ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 4 ገጽ 16
  • ውዕዉዕ ሰማያዊ ዝሕብሩ ፍረ ፖሊያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውዕዉዕ ሰማያዊ ዝሕብሩ ፍረ ፖሊያ
  • ንቕሑ!—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2017
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሕብርን ዓለባን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሕብሪ ብኸመይ ይጸልወካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 4 ገጽ 16
ፍረ ፖሊያ

ተነዲፉ ድዩ፧

ውዕዉዕ ሰማያዊ ዝሕብሩ ፍረ ፖሊያ

ፍረ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከብ ፖሊያ ኮንደንሳታ ዚብሃል ተኽሊ፡ ኣብ ካልእ ተኽሊ ዘየሎ ኣዝዩ ድሙቕ ወይ ውዕዉዕ ሰማያዊ ሕብሪ እዩ ዘለዎ። ይኹን እምበር፡ ሰማያዊ ሕብሪ ኸም ዚህልዎ ዚገብር ባህርያዊ ሕብሪ ወይ ዚቕልሞ ነገር የብሉን። እዚ ዜደንቕ ሕብሪ እዚ ኺህልዎ ዝኸኣለ ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሽፋን እቲ ፍረ ኣብ መናድቕ ዋህዮታቱ፡ ብመስርዕ ከም እተደርደረ ኽርቢት ዚመስል ኣዝዩ ቐጢን ጽሕጎታት ኣለዎ። እዚ ጽሕጎታት እዚ ብመስርዕ ተሰሪዑ ቐጸላ ዚመስል ብዙሕ ቅርጽታት ይፈጥር። እዚ ቐጸላታት እዚ ድማ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ቍሩብ ጥውይ ኢሉ ብምድርራብ፡ ጥውይዋይ ቅርጺ ዘለዎ ይኸውን። እቲ ጽሕጎታት ሰማያዊ ቐለም ዝሰተየ ኣይኰነን። ሕብሪ ዚፈጥር፡ እቲ ጽሕጎታት እተደርደረሉ መገዲ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ፍረ ውዕዉዕን ዜንጸባርቕን ሕብሪ ዝሃለዎ፡ ብባህርያዊ ሕብሪ ዘይኰነስ፡ ሳላ መዋቕር እቲ ሽፋን መናድቕ ዋህዮታት እዩ። መብዛሕትኡ ዋህዮታት፡ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ መሲሉ እዩ ዚርአ። ብእተፈላለየ ኣንፈት ኪርአ ኸሎ ግና፡ እቲ ቐጸላታት ቍሩብ ስለ ዚቕየር፡ ገሊኡ ቐጠልያ፡ ሊላ፡ ወይ ብጫ እዩ ዚመስል። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሕብርታት ቀሪብካ ምስ እትርእዮ፡ ኣብ ስክሪን ኮምፕዩተር ከም ዚርአ ደቀቕቲ ነጠብጣብ ሕብርታት እዩ ዚመስል።

ፍረ ፖሊያ ባህርያዊ ሕብሪ ስለ ዘይብሉ፡ ካብቲ ተኽሊ ምስ ረገፈ እውን ሕብሩ ኣይቅይርን እዩ። ቅድሚ ሚእቲ ዓመት እተቐንጠበ ፍረታት እውን ከይተረፈ፡ ኣዝዩ ደሚቕ ሕብሪ እዩ ዘለዎ። ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ ፍረ ፖሊያ፡ ዘርኢ ደኣ እምበር ዚብላዕ ነገር የብሉን፣ እቲ ሕብሩ ግና ንኣዕዋፍ ኣዝዩ ዚማርኽ እዩ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ነቲ ዘይተቐለመ ፍረ ፖሊያ ብምቕዳሕ፡ ዘይሃስስ ሕብሪ ዘለዎ ነገራት ወይ ከኣ ኪትምየን ወይ ኣመሳሲልካ ኺስናዕ ዘይከኣል ወረቐት ኪስራሕ ከም ዚከኣል ይኣምኑ እዮም።

እንታይ ይመስለካ፧ ውዕዉዕ ሰማያዊ ዝሕብሩ ፍረ ፖሊያ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ