ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 3 ገጽ 3
  • ካብ ጥንቲ ንዝጸንሐ ዕንቅፋት ምስጋሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ጥንቲ ንዝጸንሐ ዕንቅፋት ምስጋሩ
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2016
  • ብ500 ቛንቋታት ዚዝርጋሕ ብስራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • እቲ ህያው ቋንቋታት “ዝዛረብ” መጽሓፍ
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
  • “ካብ ኵሉ ቛንቋታት” እተዋጽኡ ህዝቢ ነቲ ብስራት ይሰምዑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 3 ገጽ 3
እተፈላለየ ዓሌታትን ድሕረ ባይታን ዘለዎም ሰባት

ገበር | ቋንቋ ዚፈጥሮ ዕንቅፋት ምስጋሩ

ካብ ጥንቲ ንዝጸንሐ ዕንቅፋት ምስጋሩ

ብዝሒ እቲ ኣብ ዓለምና ዚዝረብ 7,000 ኣቢሉ ዚኸውን ቋንቋታት፡ ኣብ ጕዕዞን ንግድን ትምህርትን ምምሕዳርን ዕንቅፋት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። እዚ ዕንቅፋት እዚ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝጸንሐ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 475 ቅ.ክ. ኣብ እዋን ግዝኣት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ (ዘርክሲስ ቀዳማይ ኪኸውን ዚኽእል፡) ፋርሳውያን ኣብ መላእ እቲ ግዝኣት፡ ማለት “ካብ ህንዲ ኽሳብ ኢትዮጵያ 127 ኣውራጃ፡ ነናብ ኣውራጃ በብስርዓት ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ኸኣ በብቛንቋኡ” ወግዓዊ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ።a

ሎሚ ዘለዋ መብዛሕትአን ውድባትን መንግስትታትን፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ዕዮ ኺገብራ ኣይፍትናን እየን። ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ምፍጻም እተዓወተት ሓንቲ ውድብ ግና ኣላ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽሔታት፡ ናይ ድምጽን ቪድዮን ቅዳሓት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ እውን ካልእ ሓያሎ መጻሕፍቲ ብጠቕላላ ብልዕሊ 750 ቋንቋ ይሓትሙ እዮም። እዚ ን80 ኣቢሉ ዚኸውን ቋንቋ ምልክት ዘጠቓለለ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዓይነ ስዉራን ዚኸውን እተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ብረይል እውን የዳልዉ እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ጻዕርታቶም ገንዘባዊ ረብሓ ኺረኽቡ ኣይፍትኑን እዮም። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ተርጐምቶምን ካልኦት ኣባላቶምን ብወለንታ እዮም ዚዓይዩ። ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ንምትርጓም ክንድዚ ዚኣክል ጻዕሪ ዚገብሩ ግና ስለምንታይ እዮም፧ ነዚኸ ብኸመይ እዮም ዚገብርዎ፧

a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣስቴር 8:9 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ