ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 1 ገጽ 6-7
  • ኣካላዊ ጥዕናን ተጻዋርነትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣካላዊ ጥዕናን ተጻዋርነትን
  • ንቕሑ!—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክሳዕ ክንደይ እየ ሓቦኛ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2018
  • ኣካላዊ ጥዕና
    ንቕሑ!—2019
  • ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ሓዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 1 ገጽ 6-7
ሓንቲ ሰበይቲ ፍረታት ትኣሪ

መገዲ ሓጐስ

ኣካላዊ ጥዕናን ተጻዋርነትን

ሕዱር ሕማም ወይ ስንክልና ኣብ ህይወት ሰብ ዓብዪ ጽልዋ ኺገብር ይኽእል እዩ። ኡልፍ ዚብሃል ጽቡቕ ጥዕና ዝነበሮ ሰብ፡ ሓደ እዋን ምስ ለመሰ፡ “ከቢድ ጭንቀት ኣሕዲረ ነይረ። ብርታዐይን ትብዓተይን ሓይለይን ተጸንቂቑ። . . . ከም ዝሞትኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ” ይብል።

እቲ ንኡልፍ ዘጋጠሞ ነገር፡ ዋላ ሓደ ሰብ ጽባሕ ኣብ ጥዕናኡ እንታይ ከም ዜጋጥሞ ኺቈጻጸር ከም ዘይክእል የዘኻኽረና። ኰይኑ ግና፡ ንምሕማም ዘሎና ኣጋጣሚ ንምንካይ፡ እተወሰነ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ጥዕና እንተ ስኢንና ግና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ጠሪስና ሓጐስና ንስእን ዲና፧ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ከምኡ ኣይኰነን። ፈለማ ግና፡ ጽቡቕ ጥዕና ኽንረክብ ዚሕግዝ ገለ መሰረታዊ ስርዓታት እስከ ንርአ።

“ሚዛናዊ ዝልማዱ” ኹን። (1 ጢሞቴዎስ 3:2, 11፡ እ.ጽ.) ወትሩ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ ወይ ምስታይ ንጥዕናና ዀነ ንቝጠባና ጽቡቕ ኣይኰነን። “ካብቶም ብዙሕ ወይኒ ዚሰትዩ፡ ካብቶም ሃርጓፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን፣ ሰኽራምን ህሩፍንሲ ይደኽዩ እዮም።”—ምሳሌ 23:20, 21።

ንሰብነትካ ኣይትበክሎ። “ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።” (2 ቈረንቶስ 7:1) ሰባት ትምባኾ ኺሰፍፉ ወይ ኬትክኹ ኸለዉ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ኺሰትዩ ኸለዉ፡ ወይ ድማ ሓሽሽ ኪወስዱ ኸለዉ፡ ንሰብነቶም የርክስዎ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም ከም ዝገለጾ፡ ሽጋራ “ናብ ሕማምን ስንክልናን ይመርሕ፡ ዳርጋ ንዅሉ ኣካል ሰብነት ድማ ይጐድእ እዩ።”

ሰብነትካን ህይወትካን ከም ክቡር ውህበት ጌርካ ርኣዮ። “ብእኡ [ብኣምላኽ] ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:28) ነዚ ሓቂ እዚ ምግንዛብና፡ ስራሕ ክንሰርሕ ከለና፡ ማኪና ኽንዝውር ከለና፡ ወይ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ካብ ዘየድሊ ሓደጋ ኽንርሕቕ ይድርኸና። ንቕጽበት ውዕዉዕ ስምዒት ኪስምዓና ኢልና፡ ስንክልና ዜስዕብ ነገር ምግባር ስራሕ ዕሽነት እዩ።

ንኣሉታዊ ስምዒታትካ ተቘጻጸሮ። ኣብ መንጎ ኣእምሮናን ሰብነትን ጥቡቕ ምትእስሳር ኣሎ። ስለዚ፡ ካብ ጭንቀትን ቀይዲ ዘይብሉ ቝጥዓን ቅንእን ካልእ ጐዳኢ ስምዒታትን ክትርሕቕ ጽዓር። መዝሙር 37:8፡ “ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ” ትብል። ኣብ ካልእ ኸኣ፡ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ” ዚብል ነንብብ ኢና።—ማቴዎስ 6:34።

ኣብ ኣወንታዊ ሓሳባት ኣተኵር። ምሳሌ 14:30፡ “ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ” ትብል። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ” ይብል። (ምሳሌ 17:22) እዚ ብስነ ፍልጠት እውን ዚድገፍ ሓሳብ እዩ። ኣብ ስኮትላንድ እትነብር ሓንቲ ዶክተር፡ “ሕጉስ እንተ ዄንካ፡ ኣብ መጻኢ ንምሕማም ዘሎካ ዕድል ካብቲ ናይቶም ዘይሕጉሳት ዝወሓደ እዩ” ትብል።

ተጻዋርነት ኣማዕብል። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኡልፍ፡ መከራ ኽንጻወር እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኣማራጺ ኣይህልወናን ይኸውን። ከመይ ጌርና ኸም እንጻወሮ ግና ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ጠሪሶም ተስፋ ስለ ዚቘርጹ፡ እዚ ነቲ ነገር የጋድዶ እዩ። ምሳሌ 24:10፡ “ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን” ትብል።

ገሊኦም ከኣ ኣብ ፈለማ ተስፋ ድሕሪ ምቝራጾም፡ ተስፋኦም ይልምልም እዩ። ምስቲ ዅነታት ኪሰማምዑ ይጅምሩ። ንዝወረዶም መከራ ኺጾሩሉ ዚኽእሉ መገድታት ይረኽቡ። ኡልፍ ከምኡ እዩ ገይሩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣወንታዊ መልእኽቲ ብዙሕ ምስ ጸለየሉን ምስ ኣስተንተነሉን፡ “ዕንቅፋታት ዘይኰነስ፡ ኣጋጣሚታት” ኪርኢ ኸም ዝጀመረ ገሊጹ ኣሎ። ብተወሳኺ እውን፡ ከምቲ መከራ ዜሕልፉ ብዙሓት ሰባት ዚምሃርዎ፡ ንሱ እውን ርሕራሐን ድንጋጽን ተማሂሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ንኻልኦት ኪነግር ደሪኽዎ እዩ።

ካልእ ብዙሕ መከራ ዘሕለፈ ኸኣ፡ ስቲቭ ዚብሃል ሰብ እዩ። ወዲ 15 ዓመት ከሎ፡ ሓደጋ ኣጋጠሞ እሞ ኻብ ክሳዱ ንታሕቲ ለመሰ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንኣእዳዉ መሊሱ ኺጥቀመሉ ጀመረ። ድሕሪኡ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣተወ እሞ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ምንዝርናን ተቘማጥዐ። መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዜጽንዕ፡ ተስፋ ዚብሃል ኣይነበሮን። መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ምስ ጀመረ ግና፡ ኣብ ህይወቱ ሓድሽ ኣመለኻኽታ ኺህልዎ ጀመረ፣ እዚ ድማ ነቲ ወልፍታቱ ኼሰንፍ ሓገዞ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ፡ “እቲ ንነዊሕ ዚስምዓኒ ዝነበረ ባዶነት፡ ድሕሪኡ ተቐንጢጡ። ሕጂ ህይወተይ ብሰላምን ብሓጐስን ብዕግበትን ዝመልአ እዩ” ይብል።

ስቲቭን ኡልፍን ዝሃብዎ ሓሳባት፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 19:7, 8 ዚርከብ፡ “ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ፡ ሓይሊ የሐድስ። . . . ስርዓታት የሆዋ ጻድቕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ። ትእዛዝ የሆዋ ጽሩይ እዩ፡ ንኣዒንቲ የብርሀን” ዚብል ቃላት እዩ ዜዘኻኽረና።

ቀንዲ ነጥብታት

ንሕግታትን ንስርዓታትን ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ‘ሓይሊ የሐድስ፡ ንልቢ የሐጕሶ፡ ንኣዒንቲ ድማ የብርሀን።’—መዝሙር 19:7, 8።

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ የተባብዓና፦

  • ሚዛናዊ ዝልማዶም ክንከውን

  • ንሰብነትና ኽንከናኸን

  • ንህይወት ኣኽቢርና ኽንርእያ

  • ኣሉታዊ ስምዒታት ክንቈጻጸር

  • ኣብ ኣወንታዊ ሓሳባት ከነተኵር

  • ተጻዋርነት ከነማዕብል

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ