ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 3 ገጽ 3
  • ንዘመናዊ ህይወት ዚኸውን ጥንታዊ መጽሓፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዘመናዊ ህይወት ዚኸውን ጥንታዊ መጽሓፍ
  • ንቕሑ!—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትካ ኼመሓይሾ ይኽእልዶ፧
    ንቕሑ!—2019
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2019
  • ንዘመናዊ ናብራ ዝኸውን ተግባራዊ መጽሓፍ
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
  • 4 | መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 3 ገጽ 3
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤተ መዘክር ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱሳት ይርኢ

ንዘመናዊ ህይወት ዚኸውን ጥንታዊ መጽሓፍ

ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃይማኖታዊ መጽሓፍ ብምዃኑ የኽብርዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ሃይማኖታዊ መምርሒ ጥራይ ኣይኰነን ዚህብ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዚጠቅም ግብራዊ ምኽሪ እውን ኣለዎ።

ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ንምኽሩ ኣብ ህይወቶም ከም ዚዓዪ ብምግባርን ዝረኸብዎ ጥቕሚ እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

“ህይወተይ ብዝያዳ ሚዛናዊ ዀይኑ እዩ። ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕናይ ተመሓይሹ እዩ። ብዝያዳ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ረኺበ እየ።”—ፊዮና።

“ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ህይወተይ ናይ ሓቂ ዕላማን ትርጉምን ረኺበ እየ።”—ግኒትኮ።

“ህይወተይ ብዙሕ ተመሓይሹ እዩ። ሕጂ ኣብ ስድራ ቤተይ ዘተኰረ ቐሊል ናብራ እዩ ዘሎኒ።”—ኣንድሪው።

እዚ ሳሕቲ ዜጋጥም ተመክሮታት ኣይኰነን። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልታዊ ህይወቶም ዚኸውን ግብራዊ መምርሒ ኸም ዘለዎ ርእዮም እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ንህይወት ሰባት ብኸመይ ከም ዜመሓይሽ እስከ ንርአ፦

  • ኣካላዊ ጥዕና

  • ስምዒታዊ ጥዕና

  • ናብራ ስድራ ቤትን ዕርክነትን

  • ኣተሓሕዛ ገንዘብ

  • መንፈሳውነት

እዚ ዚስዕብ ሓበሬታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሃይማኖታዊ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብራዊ መገድታት ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል እውን ኬርእየካ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ