ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 6 ገጽ 4-6
  • ንርእስኻ ኻብ ሕማም ተኸላኸለላ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንርእስኻ ኻብ ሕማም ተኸላኸለላ
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ማይ
  • 2 ምግቢ
  • 3 ሓሸራታት
  • 4 እንስሳታት
  • 5 ሰባት
  • ጥዕናኻ እተመሓይሸሉ መገድታት
    ንቕሑ!—2015
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2016
  • ሕማም—ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ትኽእል
    ንቕሑ!—2016
  • ኣእዳውካ ተሓጸብን ኣንቅጾን!
    ንቕሑ!—1999
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 6 ገጽ 4-6

ገበር | ሕማም​—ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ትኽእል፧

ንርእስኻ ኻብ ሕማም ተኸላኸለላ

ብዙሓት ጥንታውያን ከተማታት፡ ብዓበይቲ መናድቕ እተዓርዳ እየን ነይረን። ጸላኢ ንንእሽቶ ኽፋል እቲ መንደቕ እውን እንተ ኣፍሪስዎ፡ ድሕንነት መላእ እታ ኸተማ ኣብ ሓደጋ እዩ ዚኣቱ ነይሩ። ኣካላትካ ልክዕ ከም እተዓርደት ከተማ እዩ። ንስርዓተ ምክልኻልካ እትከናኸነሉ መገዲ፡ ኣብ ጥዕናኻ ብዙሕ ጽልዋ ኣለዎ። ንሕማም ኬቃልዑኻ ዚኽእሉ ሓሙሽተ ረቛሒታትን ከመይ ጌርካ ብዝበለጸ መገዲ ኽትከላኸል ከም እትኽእልን እስከ መርምር።

ኣደን ጓልን ብማእከል ዕዳጋ ይሓልፋ

1 ማይ

ዜስግእ ኵነታት፦ ጐዳእቲ ተህዋስያን ብእተበከለ ማይ ኣቢሎም ብቐጥታ ናብ ኣካላትካ ኺኣትዉ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸሊኻ፦ እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ፡ ማይካ ኸይብከል ምጥንቃቕ እዩ። ከም እተበከለ እንተ ፈሊጥካ ወይ እንተ ጠርጢርካ ግና፡ ውሑስ ምእንቲ ኪዀነልካ ኣብ ቤትካ ኸተጻርዮ ትኽእል ኢኻ።a ዚስተ ማይ ኣብ ዕጹው ኣቕሓ ኣቐምጦ፣ ክትቀድሖ ኸሎኻ ድማ ብጽሩይ መቕድሒ ወይ ቡምባ ጌርካ ቕድሓዮ። ኣእዳውካ ኣብ ጽሩይ ማይ ኣይተእቱ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ ድማ ምስቶም ንቐልቀሎም ብግቡእ ብምጕሓፍ፡ ማይ ከባቢኦም ብጽሬት ዚሕዙ ሕብረተ ሰብ ክትነብር ፈትን።

2 ምግቢ

ዜስግእ ኵነታት፦ ጐዳእቲ ተህዋስያን ኣብ ምግብኻ ኺርከቡ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸሊኻ፦ እተበከለ ምግቢ እውን ሓድሽን መኣዛ ዘለዎን ኪመስል ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንዅሉ ፍረታትን ኣሕምልትን ኣጸቢቕካ ናይ ምሕጻብ ልማድ ኣጥሪ። ምግቢ ኽትሰርሕ ወይ ክትቅርብ ከለኻ፡ ንምግቢ እትጥቀመሉ ኣቕሑን ጣውላ ኽሽነን ኣእዳውካን ጽሩይ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ሓደገኛታት ዝዀኑ ደቀቕቲ ተህዋስያን ምእንቲ ኺሞቱ፡ ገሊኡ ዓይነት ምግቢ ኣብ እተወሰነ ዓቐን ሙቐት ኪበስል የድልዮ እዩ። ሕብሩ ኻብ ዝቐየረ ወይ ደስ ዘየብል ጨናን ጣዕምን ካብ ዘለዎ ምግቢ ተጠንቀቕ፣ እዚ እቲ ምግቢ ተበኪሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜርኢ ምልክት እዩ። ኣብ ጥቕሚ ዘይውዓለ ምግቢ ቐልጢፍካ ኣብ መዝሓሊ ዓቅቦ። ሓሚምካ ኸለኻ ንኻልኦት ምግቢ ኣይተዳሉ።b

3 ሓሸራታት

ዜስግእ ኵነታት፦ ገሊኦም ሓሸራታት በቶም ኣብ ውሽጦም ዚነብሩ ጐዳእቲ ተህዋስያን ኣቢሎም ሕማም ኬስዕቡልካ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸሊኻ፦ ሓሸራታት ኣብ ዝበዝሑሉ እዋናት፡ ካብ ቤት ብዙሕ ብዘይ ምውጻእ ወይ ድማ ከም ነዊሕ እጅገ ዘለዎ ኽዳንን ነዊሕ ስረን ዝኣመሰለ ዚሽፍነካ ኽዳን ብምኽዳን፡ ሕማም ካብ ዜመሓላልፉ ሓሸራታት ርሓቕ። ኣብ ዓራትካ ፈውሲ ሓሸራ እተገብረሉ ላሙስያ ተጠቐም፣ ሓሸራ ዜርሕቑ ንጥረ ነገራት እውን ተጠቐም። ጣንጡ ኺራብሓሉ ዚኽእላ ዕቋር ማይ ዝሓዘ ኣቕሓ ኣወግድ።c

4 እንስሳታት

ዜስግእ ኵነታት፦ ኣብ ውሽጢ እንስሳታት ከይተጓድኡ ዚነብሩ ደቀቕቲ ተህዋስያን ንጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ኼእትውዎ ይኽእሉ እዮም። ብእንስሳ ዘቤት ወይ ብኻልእ እንስሳ እንተ ተነኺስካ ወይ ተሓንፊጥካ ወይ ድማ ንቐልቀሉ እንተ ተቓሊዕካ፡ ጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ይኽእል እዩ።

መከላኸሊኻ፦ ገሊኦም ሰባት ምስ እንስሳታት ብዙሕ ምእንቲ ኸይተናኸፉ፡ ንእንስሳታቶም ካብ ቤት ወጻኢ ኼስፍርዎም ይመርጹ እዮም። እንስሳ ዘቤት ድሕሪ ምትንካይካ፡ ኣእዳውካ ተሓጸብ፣ እንስሳ ዘገዳም ድማ ፈጺምካ ኣይትተንኪ። እንተ ተነኺስካ ወይ ተሓንፊጥካ፡ ነቲ ቝስልኻ ብግቡእ ሕጸቦ፣ ሓኪም ድማ ተርአ።d

5 ሰባት

ዜስግእ ኵነታት፦ ገሊኦም ደቀቕቲ ህዋስ፡ ካብ ምስዓል ወይ እንጥሾ ምባል ሓደ ሰብ ብዚወጽእ ንእሽቶ ንጣብ ኣቢሎም ናብ ኣካላትካ ብምእታው ኬጥቅዑኻ ይኽእሉ እዮም። ብኸም ምሕቋፍ ወይ ሰላም ምባል ዝኣመሰለ ምትንኻፍ ቈርበት እውን ኪመሓላለፉ ይኽእሉ እዮም። ካብ ካልኦት ሰባት ዝመጹ ደቀቕቲ ተህዋስያን ኣብ ከም መትሓዚ ማዕጾ፡ መደገፍ መደያይቦ፡ ተሌፎን፡ መቈጻጸሪ ተለቪዥን፡ ወይ ናይ ኮምፕዩተር ስክሪንን ኪቦርድን ተሓቢኦም ኪጸንሑ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸሊኻ፦ ከም መላጸዪ፡ መወጽ ወይ ብራሽ ስኒ፡ ወይ ሽጐማኖ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ንብረትካ ኻልእ ሰብ ኪጥቀመሉ ኣይተፍቅድ። ካብ ኣካላት እንስሳታትን ካልኦት ሰባትን ዚወጽእ ፈሳሲ፡ እንተላይ ደምን ካብ ክፋላት ደም ዚስራሕ ፍርያትን ኣይትተንኪ። ኣእዳውካ ብተደጋጋምን ኣጸቢቕካን ምሕጻብ ዘለዎ ጥቕሚ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። እዚ፡ ምምሕልላፍ ሕማም ደው ከተብለሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ እትሓመሉ እዋን ካብ ቤትካ ኣይትውጻእ። እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም፡ ኣብ ክንዲ ናብ ኢድካ፡ ናብ መንዲልካ ወይ እጅገኻ ኽትስዕል ወይ እንጥሾ ኽትብል ከም ዘሎካ ይምሕጸን።

ሓደ ጥንታዊ ምስላ፡ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) እዘን ቃላት እዚአንሲ፡ ኣብዛ ብሓደገኛ ሕማማት መሊኣ ዘላ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እየን! ስለዚ፡ ኣብ ከባቢኻ ኻብ ዚርከባ ኣገልግሎት ጥዕና ዚህባ ትካላት ሓበሬታ ርኸብ፣ ጽሬትካ ብምሕላው ድማ ካብ ሓደጋ ተሓባእ። መከላኸሊኻ ኣደልድል፣ ብሕማም ከም እትጥቃዕ ዚገብረካ ነገራት ከኣ ኣወግድ!

a ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ቤትካ ዄንካ ማይ ከተጻርየሉ እትኽእል እተወሰነ ሜላታት ከም ዘሎ ርእይቶ ይህብ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሎሪንን ጸሓያዊ ጸዓትን ምጥቃም፡ ምጽራይ፡ ከምኡ ድማ ምፍላሕ የጠቓልል።

b ብዛዕባ ጥዕና ምግቢ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ሰነ 2012 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 3-9 ርአ።

c ንሕማም ዓሶ ኽትከላኸለሉ እትኽእል መገድታት ንምፍላጥ፡ ኣብ ናይ ሓምለ 2015 ሕታም ንቕሑ! ኣብ ገጽ 14-15 ርአ።

d ብመርዛማት እንስሳታት ዚወርድ ጕድኣት መብዛሕትኡ ግዜ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት የድልዮ እዩ።

ብተላጋቢ ሕማም ከይትጥቃዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ሓንቲ ሰበይቲ ኣእዳዋ ትሕጸብ

ብ2014 ኢቦላ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ይላባዕ ብምንባሩ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ዞባ ዚርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንብዙሓት ሰባት በቲ ሕማም ከይጥቅዑ ዝሓገዞም ብዛዕባ እቲ ሕማም ሓበሬታ ዚህብ ወፈራ ኣካይደን እየን። ተወከልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝሓዝዎ ገሊጾም ኣለዉ።

  • ትምህርቲ

    ንሰባት ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ኺፈልጡ ዝሓገዝኩምዎም ብኸመይ ኢኹም፧

    እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይፈርህን ከይደናገርን፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኴንና ፍሉይ ትምህርቲ ኣቕሪብና ኔርና። ኣብዚ ትምህርትታት፡ እቲ ቫይረስ ብኸመይ ከም ዚመሓላለፍ ገሊጽና፡ ካብቲ ነቲ ሕማም ዜቃልዕ ልምድታት ኪርሕቁ ድማ ኣጠንቂቕና ኢና።

  • ኢድ ምሕጻብ

    ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ወሲዶም፧

    ነቶም ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል ናብ ቦታታት ኣምልኾና ዚመጹ፡ ተርሞሜተር ተጠቒምና ሙቐት ኣካላቶም ንዕቅኖ ኔርና። ኵሎም ድማ ከም ሰላም ምብህሃል ወይ ምሕቋፍ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ምትንኻፍ የወግዱን ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ኣእዳዎም ይሕጸቡን ነይሮም። ኣብ ቀንዲ ቐንዲ ቦታታት እቲ ሕብረተ ሰብ ድማ እተቓመመ መጽረዪ ዘለዎ መሕጸብ ኢድ ተዳልዩ ነይሩ።

  • ኣብ ውሽጢ ቤት ዘላ ተሌፎን

    ስሩዕ ህዝባዊ ኣኼባታትኩምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮኹምን ክትገብሩ ዝኸኣልኩም ብኸመይ ኢኹም፧

    መንግስቲ ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ውሸባ ኣተኣታትዩ ብምንባሩ፡ ህዝባዊ ኣኼባታት ንግዜኡ ይግበር ኣይነበረን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ዝነበራ ስድራ ቤታት ኣብ ኣባይተን እየን ኣምልኾ ዚገብራ ነይረን። ገሊኣቶም ኣካላዊ ምትንኻፍ ምእንቲ ኼወግዱ፡ ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ነይሮም።

  • ዓውደ ኣዋርሕ

    ሓደ ሰብ ምልክት ሕማም እንተ ኣርእዩኸ እንታይ ትገብሩ ኔርኩም፧

    ንዚምልከቶ ኣካል ንሕብር ኔርና። ዝዀነ ሰብ ምስ ሓደ ኢቦላ ዝሓመመ ሰብ እንተ ተራኺቡ፡ ወይ ኣብ ቀብሪ እቲ ሕሙም እንተ ነይሩ ወይ እውን ገለ ኻብ ምልክታት እቲ ሕማም እንተ ኣርእዩ፡ ኣብተን እቲ ቫይረስ ኪራባሕ ዚኽእለለን 21 መዓልቲ ገዛእ ርእሱ ይፈሊ ነይሩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ