ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 2 ገጽ 10
  • 7 መትከል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 7 መትከል
  • ንቕሑ!—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ኣድላይነት ስነ ምግባራዊ መትከላት
    ንቕሑ!—2019
  • ህይወትካ ዜመሓይሽ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት
    ንቕሑ!—2013
  • ተቐያያሪ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንውሉዳትካ፡ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣስርጸሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 2 ገጽ 10
ኣቦን ወድን ብኮምፓስ ገይሮም ኣንፈቶም ይፈልጡ

ጽቡቕ መትከል ከም ዜተኣማምን ኮምፓስ ብምዃኑ፡ ንውሉድካ ናበይ ኣንፈት ከም ዚኸይድ ንምውሳን ኪሕግዞ እዩ

ንወለዲ

7 መትከል

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

መትከል ኪብሃል ከሎ፡ ብብሕትኻ እትምርሓሉ ስርዓት ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽትመላለስ ትጽዕር ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ስነ ምግባራዊ መትከል እቲ ኣብ ደቅኻ ኽትተኽሎ ትደሊ ኢኻ።

መትከላትና ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት እውን የጠቓለል እዩ። ንኣብነት፡ ጽኑዕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዚስዕብ ሰብ ትጉህን ፍትሓውን ሓላዪን እዩ፣ እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብንእስነትካ እዩ ዚምዕብል።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዘመነ ተክኖሎጂ፡ ጽቡቕ መትከል ኣድላዪ እዩ። ካረን ዝስማ ኣደ፡ “ሕማቕ ጽልዋታት ብዝዀነ ሞባይል ኣብ ዝዀነ ግዜ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ደቅና ኣብ ጥቓና ኾፍ ኢሎም ከለዉ፡ ነውራም ነገር ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም” ትብል።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ ብሱላት እዩ።”—እብራውያን 5:14።

ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣድላዪ እዩ። እዚ ስርዓታት እዚ ኸም “በጃኻ” ወይ “የቐንየለይ” ምባል ዝኣመሰለ ምቕሉል ኣቀራርባን ንኻልኦት ምሕላይን የጠቓልል። ሰባት ኣብ ክንዲ ንኻልኦት ሰባት፡ ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዝያዳ ተገዳስነት ይገብሩ ስለ ዘለዉ፡ እዚ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም።”—ሉቃስ 6:31።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ስነ ምግባራዊ መትከልካ ግለጽ። ንኣብነት፡ ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ጌጋ ምዃኑ ንጹር መልእኽቲ እተዋህቦም መንእሰያት፡ ርእሶም ካብኡ ንምዕቃብ ዝያዳ ዕድል ኣለዎም።

ምኽሪ፦ ብህሉው ኵነታት ተጠቒምካ፡ ንደቅኻ ብዛዕባ መትከላትካ ኣመያይጦም። ንኣብነት፡ ሰባት ብጽልኢ ተላዒሎም ብዛዕባ ዝገበርዎ ገበን ዚገልጽ ዜና እንተ ሰሚዕካ፡ “ገሊኦም ሰባት ቍጥዓኦም ዚገልጹሉ መገዲ ዜስካሕክሕ እዩ። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዀይኖም፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

“ውሉዳት ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ መንጎ ቕኑዕን ጌጋን ንምምራጽ ብዝያዳ እዩ ዚኸብዶም።”—ብራንደን።

ስነ ምግባራዊ መትከልካ ምሃር። ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ፡ “በጃኻ” “የቐንየለይ” ምባልን ንሰባት ምሕላይን ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ፓረንቲንግ ዊዝኣውት ቦርደርስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ውሉዳት ኣባላት ሓደ ኻባታቶም ዚዓቢ ነገር፡—ማለት ኣባላት ስድራ ቤት፡ ቤት ትምህርቲ፡ ወይ ማሕበረሰብ፡—ምዃኖም ብእተገንዘቡ መጠን፡ ንርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ ዚጠቅም ሰናይ ተግባራት ብቐሊሉ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም” ትብል።

ምኽሪ፦ ደቅኻ ንኻልኦት ምግልጋል ዘለዎ ኣገዳስነት ምእንቲ ኺምሃሩ፡ ኣብ ገዛ ዚዓይይዎ ዕዮ ሃቦም።

“ደቅና ሕጂ ዕዮ ገዛ ምዕያይ እንተ ለሚዶም፡ በይኖም ኪነብሩ ምስ ጀመሩ ድንገት ኣይኰኖምን እዩ። ሓላፍነታት ምስካም ክፍሊ ህይወቶም ኰይኑ ኺጸንሕ እዩ።”—ታራ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ