“ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ እዩ እተጋህደ።”—1 ዮሃንስ 3:8።
እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧
ጠንቂ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት መን ምዃኑ ትርዳእ።—ራእይ 12:12።
ዓለምና ኽትመሓየሽ ምዃና ኽትኣምን መርትዖ ትረክብ።—1 ዮሃንስ 2:17።
ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧
እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብሰለስተ ምኽንያት።
ግዝኣት ሰይጣን ኪጠፍእ እዩ። የሆዋ ነቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚገብሮ ዘሎ ቝጽጽር መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ንዅሉ እቲ ሰይጣን ዜምጽኦ ጕድኣት ምሉእ ብምሉእ ብምልጋስ ‘ንድያብሎስ ከም ዚስዕሮ’ ኣተስፍዩ እዩ።—እብራውያን 2:14።
ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኪገዝኣ መሪጽዎ እዩ። የሱስ ካብቲ ጨካንን ስሱዕን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ፈጺሙ እተፈልየ እዩ። ንሱ ምስ ነገሰ፡ “ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ . . . ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም” ምዃኑ፡ ኣምላኽ ኣተስፍዩ ኣሎ።—መዝሙር 72:13, 14።
ኣምላኽ ኣይሕሱን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ፡ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኸም ዘይክእል’ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 6:18) እቲ የሆዋ ኺገብሮ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ከይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።”—ዮሃንስ 12:31።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦
ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ኣልገሰ፡ ዓለም ከመይ ክትመስል እያ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ መዝሙር 37:10, 11፣ ራእይ 21:3, 4 ይምልሳ እዩ።