ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 6 ገጽ 3
  • ሕማም—ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ትኽእል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕማም—ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ትኽእል
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንርእስኻ ኻብ ሕማም ተኸላኸለላ
    ንቕሑ!—2016
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 6 ገጽ 3

ገበር

ሕማም​—ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ትኽእል፧

ኣካላትካ በብመዓልቱ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ምስ ዜእትዉ ሰላሕታውያንን ዘይረኣዩን ጸላእቲ ይዋጋእ እዩ። ከም ባክተርያን ቫይረስን ጽግዕተኛታትን ዝኣመሰሉ ወረርቲ፡ ንጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ የእትውዎ እዮም።a ኣብ ኣካላትካ ምልክታት ሕማም ክትርኢ ቕድሚ ምጅማርካ፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትካ ንመብዛሕትኦም ወረርቲ ስለ ዚነጽጎም ወይ ስለ ዚቐትሎም፡ ነቲ ዚካየድ ውግእ ኣይተስተብህለሉን ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ ግና እዞም ጐዳእቲ ተህዋስ ከም እትሓምም ይገብሩኻ እዮም። ምስ እትሓምም፡ ብመድሃኒትን ብኻልእ ሕክምናታትን ጌርካ ንስርዓተ ምክልኻልካ ኸተደልድሎ የድልየካ ይኸውን።

ሕማም ዜስዕቡ እተፈላለዩ ነገራት፦ ጕዕዞ፡ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ተህዋስያን፡ ድኽነት፡ ከምኡ ድማ ብግቡእ ዘይተዳለወ ምግቢ

ንኣሽሓት ዓመታት፡ ሰባት ነቲ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ተህዋስያን ወይ ጐዳእቲ ዝዀኑ ደቀቕቲ ነፍሳት ዜስዕብዎ ሓደጋ ኣይፈልጥዎን እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ 19 ዘመን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ደቀቕቲ ተህዋስ ሕማም ከም ዜስዕቡ ምስ ኣረጋገጹ፡ ንርእስና ኻብ ሕማም ምእንቲ ኽንከላኸለላ ብዝሓሸ መገዲ ኽንዕጠቕ ክኢልና ኢና። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ተመራመርቲ ሕክምና ንኸም በዲዶን ፖልዮን ዝኣመሰሉ ተላገብቲ ሕማማት ምሉእ ብምሉእ ኬወግድዎም ወይ ንኣስጋእነቶም ኣጸቢቖም ኪንክይዎ ኽኢሎም እዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግና ከም ዓሶ ወይቦን ዴንጋን ዝኣመሰሉ ሕማማት ዳግም ኪቕልቀሉ ጀሚሮም እዮም። ስለምንታይ፧ ነዚ ዚስዕብ ረቛሒታት እስከ መርምር፦

  • በብዓመቱ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለምና ስለ ዚጐዓዙ፡ መብዛሕትኡ እዋን ሕማም ዜስዕቡ ደቀቕቲ ተህዋስ ናብ ካልኦት የመሓላልፉ እዮም። ክሊኒካል ኢንፈክሾውስ ዲዚዝስ ኣብ እትብሃል መጽሔት ዝወጸት ዓንቀጽ ከም ዝሓበረቶ፡ “ዳርጋ ዅሎም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ብዚጐዓዙ ሰባት ኪመሓላለፉ ይኽእሉ እዮም።”

  • ገሊኦም ዓይነት ባክተርያ ንጸረ ነፍሳት ተጻዋርነት ኣጥርዮም እዮም። ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝገለጾ፡ “ብዙሕ ጸረ ነፍሳት፡ ደጊም ንሕማም ኣብ ምቅላስ ውጽኢታዊ ኣይኰነን።”

  • መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዘይምርግጋእን ድኽነትን ሕማም ከየስፋሕፍሕ ንምቍጽጻር መንግስቲ ንዚገብሮ ጻዕሪ ዕንቅፋት ይኸውን እዩ።

  • ብዙሓት ሰባት ንሕማም ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ኸም እትኽእል ኣይፈልጡን እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዚርብሽ ኵነታት እናሃለወ ኽነሱ፡ ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን ንምዕቋብ ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብ ምምዕባል ኣብ እትርከብ ሃገር እናነበርካ እውን ከይተረፈ፡ ክትገብሮ እትኽእል ቀሊልን ውጽኢታውን ነገራት ከም ዘሎ ትገልጽ።

a መብዛሕትኦም ደቀቕቲ ተህዋስያን ሕማም ኣየስዕቡን እዮም። እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ ንጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዜእትዉ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ተህዋስያንን ሕማም ኣብ ዜስዕቡ ኻልኦት ነፍሳትን ዘተኰራ እየን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ