ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 2 ገጽ 8-9
  • ወላዲ ምስ ዚመውት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወላዲ ምስ ዚመውት
  • ንቕሑ!—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ቈልዑ ምስ ዚሓዝኑ
    ንቕሑ!—2017
  • ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • 16 ከምዚ ገይረ ኽሓዝን ይግብኣኒ ድዩ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንሓዘን ምኽኣሉ—ሕጂ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
    ንቕሑ!—2018
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 2 ገጽ 8-9
ደ ቘልዓ ኣብ መቓብር ኢድ ሓደ ዓብዪ ሰብ ሒዙ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

ወላዲ ምስ ዚመውት

ጸገም

ዳሚ፡ ኣቦኣ ብሕማም ኣነውሪዝማ ኪመውት ከሎ ጓል ሽዱሽተ ዓመት እያ ነይራ። ዴሪክ፡ ኣቦኡ ብሕማም ልቢ ኺመውት ከሎ ወዲ ትሽዓተ ዓመት እዩ ነይሩ። ጀኒ እውን ኣዲኣ ንዓመት ዚኣክል ብናይ ማህጸን መንሽሮ ተሳቕያ ኽትመውት ከላ ጓል ሸውዓተ ዓመት እያ ነይራ።a

እዞም ሰለስተ መንእሰያት፡ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ እዮም ዜፍቅርዎ ሰብ ብሞት ተፈልዮምዎም። ንስኻኸ ምስዚ ዚመሳሰል ተመክሮ ኣሕሊፍካ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሓዘንካ ኽትዋጽኣሉ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።b ፈለማ ግና፡ ብዛዕባ ምሕዛን እተወሰነ ነጥብታት እስከ ንርአ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ሓዘን ብብዙሕ መገዲ ኺግለጽ ይከኣል እዩ። እዚ ማለት፡ ጓሂኻ እትገልጸሉ መገዲ ኻብቲ ኻልኦት ዚገልጹሉ መገዲ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሀልፒንግ ቲንስ ኮፕ ዊዝ ደዝ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ንሓዘንካ ኽትክእሎ እትኽእለሉ እተወሰነ ኣገባብ ወይ ሕግታት የለን” ትብል። ብቐንዱ ዜገድስ፡ ንሓዘንካ ኣብ ውሽጥኻ ዘይምዕባጥ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ . . .

ሓዘን ምዕባጥ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ጀኒ፡ “ንንእሽቶ ሓብተይ ከበራትዕ ኢለ ስምዒተይ ኣይገለጽኩን። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሕማቕ ስምዒት ኪስምዓኒ ኸሎ ኽዓብጦ እፍትን እየ፣ እዚ ግና ጽቡቕ ኣይኰነን” በለት።

ክኢላታት እውን ነዚ ይሰማምዑሉ እዮም። ዘ ግሪቪንግ ቲን ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ስምዒታትካ ኸይገለጽካ ንሓዋሩ ኣብ ውሽጥኻ ዓቚርካዮ ኽትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ዘይተጸበኻዮ እዋን ስምዒትካ ኺግንፍል ወይ ኣካላዊ ሕማም ኬስዕበልካ ይኽእል እዩ።” ሓዘንካ ምዕባጥ፡ ስቓይካ ንምርሳዕ ኢልካ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ናብ ምስታይ ወይ ሓሽሽ ናብ ምውሳድ ኪመርሕ ይኽእል።

ሓዘን እተሓዋወሰ ስምዒት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ‘ንምንታይ ሓዲጉኒ’ ዚብል ስምዒት ስለ ዚስምዖም፡ በቲ ዝሞተ ሰብ ይሓርቁ እዮም። ካልኦት ድማ ኣምላኽ ነቲ ዘጋጠመ ሞት ኪዓግቶ ኸም ዝነበሮ ብምሕሳብ ንኣምላኽ ይወቕስዎ። ብዙሓት ሓዘንተኛታት ከኣ ነቲ ዝሞተ ሰብ ገለ ዜጕሂ ነገር ተዛሪቦምዎ ወይ ገይሮምዎ እንተ ነይሮም፡ ኪመልስዎ ስለ ዘይክእሉ ናይ በደል ስምዒት ይስምዖም።

ብንጹር እምበኣር፡ ሓዘን ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ ኢኻ ኽትጸናናዕን ክኢልካዮ ኽትነብርን እትኽእል፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንሓደ ሰብ ኣዛርብ። ኣብዚ ኸቢድ እዋን እዚ፡ ርእስኻ ኻብ ካልኦት ክትፈሊ ትድረኽ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ምስ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ፈታዊኻ ናይ ልብኻ ምዝራብ፡ ስምዒታትካ ኽትቈጻጸር ኰነ በቲ ኣጋጢሙካ ዘሎ ዜሕዝን ፍጻመ ኸይትድቈስ ኪሕግዘካ እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 18:24።

መዝገብ ሓዝ። ብዛዕባ እቲ ብሞት እተፈልየካ ወላዲኻ ጽሓፍ። ንኣብነት፡ ብዛዕባኡ እንታይ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣሎካ፧ እንታይ ዚንኣድ ባህርይ ነይርዎ፧ ንስኻኸ ኻብኡ ኽትቀድሖ እትደሊ እንታይ እዩ፧

ብኣሉታዊ ስምዒታት እንተ ተዋሒጥካ፡ ንኣብነት፡ ንወላዲኻ ቕድሚ ሙማቱ ብዛዕባ እተዛረብካዮ ጐዳኢ ዘረባ ብቐጻሊ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ከም ዚስምዓካን ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚስምዓካን ጽሓፍ። ንኣብነት፡ “ኣቦይ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት መዓልቲ ምስኡ ተኸራኺርና ስለ ዝነበርና፡ ሕማቕ እዩ ዚስምዓኒ።”

ብድሕሪኡ፡ ነቲ ሕማቕ ከም ዚስምዓካ ዚገብር ምኽንያት ተቓወሞ። ዘ ግሪቪንግ ቲን ከምዚ ትብል፦ “ይቕረታ ኽትሓትት ዕድል ከም ዘይትረክብ ኣቐዲምካ ስለ ዘይፈለጥካ ኺስምዓካ የብሉን። ሓደ ሰብ ኣብ መጻኢ ይቕረታ ዜድልዮ ዘረባ ወይ ተግባር ኪገብር ከም ዘይግባእ ምሕሳብ ዘይክውንነታዊ እዩ።”—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ እዮብ 10:1።

ገዛእ ርእስኻ ተኸናኸን። ግቡእ ዕረፍቲ ውሰድ፡ እኹል ምውስዋስ ኣካላት ግበር፣ እተመጣጠነ ምግቢ ድማ ተመገብ። ምግቢ እንተ ኣብዩካ፡ ሸውሃትካ ኽሳዕ ዚኽፈተልካ፡ ኣብ መዓልቲ ጸጸኒሕካ ጥዕና ዚህብ ጠዓሞት ብላዕ። ሓዘንካ ኼቃልለልካ ኢልካ ንጥዕና ጐዳኢ ዝዀነ ምግቢ ኽትበልዕ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ ኣይትፈትን፣ እዚ ንሽግርካ መሊሱ እዩ ዜጋድዶ።

ንኣምላኽ ብጸሎት ተዛረቦ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ” ይብል። (መዝሙር 55:22) ጸሎት ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ጥራይ ኣይኰነን ዚገብር። ምስቲ ‘ኣብ ኵሉ ጸበባና ዜጸናንዓና’ ኣምላኽ እትገብሮ ናይ ሓቂ ርክብ እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4።

ኣምላኽ ነቶም ዝሓዘኑ ዜጸናንዓሉ ሓደ መገዲ፡ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ። ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታትን ተስፋ ትንሳኤን እንታይ ከም ዚብል ንምንታይ ዘይትምርምር፧c—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 94:19።

a ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እውን፡ ብዛዕባ ተመክሮ ዳሚን ዴሪክን ጀኒን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

b እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቶም ወለዶም ብሞት ዝሰኣኑ ዘተኰረት እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ስርዓታት ግና ኣብቶም ሓዎም ወይ ሓብቶም ወይ እውን ፈታዊኦም ብሞት ዝሰኣኑ እውን ዚውዕል እዩ።

c ኣብ ምዕራፍ 16 እታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ርአ። ካብ www.pr418.com ብናጻ ኸተራግፋ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ትሕቲ PUBLICATIONS ርአ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”—ምሳሌ 18:24።

  • “ብመሪር ጭንቀይ ክዛረብ እየ!” —እዮብ 10:1።

  • “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ [ኣምላኽ] ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።”—መዝሙር 94:19።

ንኻልኦት ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ

“ኣነን ስድራ ቤተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና። ሒደት ዓመታት ይገብር፡ ክልተ እንፈልጦም ቈልዑ፡ ኣዲኦም ብሕማም መንሽሮ ሞይታቶም ነይራ። ኣቦና ቕድሚ 17 ዓመት ኪሞተና ኸሎ ኸኣ ኣነን ሓብተይን ዳርጋ ኸክንዳኦም ኢና ኔርና።

“ኣነን ኣደይን ሓብተይን ንእሽቶ ሓወይን ኣብ ጐድኒ እዞም ስድራ ቤት እዚኦም ክንከውን ወሲንና። ኣብ ቤትና ንዕድሞም፣ ዜዘራርብዎ ሰብ ኣብ ዚደልዩሉ እዋን ጽን ኢልና ንሰምዖም፣ ምሳታቶም ግዜ ነሕልፍ፣ ምሳታቶም ዚጻወት ወይ ዚሰምዖም ወይ ዚመኽሮም ኪደልዩ ኸለዉ፡ ኰታስ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ኽንኰኖ ዝደለዩና ንዀነሎም ኔርና።

“ወላዲኻ ምስኣን ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ፣ ፈጺምካ ዚርሳዕ ድማ ኣይኰነን። ዋላ እውን ፍዅስ እንተ በለካ፡ ጸጸኒሑ እዩ ዚዝከረካ። እዞም ዝሓዘኑ ስድራ ቤት ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ስቓይ ይርድኣኒ ነይሩ እዩ፣ ሓደ ኻብቲ ስድራ ቤትና ንዓታቶም ብምሕጋዛ ዘሐጐሰኒ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ። ናብኦም ክንቀርብን ንሓድሕድና ኽንቀራረብን ከኣ ሓጊዙና እዩ።”—ዳሚ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ