ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 1 ገጽ 14-15
  • ከመይ ጌርካ ሞሳኻ ኸም እትገልጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከመይ ጌርካ ሞሳኻ ኸም እትገልጽ
  • ንቕሑ!—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ምትዕራቕ ዝሓሸ ድዩ፧
    ንቕሑ!—2000
  • 3 ኣኽብሮት
    ንቕሑ!—2018
  • ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ
    ንቕሑ!—2013
  • ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 1 ገጽ 14-15
ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዕምባባታት ኪህባ ይዳሎ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ከመይ ጌርካ ሞሳኻ ኸም እትገልጽ

ጸገም

ሞሳኻ ምግላጽ ንዕዉት ሓዳር ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ግና ኣሽምባይዶ ሞሳኦም ኪገልጹስ፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርይ መጻምድቶም እኳ ኣየስተብህሉሉን እዮም። ሓደ ኣማኻሪ ሰብ ሓዳር ኣብ ሓንቲ ኢሞሽናል ኢንፊደሊቲ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቶም ምኽሩ ደልዮም ዚመጹ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ብዛዕባ እቲ [ኣብ ሓዳሮም] ዝረኸብዎ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘይረኸብዎ ነገር እዮም ዚጭነቑ። ኣብ ቤት ጽሕፈተይ መጺኦም፡ ኣብ ህይወቶም እንታይ ኪቕጽል ከም ዚደልዩ ዘይኰነስ፡ እንታይ ኪልወጥ ከም ዚደልዩ እዮም ዚነግሩኒ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ነፍሲ ወከፎም ሞሳኦም ብምግላጽ ፍቕሪ ኣየርእዩን እዮም።”

ንስኻን መጻምድትኻን ካብዚ መፈንጠራ እዚ ኸመይ ጌርኩም ከተምልጡ ትኽእሉ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

መግለጺ ሞሳ ኣብ ሓዳር ንዜጋጥም ውጥረት ይንኪ። ሰብኣይን ሰበይትን ንጽቡቕ ባህርያት ሓድሕዶም ዜስተብህሉሉን ዚንኣኣዱን እንተ ዀይኖም፡ ርክቦም ይመሓየሽ እዩ። ተፈጢሩ ዝነበረ ኸቢድ ውጥረት እውን ከይተረፈ ኺፈኵስ ይኽእል እዩ።

ንኣንስቲ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ኢሞሽናል ኢንፊደሊቲ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብዙሓት ኣንስቲ ነቲ ሰብኡት ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ንምምላእ ዚጾርዎ ብርቱዕ ጸቕጢ ኣየስተብህላሉን እየን” ትብል። ሰብኣይን ሰበይትን ስራሕ ዚወፍሩ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ እቲ ጸቕጢ እቲ ኣብ ክልቲኦም ኣሎ።

ንሰብኡት። መብዛሕትኡ ግዜ ሰብኡት ነቲ ኣንስቶም ስድራ ቤተን ንምሕጋዝ ዚገብራኦ ጻዕሪ የስተናዕቕዎ እዮም፣ ንኣብነት ነቲ ወፊረን ዚሰርሓኦ ስራሕ፡ ነቲ ቘልዑ ንምዕባይ ዚገብራኦ ጻዕሪ፡ ወይ ነቲ ኣብ ቤት ዚዓይያኦ ዕዮ ኣቕሊሎም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ሓዳር ዳርጋ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ፊዮናa እትብሃል ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ኵላትና ንጋገ ኢና፡ ክጋገ ከለኹ ኸኣ ኣመና እዩ ሕማቕ ዚስምዓኒ። ብዓል ቤተይ ስለቲ ዝገበርክዎ ገለ ጽቡቕ ነገር፡ ንኣብነት ዕዮ ገዛ ብምዕያየይ ኬመስግነኒ ኸሎ፡ ምስ ድኽመታተይ ከም ዜፍቅረኒ እግንዘብ። ዚድግፈኒ ኸም ዘሎኒ እርኢ፡ ብዛዕባ ርእሰይ ድማ ጽቡቕ ይስምዓኒ” ትብል።

ብኣንጻሩ ግና፡ ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ዘይንኣኣዱ እንተ ዀይኖም፡ ሓዳሮም ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ቫለሪ ዚስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “መጻምድትኻ ዘይንእደካ እንተ ዀይኑ፡ ናብ ካልእ ዚንእደካ ሰብ ክትሰሓብ ቀሊል እዩ” ትብል።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኣስተብህል። ኣብ ዚቕጽል ሰሙን፡ ንገለ ኻብቲ መጻምድትኻ ዘለዎ ጽቡቕ ባህርያት ኣስተብህለሉ። ቅድሚ ሕጂ ዘይተስብህለሉ ዝነበርካ ምእንቲ ስድራ ቤትኩም ኢሉ ዚገብሮ ዚጠቅም ነገራት ኣለሊ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን፡ ዝርዝር እቲ (1) መጻምድትኻ ዘለዎ እትፈትዎ ባህርያት፡ (2) ንስድራ ቤትኩም ዚገብሮ ዚጠቅም ነገራት ጸሓፍ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 4:8።

ኣስተብሃሊ ምዃን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኤሪካ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ካብ እትምርዖ ገለ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ ንመጻምድትኻ ኸም ትሑዝ ጌርካ ኢኻ እትርእዮ። ንጽቡቑ ኣይተስተብህለሉን፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ጕድለቱ ተተኵር” ትብል።

እምበኣር፡ ‘ነቲ መጻምድተይ ዚገብሮ ጻዕሪ ኸም ትሑዝ ገይረ እርእዮ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ንኣብነት፡ ሰብኣይ ኣብ ገዛ እተሰብረ ነገራት ዚጽግን እንተ ዀይኑ፡ እታ ሰበይቲ፡ ‘ነዚ ስራሓት ምስራሕ ግቡኡ ስለ ዝዀነ፡ ከየመስገንክዎ እተርፍ ድየ፧’ ኢላ ንርእሳ ኽትሓትት ትኽእል እያ። ሰብኣይ እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ‘ሰበይተይ ቈልዓ ኸተዓቢ ትጽቢት ስለ ዚግበረላ፡ ንጻዕርታታ ናእዳ ዘይግብኣ ዀይኑዶ ይስምዓኒ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ነቲ መጻምድትኻ ንጥቕሚ ስድራ ቤትኩም ኢሉ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ፡—ንንእሽቶ ዀነ ዓብዪ ተግባር፡—ኣስተብሂልካ ኸተመስግነሉ ሸቶ ግበር።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 12:10።

ኣዘውቲርካ ንኣድ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣመስገንቲ . . . ኩኑ” ይብለና እዩ። (ቈሎሴ 3:15) ስለዚ፡ ምምስጋን ልማድና ኽንገብሮ ንጽዓር። ጄምስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ሰበይተይ ንዝገብሮ ነገራት ከተመስግነኒ ኸላ፡ ብዝያዳ ኽዓዪ፡ ዝሓሽኩ ሰብኣይ ክኸውን፡ ነቲ ኣብ ሓዳረይ ዝገብሮ ጻዕሪ ኸዛይዶ ይድርኸኒ እዩ” ይብል።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 4:6።

ንሓድሕዶም ዚንኣኣዱ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንርክቦም የድልድልዎ እዮም። ማይክል ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ሰብ ሓዳር ኣብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዚፈትውዎ ነገራት እንተ ዜተኵሩ ነይሮም፡ ብዙሕ ሓዳር ኣይምፈረሰን ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ጽቡቕ ነገር ወትሩ ስለ ዚዝክሩ፡ ጸገማት ኪልዓል ከሎ፡ ተጓይዮም ሓዳሮም ኣይብቱንን እዮም” ይብል።

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ዚንኣድ ዘበለ ብቐጻሊ ሕሰቡ።” —ፊልጲ 4:8።

  • “ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ተበግሶ ውሰዱ።”—ሮሜ 12:10፡ እግረ ጽሑፍ።

  • “ዘረባኹም . . . ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”—ቈሎሴ 4:6።

ኤታንን ቲያን

ቲያን ኤታንን

“ኣብ መዓልታዊ ህይወት ንኣካላውን ንስምዒታውን ሓይልኻ ዚጽንቅቕ ብድሆታት መሊኡ ኣሎ። ቲያ ግና ነቲ ኸም ሰብኣይ መጠን ዝገብሮ ጻዕርታት ወትሩ ኸም እተማስወሉ ትነግርኒ እያ። ቃላት ሞሳኣ ድማ ንሓይለይ ይሕድሶ እዩ።”

“ብስምዒታዊ መዳይ ኣድካሚ ዝዀነ ስራሕ እየ ኽሰርሕ ዝውዕል። ኤታን ብዅሉ እቲ ዝገብሮ ኸም ዚሕበን ኪነግረኒ ኸሎ፡ ብዛዕባ ውዕሎይ ክነግሮ ኸለኹ ብምስማዕ ከኣ ነቲ ሞሳኡ ኼርእየኒ ኸሎ፡ እጸናናዕ እየ። እዚ ድማ ከም ዜፍቅረኒ እዩ ዜረጋግጸለይ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ