ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 1 ገጽ 10-11
  • ይቕረታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ይቕረታ
  • ንቕሑ!—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓቂ ዚዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ይቕረታ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ስለምንታይ ይቕረ እንብል?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ብናጻ ይቕረ በል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 1 ገጽ 10-11
ሓንቲ ሰበይቲ ንመሓዛኣ ይቕረ ትብለላ

መገዲ ሓጐስ

ይቕረታ

“ብቝልዕነተይ ጸርፍን ቈየቛን እናሰማዕኩ እየ ዓብየ። ይቕረ ምባል ኣይተምሃርኩን። ምስ ዓበኹ እውን፡ ንእተበደልክዎ በደል ንነዊሕ መዓልትታት ኣይርስዖን እየ ነይረ፣ ብእኡ ድማ ድቃስ እስእን ነይረ።” ነዚ ቓላት እዚ እተዛረበት፡ ሓንቲ ፓትሪሲያ እትብሃል ሰበይቲ እያ። እወ፡ ህይወትና ቝጥዓን ቅሬታን ዝመልኦ እንተ ዀይኑ፡ ሓጐስ ኰነ ጥዕና ኣይንረክብን ኢና። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ይቕረ ዘይብሉ ሰባት እዚ ዚስዕብ ኵነታት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ፦

  • ቍጥዓን ምረትን ንርክባቶም የሐርፍፎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ግሉላት ይዀኑ

  • ብቐሊሉ ዚቕየሙ ይዀኑ፡ ሕዱር ጭንቀት ድማ ይገብሩ

  • ኣብ ጌጋታት ስለ ዜተኵሩ፡ ኣብ ህይወቶም ባህታ ኣይህልዎምን

  • ከም እተጋገዩ ስለ ዚፍለጦም፡ ውሽጣዊ ሰላም ይስእኑ

  • ሓያል ውጥረትን ከቢድ ጸገማት ጥዕናን የጋጥሞም፣ ገለ ኻብቲ ጸገማት ጥዕና፡ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ሕማም ልቢ፡ ሪሕ፡ ሕማም ርእሲ ኺጥቀስ ይከኣልa

ይቕረ ምባል እንታይ እዩ፧ ንበዳሊ ምምሓር፡ ቍጥዓን ቅሬታን ሕነን ምሕዳግ ማለት እዩ። እዚ ማለት ግና ነቲ በደል ሸለል ምባል፡ ኣትሒትካ ምርኣይ፡ ወይ ከም ዘይተፈጸመ ጌርካ ምርኣይ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣጸቢቕካ እተሓስበሉ ብሕታዊ ውሳነ ዀይኑ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ምስቲ ሰብ ሰላም ምግባርን ጽቡቕ ርክብ ምምስራትን ከም እትደሊ ዜርኢ እዩ።

ይቕረ ዚብል ሰብ ነቲ በዳሊ ኸም እተረድኣሉ እዩ ዜርኢ። ከመይሲ፡ ይቕረ ዚብል ሰብ፡ ኵሉ ሰብ ብቓልን ብግብርን ከም ዚጋገ ወይ ከም ዚሓጥእ ይርዳእ እዩ። (ሮሜ 3:23) መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን” እዩ ዚብል።—ቈሎሴ 3:13።

እምበኣር፡ ይቕረ ምባል ኣገዳሲ ኽፋል እታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ዝዀነት ፍቕሪ እዩ። (ቈሎሴ 3:14) እወ፡ ብመሰረት ወብሳይት ክሊኒክ ማዮ፡ ይቕረ ምባል ናብዚ ዚስዕብ ይመርሕ፦

  • ዝሓሸ ርክብ፣ ንኣብነት፡ ንበዳሊ ትድንግጸሉን ትርድኣሉን ትርሕርሓሉን

  • ዝሓሸ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ጥዕና

  • ዝወሓደ ጭንቀትን ውጥረትን ጽልእን

  • ዝወሓደ ምልክታት ሕዱር ጭንቀት

ንርእስኻ ይቕረ በል። ብመሰረት መጽሔት ዲስኣቢሊቲ ኤንድ ሪሃቢሊቴሽን፡ ንርእስኻ ይቕረ ምባል፡ ‘ንምግባሩ ኣዝዩ ኣጸጋሚ፡ ግናኸ፡ ንኣእምሮኣውን ንኣካላውን ጥዕና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንርእስኻ ይቕረ ንምባል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

  • ከም ኵሉ ኻልእ ሰብ ጌጋ ኸም እትገብር ኣሚንካ ተቐበል ደኣ እምበር፡ ካብ ገዛእ ርእስኻ ፍጽምና ኣይትጸበ።—መክብብ 7:20

  • ጌጋታትካ ምእንቲ ኸይትደግሞ፡ ካብ ጌጋታትካ ተምሃር

  • ገሊኡ ጕድለት ባህርያትን ሕማቕ ልማዳትን ብሓንሳእ ስለ ዘይውገድ፡ ዕጉስ ኩን።—ኤፌሶን 4:23, 24

  • ምስ ኣተባባዕትን ኣወንታውያንን ለዋሃትን፡ ግናኸ ሓቂ ምስ ዚነግሩኻ ተዓራረኽ።—ምሳሌ 13:20

  • ንሰብ እንተ ጐዲእካ፡ ጌጋኻ ኣሚንካ ቐልጢፍካ ይቕረታ ሕተት። ሰላም እንተ ጌርካ፡ ውሽጣዊ ሰላም ትረክብ።—ማቴዎስ 5:23, 24

ብሓቂ ዚዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ፓትሪሲያ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት፡ ይቕረ ምባል ተማህረት። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ድማ፡ “ንህይወተይ ካብ ዝመረዞ ቝጥዓ ሓራ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ሕጂ፡ ኣነ ኣይሳቐን እየ፣ ንኻልኦት እውን ኣየሳቕን እየ። ኣምላኽ ከም ዜፍቅረናን ጽቡቕና ኸም ዚደልን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ እዩ” ኢላ ጸሓፈት።

ሮን ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ፡ “ሓሳባትን ተግባራትን ካልኦት ክቈጻጸር ኣይክእልን እየ። ነቲ ናተይ ግና ክቈጻጸሮ እኽእል እየ። ሰላም እንተ ደልየ፡ ቅሬታ ኽሓድግ ነይሩኒ። ንሰላምን ንቕሬታን፡ ከም ሰሜንን ደቡብን ገይረ ኽርእዮ ጀሚረ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ክልቲኡ ቦታ ክኸውን ኣይክእልን እየ። ሕጂ ሰናይ ሕልና ኣሎኒ” ይብል።

a ምንጪ፦ ወብሳይት ክሊኒክ ማዮ፡ ወብሳይት ጆንስ ሆፕኪንስ መዲስን፡ መጽሔት ሶሻል ሳይክያትሪ ኤንድ ሳይክያትሪክ ኢፒደሚዮሎጂ።

ቀንዲ ነጥብታት

“ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።”—ቈሎሴ 3:13።

ይቕረ ምባል ናብዚ ይመርሕ፦

  • ዝሓሸ ርክብን ውሽጣዊ ሰላምን

  • ዝወሓደ ጭንቀትን ጽልእን ውጥረትን

  • ዝሓሸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ጥዕና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ