ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 3 ገጽ 4-5
  • ኣካላዊ ጥዕና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣካላዊ ጥዕና
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰብነትካ ተኸናኸኖ
  • ክትገብሮ እትኽእል፦
  • ጐዳኢ ልማዳት ኣወግድ
  • ካልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • 1 | ጥዕናኻ ሓሉ
    ንቕሑ!—2022
  • ከመይ ገይረ እየ እኹል ድቃስ ክረከብ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ሓዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 3 ገጽ 4-5
ሓደ ሰብኣይ ሰላጣ ይበልዕ

ኣካላዊ ጥዕና

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መጽሓፍ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ጥዑይ ኣነባብራ የተባብዕ እዩ። ንኣካላዊ ጥዕናኻ ኼመሓይሽ ዚኽእል ገለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ርአ።

ንሰብነትካ ተኸናኸኖ

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን።”—ኤፌሶን 5:29።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንኣካላዊ ጥዕናና ንምክንኻን ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር የተባብዓና እዩ። ብዙሕ ጸገማት ጥዕና ምስቲ ኣብ ኣነባብራና እንገብሮ ብሕታዊ ምርጫታት ዚተሓሓዝ ምዃኑ፡ ሓደ መጽናዕቲ ይሕብር እዩ። ስለዚ፡ ቅኑዕ ብሕታዊ ምርጫታት እንተ ጌርና፡ ዝሓሸ ጥዕና ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

ክትገብሮ እትኽእል፦

  • ኣመጋግባ። ንጥዕና ዚጠቅም ምግቢ ብላዕ፡ እኹል ማይ ድማ ስተ።

  • ንጡፍ ኩን። ዕድመኻ ብዘየገድስ ኣካላዊ ንጥፈት ንጥዕናኻ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ፣ ዋላ እውን ስንክልና ወይ ሕዱር ሕማም ዘሎካ እንተ ዀንካ፡ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እትፈትዎም ሰብካን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ መደብ ኣካላዊ ምውስዋስካ ኺሕግዙኻ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ጥቕሚ ንምርካብ ግና ንስኻ ባዕልኻ ኣብኡ ኽትሳተፍ ኣሎካ።

  • እኹል ድቃስ ደቅስ። ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ስእነት ድቃስ ንኸቢድ ሕማም ኬቃልዕ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወቶም ዚገብርዎ ምርጫታት፡ እኹል ድቃስ ኣይረኽቡን እዮም። ይኹን እምበር፡ እኹል ድቃስ ክትረክብ እንተ ወሲንካ፡ ህይወትካ ኺመሓየሽ ይኽእል እዩ።

ጐዳኢ ልማዳት ኣወግድ

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።”—2 ቈረንቶስ 7:1።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ብኸም ፍርያት ትምባኾ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ነገራት ንሰብነትና ዘይንብክሎ እንተ ዄንና፡ ገዛእ ርእስና ንጠቅም ኢና። እዚ ፍርያት እዚ፡ ጠንቂ ብዙሕ ሕማምን ሞትን እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል፦ ሽጋራ ምትካኽ እትሓድገላ ዕለት ወሲንካ፡ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕካ ምልክት ግበር። ድሮ እታ መዓልቲ ድማ፡ ኵሉ ሽጋራን መንገፍ ሽጋራን መወልዕ ሽጋራን ምስዚ ጐዳኢ ልማድ እተተሓሓዘ ነገራትን ኣወግድ። እዚ ልማድ እዚ ኻብ ዚዝውተረሉ ቦታታት ርሓቕ። ንዚድግፉኻ ፈተውትኻ ብዛዕባ ውሳነኻ ንገሮም።

ካልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ

መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ማሕበረ ሰብካ ንዚርከብ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሕተቶ

ንድሕንነት ጥንቁቕ ኩን።

“ሓድሽ ቤት እንተ ሃኒጽካ፡ ሰብ ካብኣ ኸይጸድፍ እሞ፡ ንቤትካ ዕዳ ደም ከየምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ።”​—ዘዳግም 22:8።

ቍጥዓኻ ተቘጻጸር።

“ንቝጥዓ ደንጓዪ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፣ ዓቕሊ ዘይብሉ ግና ዕሽነት የርኢ።”​—ምሳሌ 14:29።

እምብዛ ኣይትብላዕ።

“ካብቶም ሃርጓፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።”​—ምሳሌ 23:20።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ