ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g22 ቍ. 1 ገጽ 4-6
  • 1 | ጥዕናኻ ሓሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1 | ጥዕናኻ ሓሉ
  • ንቕሑ!—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ጥዕናኻ እተመሓይሸሉ መገድታት
    ንቕሑ!—2015
  • ጥዕናኻ ብኸመይ ከም እትሕሉ
    ንቕሑ!—2000
  • ኣካላዊ ጥዕና
    ንቕሑ!—2019
  • ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ሓዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2022
g22 ቍ. 1 ገጽ 4-6
ጥዕና ዚጠቅም እተፈላለየ ምግቢ ኣብ ሰደቓ።

ህውከት ዝመልኣ ዓለም

1 | ጥዕናኻ ሓሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ከቢድ ጸገማት ወይ ሓደጋታት፡ ኣብ ጥዕና ሰባት ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

  • መከራ ንሰባት የጨንቖም፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጭንቀት ድማ ንሕማም ኬቓልዖም ይኽእል እዩ።

  • ቅልውላው፡ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኽንክንን ሕክምናን ከይትረክብ ይገብር እዩ።

  • ሓደጋታት ንቝጠባ ስለ ዚጸሉ፡ ሰባት ንምግብን ንሕክምናን ምኽፋል የጸግሞም እዩ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ከቢድ ሕማምን ጭንቀትን ንናይ ምምዝዛን ክእለትካ ስለ ዚጸልዎ፡ ንጥዕናኻ ዕሽሽ ከም እትብሎ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንሕማምካ ኼጋድዶ ይኽእል እዩ።

  • ንሕማምካ እንተ ዘይተሓኪምካዮ፡ ኪገድድን ንህይወትካ ዜስግእን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ጽቡቕ ጥዕና እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ እዋን ህውከት፡ ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  • ቍጠባዊ ዅነታትካ ብዘየገድስ፡ ጥዕናኻ ኽትሕሉ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

ጥበበኛ ሰብ፡ ሓደጋ ኼምጽእ ዚኽእል ነገራት እንተ ርእዩ፡ ንምውጋዱ ስጕምቲ ይወስድ። እዚ ንጥዕና እውን ይምልከት እዩ። ጽሬት ምዝውታር፡ ሕማም ከተርሕቕ ወይ ክትንኪ የኽእል እዩ። ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና።

“ጽሬትናን ጽሬት ከባቢናን ብምሕላው፡ ንሕክምናን ንመድሃኒትን እነውጽኦ ንንኪ ኢና።”—ኣንድርያስ።a

a ኣብዛ መጽሔት ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐይሩ እዩ።

ብኸመይ ትዋጽኣሉ፧ ጠቓሚ ምኽርታት

ኣብ እዋን ህውከት፡ በዚ ዚስዕብ ግብራዊ ስጕምትታት ጥዕናኻ ሓሉ፦

ጽሬትካ ሓሉ

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ግዳም ብሳሙናን ማይን ኢዱ ይሕጸብ።

ጽሬት ኣዘውትር

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ።” (ምሳሌ 22:3) ኣብ ጥዕናኻ ኼጋጥም ንዚኽእል ነገራት ተዳሎን ኪመጽእ ንዚኽእል ሓደጋታት ከተወግድ ፈትንን።

  • ኣዘውቲርካ ብማይን ብሳሙናን ኣእዳውካ ተሓጸብ፣ ብፍላይ ድማ ምግቢ ቕድሚ ምትንካፍካን ዓይኒ ምድሪ ድሕሪ ምጥቃምካን።

  • ወትሩ ገዛኻ ኣጽርን ጸረ ባልዕ ተጠቐምን፣ ብፍላይ ድማ ብተደጋጋሚ ዚትንከ ቦታታትን ኣቝሑትን።

  • ብእተኻእለ መጠን ተመሓላላፊ ሕማም ካብ ዝሓመሙ ሰባት ርሓቕ።

ጥዑይ ምግቢ ተመገብ

ንጥዕና ዚጠቅም እተፈላለየ ምግቢ ኣብ ሰደቓ።

ጥዑይ ምግቢ ተመገብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን።” (ኤፌሶን 5:29) ብዛዕባ እቲ ናብ ውሽጥና እነእትዎ ነገራት ብምጥንቓቕ ንሰብነትና ኸም እንፈትዎ ነርኢ ኢና።

  • እኹል ማይ ስተ።

  • እተፈላለየ ፍረታትን ኣሕምልትን ብላዕ።

  • ንእትወስዶ ስብሕን ጨውን ሽኮርን ደረት ግበረሉ።

  • ትምባኾ ወይ ልዕሊ ዓቐን መስተ ወይ ሓሽሽ ኣይትውሰድ።

“ምእንቲ ኸይንሓምም፡ ጥዑይ ምግቢ ኽንምገብ ኢና እንጽዕር፣ እንተ ዘይኰይኑ ነቲ ዘሎና ንእሽቶ ኣታዊ ኣብ ሕክምና ኢና ኸነውዕሎ። ወጻኢታትና ኣብ ጽቡቕ ምግቢ ኸነውዕሎ ኢና እንመርጽ።”—ካርሎስ።

ኣካላዊ ምውስዋስን እኹል ዕረፍትን ግበር

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዶራን መገዲ ዘብዘብ ይብል።

ኣካላዊ ምውስዋስ ግበር

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ።” (መክብብ 4:6) ክንሰርሕ እኳ እንተ ኣሎና፡ ዕረፍቲ እውን ክንገብር የድልየና እዩ።

  • ምውስዋስ ኣካላት ኣዘውትር። ኣዘውቲርካ ብእግርኻ ብምኻድ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ዋላ እኳ ብዕድመ ዝደፋእካ፡ ስንኩል፡ ወይ ሕዱር ሕማም ዘሎካ እንተ ዀንካ፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ንጥዕናኻ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ።

  • ሓንቲ ጐርዞ ቐም ተብል።

    ዕረፍቲ ግበር

    እኹል ዕረፍቲ ግበር። እኹል ድቃስ ዘይምድቃስ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ጭንቀት ኬብዝሓልካን ከይተተኵር ኪገብረካን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኬስዕበልካ ይኽእል እዩ።

  • እትድቅሰሉ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ግዜ መድብ፣ ወትሩ እውን ሰዓቦ። መዓልታዊ እትድቅሰሉን እትትንስኣሉን ሕደ ዓይነት ሰዓት ኪህልወካ ፈትን።

  • ኣብቲ ኽትድቅሰሉ ዝመደብካዮ እዋን፡ ተለቪዥን ምርኣይ ወይ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ምጥቃም ኣወግድ።

  • ቅድሚ ምድቃስካ ብዙሕ ምግቢ ምብላዕን ካፈይን ኣልኮል ዘለዎ መስተ ምስታይን ኣወግድ።

“ድቃስ ንዅሉ መዳይ ጥዕናይ ከም ዚጸልዎ እፈልጥ እየ። እኹል ድቃስ እንተ ዘይደቂሰ፡ ሓድሓደ እዋን ርእሰይ የሕመንን ሰብነተይ ጸላዕላዕ ይብለንን እዩ። እኹል ድቃስ እንተ ደቂሰ ግና፡ ጽቡቕ ይስምዓንን ነቲ ኽገብሮ ዝደሊ ነገራት ክገብር ድልውቲ እኸውንን እየ። ብዙሕ ጕልበት እረክብን ብዙሕ ግዜ ኣይሓምምን እየ።”—ጀስቲን።

“ለብዒ ቫይረስ—እንታይ ክትገብር ትኽእል” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ሰበይቲ ንቫይረስ ማዕጾኣ ትኸፍተሉ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ። ነታ ለብዒ ቫይረስ—እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ብተወሳኺ፡ ነታ “ጥዕናኻ እተመሓይሸሉ መገድታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ