መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ንውሉዳትካ፡ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣስርጸሎም
ኣብ መክሲኮ እትነብር ሎይዳa ዝስማ ኣደ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ኮንዶም ስለ ዚዕደል፡ ኰተቴታትን ጐራዙትን ኮንዶም ክሳዕ እተጠቕሙ፡ ጾታዊ ርክብ ምግባር ጌጋ ኸም ዘይብሉ እዩ ዚመስሎም።”
ኣብ ጃፓን እትነብር ኖቡኮ ዝስማ ኣደ ኸምዚ በለት፦ “ንወደይ፡ ንሱን እታ ዓርኩን በይኖም እንተ ዀይኖም እንታይ ከም ዚገብር ሓተትክዎ። ‘እንድዒ’ ኢሉ መለሰለይ።”
ውሉድካ እግሪ ኣብ ዝተኸለሉ እዋን፡ ኣብ ቤትካ ዚርከብ ሓደጋ ኼብጽሕ ዚኽእል ነገራት ኣወጊድካዶ፧ ምናልባት ብኤለክትሪክ ከይተሓዝ፡ በሊሕ ነገር ከይወግኦ፡ ወይ ኣብ መደያይቦ ኸይወድቕ፡ እተፈላለየ ስጕምቲ ወሲድካ ትኸውን።
ውሉድካ ዓብዩ ቝልዕነቱ ምስ ወድአ ግን፡ ምሕላዉ ቐሊል ኣይኰነን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዝዓበየ ዜሻቕል ነገራት ኣሎካ፣ ንኣብነት፡ ‘ወደይ፡ ስእለ-ጽዩፍ ይረክብ ደዀን ይህሉ፧’ ‘ጓለይ ብሞባይል ተሌፎን ገይራ ብዕሉግ ስእልታታ ትልእኽ ደዀን ትህሉ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ዝያዳ እተፍርሃካ ሕቶ ድማ፡ ‘ውሉደይ ጾታዊ ርክብ ይፍጽም ደዀን ይህሉ፧’ እትብል እያ።
ቍጽጽር ምብዛሕ ዜስዕቦ ሳዕቤን
ገሊኦም ወለዲ ንዝጐበዙ ደቆም እግሪ እግሮም እናሰዓቡ፡ ን24 ሰዓት ኪቈጻጸርዎም ይፍትኑ እዮም። ውዒሉ ሓዲሩ ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥብቂ ቝጽጽር ንሓያሎ ውሉዳት፡ ካብ ወለዶም ከም ዚሕብኡ ጥራይ እዩ ዚገብሮም። ነቲ ወለዶም ዘይፈትውዎ ተግባራት ተሓቢኦም ብምግባር፡ ዝወጸሎም መታለልቲ ይዀኑ።
ስለዚ፡ ቍጽጽር ምብዛሕ ኣየዋጽእን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ እኳ፡ ፍጡራቱ ንኺእዘዝዎ ኢሉ ኸምኡ ዓይነት ሜላ ኣይጥቀምን እዩ፣ ወለዲ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣይግባእን። (ዘዳግም 30:19) እሞኸ፡ ንውሉዳትካ፡ ምስ ስነ-ምግባር ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ ጥበባዊ ውሳነታት ንኺገብሩ፡ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧—ምሳሌ 27:11።
ሓደ ኽትወስዶ እትኽእል መሰረታዊ ስጕምቲ፡ ምስ ውሉዳትካ ቐጻሊ ምይይጥ ምግባር እዩ፣ ነዚ ድማ፡ ካብ ግዜ ቝልዕነቶም ኣትሒዝካ ጀምሮ።b (ምሳሌ 22:6) ድሕሪኡ፡ ቍልዕነቶም ምስ ወድኡ እውን፡ ዝርርብኩም ቀጻሊ ይኹን። ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ቀንዲ ምንጪ እቲ ንውሉድካ ዜድልዮ ዜተኣማምን ሓበሬታ ኽትከውን ኣሎካ። ኣሊሻ ዝስማ ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ጓል፡ “ብዙሓት ሰባት፡ ንጾታ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ምስ መሓዙትና ኽንዘራረብ ከም እንመርጽ ይመስሎም እዩ። እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ነቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኻብ ወለድና ዚመጽእ ሓበሬታ፡ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ዚብሉና ንኣምን ኢና” በለት።
ኣኽቢርካ ዚርአ ጽቡቕ ስርዓታት ዘለዎ ኣድላይነት
ውሉዳት እናዓበዩ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ጾታ፡ ካብቲ ብቝልዕነቶም ዚፈልጥዎ ንላዕሊ ኺፈልጡ የድልዮም እዩ። ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ፡ ልቦናኦም ኬላምዱ’ እውን ኣለዎም። (እብራውያን 5:14) ብሓጺሩ፡ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ስርዓታት፡ ማለት ብዛዕባ ጾታ ዚምልከት ብጽኑዕ ዚኣምኑሉ ስነ-ምግባራዊ ሕግታት የድልዮም እዩ፣ ነዚ እውን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኣለዎም። ንውሉዳትካ ኣኽቢርካ ዚርአ ጽቡቕ ስርዓታት ብኸመይ ከተስርጸሎም ትኽእል፧
በቲ ንስኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስርዓታት ጀምር። ንኣብነት፡ ምንዝር፡ ማለት ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ሰባት ዚፍጸም ጾታዊ ርክብ፡ ጌጋ ምዃኑ ብጽኑዕ ትኣምነሉ ትኸውን። (1 ተሰሎንቄ 4:3) ውሉዳትካ ብዛዕባ እዚ ዘሎካ መትከል ይፈልጡ ይዀኑ፣ ነዚ እምነትካ እዚ ዚድግፍ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ኺጠቕሱ ይኽእሉ ይዀኑ። እንተ ተሓቲቶም ከኣ፡ ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ጌጋ ምዃኑ ይምልሱ ይዀኑ።
ፍልጠት ጥራይ ግን እኹል ኣይኰነን። ሴክስ ስማርት እትበሃል መጽሓፍ፡ ገሊኦም መንእሰያት ነቲ ወለዶም ብዛዕባ ጾታ ዘለዎም እምነት ካብ ክሳዶም ንላዕሊ ኸም ዚሰማምዑሉ ኽትገልጽ ከላ፡ ከምዚ በለት፦ “ርግጸኛታት ስለ ዘይኰኑ፡ ናይ ርእሶም ርእይቶ የብሎምን። ዘይተጸበይዎ ዅነታት ምስ ዜጋጥሞም እሞ፡ ብዛዕባ ቅቡል ወይ ዘይቅቡል ተግባራት ኣብ መዋጥር ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ይደናገሩን ዚገብርዎ ይሕርብቶምን።” ስለዚ ኸኣ እዩ ኣኽቢርካ ዚርአ ስርዓታት ዜድሊ። ውሉድካ፡ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ስርዓታት ንኺህልዎ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧
ንስኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስርዓታት ንጹር ግበሮ። ጾታዊ ርክብ ድሕሪ መርዓ ጥራይ ኪፍጸም ከም ዚግባእ ትኣምን ዲኻ፧ ትኣምን እንተ ዄንካ፡ ንውሉድካ ብንጹርን ብተደጋጋምን ንገሮ። ብመሰረት እታ ቢዮንድ ዘ ቢግ ቶክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ “ኣብተን ወለዲ ንኣጕባዝ ወይ ንጐራዙት ደቆም፡ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ኸም ዘይፈቕዱ ንጹር መልእኽቲ ዜመሓላልፉለን ኣባይቲ፡ ውሉዳት መብዛሕትኡ ግዜ ተቐላጢፎም ጾታዊ ርክብ ኣይፍጽሙን እዮም።”
ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስርዓታት ምንጋርካ ጥራይ፡ ውሉድካ ብእኡ ንኺመላለስ ውሕስነት ኣይከውንን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ እትደልዮም ስርዓታት ብንጹር ምግላጽካ፡ ንውሉዳትካ ዚሃንጹሉ ባይታ የንጽፈሎም እዩ። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ ድማ፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ መጀመርታ ዕድመ ንእስነቶም ነቲ ወለዶም ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ስርዓታት ዕሽሽ ዝበልዎ እኳ እንተ መሰሉ፡ ውዒሎም ሓዲሮም ግን ይስዕብዎ እዮም።
ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ዜና ዝሰማዕካዮ ነገር ከም መበገሲ ጌርካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስርዓታት ምይይጥ ግበር። ንኣብነት፡ ምስ ጾታ እተተሓሓዘ ገበን ኣብ ዜና እንተ ሰሚዕካ፡ “ገሊኦም ሰብኡት ብዛዕባ ኣንስቲ ዘለዎም ኣረኣእያ ዜስካሕክሕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኻበይ ዘምጽእዎ ይመስለካ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፡ እተማልአ ሓቂ ምሃር። መጠንቀቕታታት ኣድላዪ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:18፣ ያእቆብ 1:14, 15) ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጾታዊ ርክብ፡ ብቐዳምነት ከም ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ደኣ እምበር፡ ከም መጻወድያ ሰይጣን ገይሩ ኣይገልጾን እዩ። (ምሳሌ 5:18, 19፣ መሃልየ መሃልይ 1:2) ንውሉዳትካ ብዛዕባ እቲ ጾታዊ ርክብ ዘለዎ ሓደጋታት ጥራይ ምንጋር፡ ቄናንን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም እዩ ዚገብር። ኮሪና ዝስማ ኣብ ፈረንሳ እትነብር መንእሰይ፡ “ወለደይ ንጾታዊ ርኽሰት ብዙሕ ስለ ዜተኵሩሉ፡ ንጾታዊ ርክብ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ሓዲሩኒ እዩ” በለት።
ንውሉዳትካ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እተማልአ ሓቂ ኣፍልጦም። ናድያ ዝስማ ኣብ መክሲኮ እትነብር ኣደ ኸምዚ በለት፦ “ጾታዊ ርክብ ባህ ዜብልን ባህርያውን ከም ዝዀነ፡ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንደቂ ሰብ ኪሕጐሱሉ ኸም ዝሃቦም፡ ንውሉዳተይ ከረድኦም ጽዒረ እየ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ጥራይ ኪፍጸም ኣለዎ። ከከም ኣተሓሕዛና ኸኣ፡ ሓጐስ ወይ መከራ ኼምጽኣልና ይኽእል እዩ።”
ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ዚቕጽል፡ ንውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከተዘራርቦ ኸለኻ፡ ንምይይጥኩም ብኣወንታዊ መገዲ ዛዝሞ። ጾታዊ ርክብ ዜደንቕ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ውሉድካ ምስ ተመርዓወ እውን፡ ኣብ መጻኢ ብጾታዊ ርክብ ኪሕጐስ ምዃኑ ኻብ ምግላጽ ኣይትፍራህ። እቲ ግዜ እቲ ኽሳዕ ዚኣክል፡ ካብ ስርዓታት ኣምላኽ ከም ዘይወጽእ ትተኣማመነሉ ምዃንካ ግለጸሉ።
ንውሉድካ፡ ሳዕቤናት ኬመዛዝን ሓግዞ። ውሉዳት ኣብ ዝዀነ ይኹን መዳይ ህይወት ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ኣማራጺታት መምዮም፡ ጥቕምን ጕድኣትን ብኸመይ ከም ዜመዛዝኑ ኺፈልጡ ኣለዎም። ቅኑዕን ጌጋን ምፍላጥ ጥራይ እኹል ከም ዝዀነ ኣይምሰልካ። ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ኤማ ዝስማ ክርስትያን ሰበይቲ፡ “ብግዜ ንእስነተይ ብዛዕባ ዝገበርክዎ ጌጋታት ክሓስብ ከለኹ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ምፍላጥካ ጥራይ፡ ምስኡ ትሰማማዕ ማለት ኣይኰነን። እቲ ስርዓታት እቲ ዜምጽኦ ጥቕምታትን ንዕኡ ምጥሓስ ዜስዕቦ ሳዕቤናትን ክትርድኦ ኣሎካ” በለት።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትእዛዛት፡ በቲ ንዕኡ ምጥሓስ ዜስዕቦ ሳዕቤናት ተሰንዩ ስለ ዚቐርብ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምሳሌ 5:8, 9 ንኣጕባዝ ካብ ምንዝር ኪርሕቁ ኽትእዝዞም ከላ፡ “ክብርኻ ንኻልእ . . . [ምእንቲ] ኸይትህብ” ብምባል ሳዕቤኑ ትሕብር። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸም እትሕብሮ፡ እቶም ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዚፍጽሙ ሰባት፡ እቲ ተግባሮም ኣብ ባህርዮምን ንጽህናኦምን ርእሰ-ኣኽብሮቶምን ኣሉታዊ ጽልዋ ይገብረሎም እዩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሰባት ንሓዳር ተደለይቲ ኣይኰኑን። ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ንሕግታት ኣምላኽ ዕሽሽ ምባል ዜስዕቦ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ሓደጋታት እንተ ኣስተንቲኑ፡ በቲ ሕግታት ንኺመላለስ ዘለዎ ቘራጽነት ይድልድል እዩ።c
ነዚ ፈትኖ፦ ውሉድካ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ምስዓቡ ጥበባዊ ምዃኑ ዚሕብር ምሳሌታት ተጠቐም። ንኣብነት፡ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “መጋርያ ጽቡቕ እዩ፣ ንዱር ዚህሙዅ ባርዕ ግን ሕማቕ እዩ። ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ፧ ነዚ እትህቦ መልሲ፡ ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝገበሮ ደረት ብኸመይ ይተኣሳሰር፧” በቲ ኣብ ምሳሌ 5:3-14 ዚርከብ ሓሳባት ተጠቒምካ፡ ንውሉድካ ብዛዕባ ጐዳኢ ሳዕቤናት ምንዝር ኣረድኣዮ።
ኣብ ጃፓን ዚነብር ታካኦ ዝስሙ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ “ቅኑዕ ዘበለ ኽገብር ከም ዘሎኒ እፈልጥ እየ፣ ምስ ፍትወት ስጋ ግን ቀጻሊ ቓልሲ ኣሎኒ” በለ። ከምኡ ዚስምዖም መንእሰያት፡ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ንበይኖም ጥራይ ከም ዘይስምዖም ምፍላጦም ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ። እቲ ንፉዕ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ፡ “ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ” ኢሉ ተኣሚኑ እዩ።—ሮሜ 7:21።
ኰተቴታትን ጐራዙትን፡ ከምዚ ዓይነት ቃልሲ፡ ኵሉ ሳዕ ሕማቕ ከም ዘይኰነ ኺፈልጡ ኣለዎም። ከመይ ዝበሉ ሰባት ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ ንኺሓስቡ ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ። ‘ንህይወተይ ተቘጻጺረ፡ ብጽቡቕ ባህርየይን ብንጽህናይን ዝፍለጥ ሰብ ክኸውን ድየ ዝደሊ፡ ወይስ ብኻልኦት ዝምራሕን ብትምኒተይ ዝስነፍን ድኹም ሰብ፧’ ንእትብል ሕቶ ኣርዚኖም ንኺሓስቡላ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ውሉድካ ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እንተ ኣልይዎ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብጥበብ ኪምልሰላ እዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ከም እተዘራርቦምን ከከም ዕድሚኦም ብኸመይ ከም እትሕዞምን ሓሳባት ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2010 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12-14 ርአ።
c ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም መጽሔት ንቕሑ!፡ ኣብ ናይ ሚያዝያ 2010 ሕታም (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታት—ጾታዊ ርክብ ንርክብና ኼመሓይሾ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦
▪ ውሉደይ፡ ብጽኑዕ ዚኣምነሉ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም ዘለዎ ዚሕብር ነገራት ኣሎዶ፧
▪ ንውሉደይ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከዘራርቦ ኸለኹ፡ ንጾታዊ ርክብ ብቐዳምነት ከም ውህበት ኣምላኽ ገይረ ድየ ዝገልጸሉ፡ ወይስ ከም መጻወድያ ሰይጣን፧
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን]
መጽሓፍ ቅዱስ ብግዜ ዘመስከረ መጽሓፍ
“እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ጾታ ዚገልጽ መምርሒ ብሉጽ ምዃኑ ብግዜ ኣመስኪሩ እዩ። ኣብዚ ቝጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኣብ መጀመርታ ደረጃ ብጽሕና/ጕርዝውና ዚርከቡ መንእሰያት ቅድሚ መርዓ ብሰንኪ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ካብ መርዓ ወጻኢ ብሰንኪ ዚህሉ ጥንስን አይድስን ከቢድ ስምዒታዊ ሳዕቤናት ዚዓጽዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ጾታዊ ርክብ ድሕሪ መርዓ ኺግበር ከም ዚግባእ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚህቦ ምኽሪ . . . ብዙሕ ኣገዳስነት ኣለዎ፡ እንኮ ‘ውሑስ ጾታዊ ርክብን’ ውጽኢታውን እውን እዩ።”—ፓረንቲንግ ቲንስ ዊዝ ላቭ ኤንድ ሎጂክ።