ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 3 ገጽ 10-11
  • ንጸገማት ብኸመይ ከም እትመያየጠሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጸገማት ብኸመይ ከም እትመያየጠሉ
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ከመይ ጌርካ ሞሳኻ ኸም እትገልጽ
    ንቕሑ!—2017
  • ኣቱም ሰብኡት፡ ኣብ ቤትኩም ቅሳነት ኣስፍኑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርኢ
    ንቕሑ!—2016
  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር
    ንቕሑ!—2015
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 3 ገጽ 10-11
ሓደ ብዓል ቤት ንብዓልቲ ቤቱ ይሰምዓ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ንጸገማት ብኸመይ ከም እትመያየጠሉ

ጸገም

ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ ሓደ ጸገም ክትመያየጡ ኸለኹም፡ ኣብ መወዳእታ ምይይጥኩም ብሓሳብ ዝያዳ እተረሓሓቕኩም ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ደኣ ዀይኑ ነቲ ዅነታት ከተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ግና፡ ሰብኡትን ኣንስትን ሓሳቦም ብዛዕባ ዚገልጹሉ እተፈላለየ ኣገባብ ክትፈልጦ ዘሎካ ሒደት ነገራት ኣሎ።a

ክትፈልጦ ዘሎካ

ሓደ ሰብኣይ ጸገም ዚፈትሓሉ መገድታት ይሓስብ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ብዛዕባ እቲ ጸገም እትዛረበሉ መገድታት ትሓስብ

ኣንስቲ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ጸገም ዚኸውን መፍትሒ ቕድሚ ምስማዐን ብዛዕባ እቲ ጸገም ኪዘራረባ እየን ዚመርጻ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዚደልያኦ ፍታሕ ብዛዕባ እቲ ጸገም ምዝራብ ጥራይ እዩ።

“ነቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ስምዒት ንብዓል ቤተይ ምስ ገለጽኩሉን ንሱ ኸም እተረድኣኒ ምስ ፈለጥኩን ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ፍዅስ ይብለኒ።”—ሲርጳ።b

“ንብዓል ቤተይ ስምዒተይ ክገልጸሉ ዕድል እንተ ዘይረኺበ፡ ነቲ ጸገም ክርስዖ ኣይክእልን እየ። ብዛዕባ ጸገመይ እንተ ተዛሪበ ግና ድሕሪኡ ፈጺመ ኣይርበሽን እየ።”—ኤ-ጂን።

“ክዛረብ ከለኹ፡ ልክዕ ከም ሓደ መርማሪ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ እቲ ሽግር እትንትኖን ሱር እቲ ጸገም ክርዳእ እጽዕርን እየ።”—ሉርደስ።

ሰብኡት ኣብ መፍትሒ እቲ ጸገም እዮም ዜተኵሩ። እዚ ርዱእ እዩ፣ ከመይሲ፡ ሰብኣይ ንጸገማት ኪፈትሕ ከሎ፡ ዝጠቐመ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ። መፍትሒ ምሃብ፡ ንሰበይቱ ኣብኡ ኽትውከል ከም እትኽእል ዜርእየሉ መገዲ እዩ። ስለዚ፡ ሰብኡት እቲ ዚህብዎ መፍትሒ ሽዑ ንሽዑ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ ይድንጽዎም እዩ። ኪርክ ዚብሃል ብዓል ሓዳር፡ “ሓደ ሰብ መፍትሒ ዘይደሊ ኽነሱ ብዛዕባ ሓደ ጸገም ኪዘራረብ ዚደሊ ንምንታይ ምዃኑ ኣይርድኣንን እዩ!” በለ።

እታ ዘ ሰቨን ፕሪንስፕልስ ፎር ሜኪንግ ሜሬጅ ዎርክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ምኽሪ ቕድሚ ምሃብካ ነቲ ጸገም ክትርድኦ ኣሎካ” ብምባል ተጠንቅቕ። ቀጺላ ድማ፡ “መፍትሒ ዚኸውን ሓሳብ ቅድሚ ምሃብካ፡ ንመጻምድትኻ፡ እቲ ዘለዎ መዋጥር ምሉእ ብምሉእ ከም እትርድኦ ኽትነግሮን ድንጋጸኻ ኸተርእዮን ኣሎካ። መብዛሕትኡ እዋን፡ መጻምድትኻ ጽን ኢልካ ኽትሰምዖ ጥራይ ደኣ እምበር መፍትሒ ኽትነግሮ ኣይኰነን ዚደሊ” በለት።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንሰብኡት፦ ንብዓልቲ ቤትካ ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕን ስምዒታ ናይ ምርዳእን ልምዲ ኣማዕብል። ቶማስ ዝስሙ ብዓል ሓዳር፡ “ሓድሓደ ግዜ ጽን ኢለ ኽሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ‘ምስማዕ ጥራይ ዋላ ሓንቲ ፋይዳ የብሉን’ ኢለ እሓስብ። መብዛሕትኡ ግዜ ንብዓልቲ ቤተይ ዜድልያ ግና ሰማዒት እዝኒ ጥራይ እዩ” በለ። ስቲቨን ዝስሙ ብዓል ሓዳር እውን ምስዚ ብምስምማዕ፡ “ብዓልቲ ቤተይ ሓሳባታ ኽትገልጽ ከላ ዘይምዅላፍ ዝሓሸ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዘረባኣ ምስ ወድአት ጽቡቕ ከም እተሰምዓ እያ እትነግረኒ” በለ።

ነዚ ፈትኖ፦ ምስ ብዓልቲ ቤትካ ብዛዕባ ጸገማትኩም ኣብ እትዘራረቡሉ እዋን ከይተሓተትካ መፍትሒ ኻብ ምሃብ ተቘጠብ። ናብኣ እናጠመትካ ነቲ እትብለካ ነገራት ጽን ኢልካ ስማዕ። ከም እተሰማማዕካሉ ንምርኣይ ርእስኻ ነቕንቕ። እቲ ነጥቢ ኸም እተረድኣካ ንምርኣይ ድማ ንፍረ ነገር እቲ ንሳ እትብሎ ነገራት ድገሞ። ቻርለስ ዝስሙ ብዓል ሓዳር፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ብዓልቲ ቤተይ ከም እተረዳእክዋን ኣብ ጐድና ኸም ዘለኹን ጥራይ እያ ኽትፈልጥ እትደሊ” በለ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 1:19።

ንኣንስቲ፦ ንብዓል ቤትኪ፡ እንታይ ኪገብረልኪ ኸም እትደልዪ ንገርዮ። ኢለኒ ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “መጻምድትና፡ ዜድልየና ኸም ዚፈልጥ ጌርና ንሓስብ ንኸውን፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ብንጹር ክንነግሮ ኣሎና” በለት። ኢነስ ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር ከኣ፦ “ንብዓል ቤተይ፡ ‘ገለ ዘተሓሳስበኒ ጕዳይ ስለ ዘሎ፡ ክትሰምዓኒ ደልየ ነይረ። መፍትሒ ኽትነግረኒ ዘይኰነስ፡ ስምዒተይ ክትርድኣለይ እየ ደልየካ’ ኽብሎ እኽእል እየ” በለት።

ነዚ ፈትንዮ፦ ብዓል ቤትኪ ቐልጢፉ መፍትሒ ናብ ምሃብ ዚጐዪ እንተ ዀይኑ፡ ስምዒትኪ ኸም ዘይርድኣልኪ ጌርኪ ኣይትደምድሚ። ከምኡ ዚገብረሉ ምኽንያት ኪሕግዘኪ ኻብ ዘለዎ ድሌት እተላዕለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኤስተር ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ኣብ ክንዲ ዝቝጣዕ፡ ብዓል ቤተይ ከም ዚሓልየለይን ኪሰምዓኒ ኸም ዚደልን፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ኪሕግዘኒ ኸም ዚደሊ እግንዘብ እየ” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 12:10።

ንሰብኡትን ንኣንስትን፦ ንኻልኦት ከምቲ ንዓና ኺሕዙና እንደልዮም ጌርና ኽንሕዞም ኢና እንደሊ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ጸገማት ብውጽኢታዊ መገዲ ንምዝርራብ፡ መጻምድትኻ ብኸመይ ኪትሓዝ ከም ዚደሊ እውን ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ። (1 ቈረንቶስ 10:24) ሚገል ዝስሙ ብዓል ሓዳር፡ “ሰብኣይ ንምስማዕ ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ። ሰበይቲ ድማ ሓድሓደ ግዜ መፍትሒ ንምስማዕ ፍቓደኛ ኽትከውን ኣለዋ። መጻምድቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕድገታት ኪገብሩ ፍቓደኛታት ምስ ዝዀኑ፡ ክልቲኦም እዮም ዚጥቀሙ” በለ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጴጥሮስ 3:8።

a እቲ ኣብዚ እንገልጾ ባህርያት፡ ኣብ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ከይዓዪ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ንዝዀነ ይኹን ብዓል ሓዳር ንመጻምድቱ ኺርዳኣሉን ብዝሓሸ መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጥን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።

b ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ኹን።’—ያእቆብ 1:19።

  • “ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።”—ሮሜ 12:10።

  • ‘ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትደናገጹ ኹኑ።’—1 ጴጥሮስ 3:8።

ግዜኡ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!” ይብል። (ምሳሌ 15:23) ርግጽ እዩ፡ ብኣንጻሩ እንተ ዀይኑ ሕማቕ ውጽኢት እዩ ዘለዎ።

“ኣብ ዘይግዜኡ እተዘርበ ቓል፡ ናብ ዘይምስምማዕ እዩ ዚመርሕ።”—ሲርጳ።

“ሓዴኹም ጠምዩ ወይ ደኺሙ ኸሎ ብዛዕባ ኸቢድ ጕዳይ ክትዘራረብ የብልካን።”—ጁልያ።

“ሓደ እዋን፡ ብዓል ቤተይ ናብ ገዛ እትው ምስ በለ ኣትሒዘ ብዛዕባ ዘጕሃየኒ ነገራት ክዛረቦ ጀመርኩ። ኣብ መንጎ ሕስብ እንተ ኣበልኩዎ ግና፡ ማዕረ ኽንደይ ቅጭ ከም ዘምጻእኩሉን ዓቕሉ ኸም ዘጽበብኩሉን ተገንዘብኩ። ድሕሪ ድራር ክቕጽለሉ ምዃነይ ድማ ነገርክዎ፣ ንሱ እውን ኣመስገነኒ። ጸኒሕና ዕላልና ኣብ ዝቐጸልናሉ እዋን፡ ክልቴና ለዚብናን ሃዲእናን ኢና ኔርና።”—ሉርደስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ