ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 5 ገጽ 8-9
  • ንውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምምሃር
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣዘራርቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንውሉዳትካ፡ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣስርጸሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታ ብኸመይ ኪምህርዎም ይኽእሉ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጾታዊ ርክብ ክገብር ንዚወርደኒ ጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 5 ገጽ 8-9
ሓንቲ ኣደ፡ እተሓጽበ ኽዳውንቲ ኣብ መስጥሒ ገመድ እናሰጥሐት ንጓላ ትዛረባ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምምሃር

ጸገም

ሓደ ወዲ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ናብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍን ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ይጥምት

ቅድሚ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ውሉዳት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ካብ ካልኦት ቅድሚ ምስማዖም፡ ወለዲ ባዕሎም ኪነግርዎም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነይርዎም። ከከም ናይቲ ቘልዓ ዕድመን ዜድልዮ ነገራትን ከኣ ቀስ ብቐስ ኪገልጹሉ ይኽእሉ ነይሮም።

ሕጂ ግና፡ እዚ ዅሉ ተቐይሩ እዩ። ዘ ሎሊታ ኢፈክት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ቈልዑ ኣዝዮም ንኣሽቱ ኸለዉ ኣትሒዞም ንጾታዊ መልእኽትታት ይቃልዑ ኣለዉ፣ ኣብቲ ንቘልዑ ዚዳሎ መደባት ዚርከብ ጾታዊ ትሕዝቶ እውን ይውስኽ እዩ ዘሎ” በለት። እዚ ሓድሽ ክውንነት እዚ ንቘልዑ ዚጠቅም ድዩ ወይስ ዚጐድእ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ጾታዊ ርኽሰት ዜንጸባርቕ ነገራት ኣብ ኵሉ እዩ ዚርከብ። ዴቦራ ሮፍማን ኣብታ ቶክ ቱ ሚ ፈርስት ዘርእስታ መጽሓፋ፡ “ዝርርባት፡ መወዓውዒታት፡ ፊልምታት፡ መጻሕፍቲ፡ ግጥሚ ደርፍታት፡ መደባት ተለቪዥን፡ መልእኽትታት፡ ጸወታታት፡ ዓበይቲ ሰሌዳታት፡ ተሌፎናት፡ ከምኡ ድማ ኮምፕዩተራት ብጾታዊ ስእልን ቃላትን ዝመልአ እዩ። በዚ ኸኣ ብዙሓት [ኰተቴታትን ንኣሽቱ ቘልዑን] ከይተፈለጦም ጾታዊ ርክብ . . . ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚድምድሙ” ብምባል ጸሓፈት።

ንግዲ ብኸፊሉ ተሓታቲ እዩ። መወዓዋዕትን ሸቃጦን፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ክዳውንቲ ንቘልዑ ብምውዕዋዕን ብምሻጥን ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብ ትርኢቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ኣትኵሮ ኺገብሩ እዮም ዜሰልጥንዎም። ሶ ሴክሲ ሶ ሱን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ነጋዶ፡ ቈልዑ ብመዛኑኦም ተቐባልነት ናይ ምርካብ ድሌት ከም ዘለዎም ስለ ዚፈልጡ፡ ይምዝምዝዎም እዮም። ቀንዲ ሸቶ እዚ ዅሉ ጾታዊ ስእልታትን ፍርያትን፡ ቈልዑ ሓድሽ ነገራት ኪገዝኡ ኸም ዚደልዩ ንምግባር እዩ” በለት።

ሓበሬታ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ማኪና ብኸመይ ከም እትሰርሕ ምፍላጥን ሓላፍነታዊ መራሕ ማኪና ምዃንን ፍልልይ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምፍላጥን ነዚ ፍልጠት እዚ ተጠቒምካ ጥበባዊ ውሳነታት ምግባርን እውን ፍልልይ ኣሎ።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ሎሚ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ ንውሉዳትኩም “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ” ምእንቲ ኪኽእሉ “ልቦናኦም” ኬሰልጥኑ ኽትሕግዝዎም የድልየኩም።—እብራውያን 5:14።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ስጕምቲ ውሰድ። ንውሉዳትካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝራብ ክሳዕ ክንደይ ዜሰክፍ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሓላፍነትካ እዩ። ስለዚ፡ ክትቅበሎ ኣሎካ። —ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 22:6።

ሕጽር ዝበለ ዝርርብ ግበር። ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ኮፍ ኢልካ ነዊሕ ዝርርብ ኣብ ክንዲ እትገብር፡ ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ፡ ምናልባት ክልቴኹም ብማኪና ኽትጐዓዙ ወይ ዕዮ ገዛ ኽትሰርሑ ኸለኹም፡ ብዛዕባ እዚ ተዛራረቡ። ውሉድካ ልቡ ኸፊቱ ምእንቲ ኺዛረበካ፡ ኣረኣእያኡ ኺገልጽ ዚድርኾ ሕቶታት ሕተቶ። ንኣብነት፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል መወዓውዒታት ይስሕበካ ድዩ፧” ኢልካ ኣብ ክንዲ እትሓትቶ፡ “መዋዓዋዕቲ፡ ፍርያቶም ንምሻጥ ከምዚ ዓይነት ስእልታት ዚጥቀሙስ ንምንታይ ይመስለካ፧” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ውሉድካ መልሲ ድሕሪ ምሃቡ፡ “ብዛዕባ እዚ እንታይ ይስምዓካ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። —ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 6:6, 7።

ምስ ዕድሜኦም ዚኸይድ ሓበሬታ ሃብ። ትምህርቲ ንዘይጀመሩ ቘልዑ፡ ግቡእ ስማት ጾታዊ ኣካላትን ንርእሶም ካብቶም ኪዕምጽዎም ዚደልዩ ሰባት ብኸመይ ከም ዜዕቅብዋን ክትምህሮም ትኽእል ኢኻ። እናዓበዩ ምስ ከዱ ድማ ብዛዕባ ምፍራይ መሰረታዊ ሓቅታት ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዕድመ ዀተቴ ምስ በጽሑ፡ ብዛዕባ ኣካላውን ስነ ምግባራውን መዳያት ጾታዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ኪፈልጡ ኣለዎም።

ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምሃር። ንውሉድካ ኻብ ንእስነቱ ጀሚርካ ብዛዕባ ቕንዕናን ንጽህናን ኣኽብሮትን ምሃሮ። ድሕሪዚ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክትመያየጡ ኸለኹም፡ ኣብቲ ድሮ ዘንበርካዮ መሰረት ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነቲ እትኣምነሉ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ብንጹር ግለጽ። ንኣብነት፡ ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ዘይግቡእ ጌርካ ትርእዮ እንተ ዄንካ፡ ኣረኣእያኻ ንገሮም። ዘይቅኑዕን ጐዳእን ዝዀነሉ ምኽንያት እውን ግለጽ። ብመሰረት ቢዮንድ ዘ ቢግ ቶክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቶም ኰተቴታት ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ዚቃወሙ ወለዲ ዘለዎም ኰተቴታት፡ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ዘለዎም ኣጋጣሚ ጸቢብ እዩ።”

ኣብነት ኩን። ምስቲ እትምህሮ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ተሰማሚዕካ ንበር። ንኣብነት፡ ብጽዩፍ ዋዛታት ትስሕቕ ዲኻ፧ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ክዳን ትኽደን ዲኻ፧ ወይ እውን ትኳሸም ዲኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት፡ ነቲ ንውሉዳትካ እትምህሮ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ትርጉም ዘይብሉ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 2:21።

ኣወንታዊ ግበሮ። ጾታዊ ርክብ፡ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ፣ መርዓ እውን ኣብ ግቡእ ኵነታት፡ ምንጪ ዓብዪ ሓጐስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 5:18, 19) ንውሉድካ፡ ድሕሪ ግዜ ኻብቲ ቕድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ብምግባር ዚመጽእ ጓህን ጭንቀታትን ናጻ ዀይኑ፡ በዚ ውህበት እዚ ኺሕጐስ ከም ዚኽእል ንገሮ።—1 ጢሞቴዎስ 1:18, 19።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ንቘልዓ [ወይ፡ “ንመንእሰይ፡” እግረ ጽሑፍ] በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6።

  • “ንደቅኻ ድማ [ትእዛዛት ኣምላኽ] ቅረጸሎም።”—ዘዳግም 6:6, 7።

  • “ግናኸ፡ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራንዶ፧” —ሮሜ 2:21።

ግደ ወላዲ

ብዙሓት ሰባት፡ ቈልዑን ኰተቴታትን ዝያዳ ብመዛኑኦም ዚጽለዉ ዚመስሎም እኳ እንተዀነ፡ ከም ሓቂ ግና ብወለዶም እዮም ዝያዳ ዚጽለዉ። “ውሉዳት፡ መምርሒ ንምርካብን ብዛዕባ ዓለም ብዝያዳ ንምርዳእን፡ ፈለማ ናብቶም ብቐረባ ዚረኽብዎም እኹላት ሰባት እዮም ዚጥምቱ። ክንሕግዞም ፍቓደኛታት ከም ዘይኰንና ምስ ዚፈልጡ ወይ ከምኡ ዀይኑ ምስ ዚስምዖም ጥራይ እዮም ናብ ካልእ ዚኸዱ። . . . ውጽኢት እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት እተኻየደ መጽናዕትታት ኬገርመና የብሉን። እተን ንኸም ጾታዊ ነገራት ዝኣመሰለ ጕዳያት ዚዘራረባሉ ስድራ ቤታት፡ ጽቡቕ ውሳነታት ዚገብሩ፡ ንተግባራቶም ሓላፍነት ዚወስዱ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ሕማቕ ውጽኢት ዜምጽእ ባህርያት ዜርሕቑ ጥዑያት ቈልዑ እየን ዜዕብያ።”—ቶክ ቱ ሚ ፈርስት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ