ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp23 ቍ. 1 ገጽ 12-13
  • 4 | መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 4 | መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንታይ ማለት እዩ፧
  • ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
  • ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብኣእምሮኣዊ ሕማም ዚሳቐዩ ይሕግዞም
  • ዓለምለኻዊ ጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት
    ንቕሑ!—2014
  • 3 | ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ነቶም ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ብኸመይ ንሕግዞም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
wp23 ቍ. 1 ገጽ 12-13
ሕጕስቲ ሰበይቲ ብሽክለታ ትዝውር።

4 | መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ . . . ዚጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16።

እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ግብራውን ጠቓምን ምኽሪ ይህብ እዩ። እዚ ምኽሪ እዚ፡ ንሓደ ምስ ኣእምሮኣዊ ጸገም ዝቃለስ ሰብ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ገለ ኣብነታት ንርአ።

ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

“ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።”—ማቴዎስ 9:12።

መጽሓፍ ቅዱስ ሕክምና ኼድልየና ኸም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ሕማሞም ካብ ዜተኣማምን ምንጪ ቕኑዕ ሓበሬታ ብምርካቦምን ናብ ሓኪም ብምኻዶምን ኪሕገዙ ኽኢሎም እዮም።

‘ምውስዋስ ኣካላት ጠቓሚ እዩ።’—1 ጢሞቴዎስ 4:8፡ ናይ 1990 ትርጉም።

እቲ ኣካላዊ ጥዕናኻ ንምድልዳል እትገብሮ ጻዕሪ፡ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ኸመሓይሾ ይኽእል እዩ። ከም ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት፡ ጥዑይ ኣመጋግባ፡ እኹል ድቃስ ዝኣመሰለ ልማዳት ሓጋዚ እዩ።

“ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣ ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ።”—ምሳሌ 17:22።

ዜተባብዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ሚዛናውን ኪብጻሕ ዚኽእልን ሸቶ ምውጻእ፡ ሕጉስ ክትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ምስ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣብ እትቃለሰሉ እዋን፡ ኣወንታውን ትስፉውን ኴንካ ምእንቲ ኽትቅጽል ሚዛናዊ ኣርኣእያ ምሓዝ ሓጋዚ እዩ።

“ጥበብ ግና ምስ ትሑታት እያ።”—ምሳሌ 11:2።

ኵሉ ነገር ባዕልኻ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ ክትቅበል ፍቓደኛ ኹን። ፈተውትኻን ስድራ ቤትካን ኪሕግዙኻ ይደልዩ ይዀኑ፡ ግናኸ ብኸመይ ከም ዚሕግዙኻ ኣይፈልጡን ይዀኑ። ስለዚ፡ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከም ዜድልየካ ሓብሮም። ብዛዕባ እቲ ኻብኦም እትጽበዮ ነገራት ምኽንያታዊ ኹን፡ ነቲ ዚገብሩልካ ሓገዝ ድማ ወትሩ ኣመስግን።

ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብኣእምሮኣዊ ሕማም ዚሳቐዩ ይሕግዞም

“ውሽጠይ ጽቡቕ ስለ ዘይተሰመዓኒ ንሓኪም ኣማኺረ። ንሳ ድማ ብዛዕባ ሕማመይ ነጊራትኒ። እዚ ድማ ንዅነታተይ ክቕበሎን ንጥዕናይ ዝሓሸ ኣማራጺ ሕክምና ኺደልን ሓጊዙኒ።”—ኒኮል፡a ብባይፖላር ዲስኦርደር እትሳቐ።

ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ሓኪም ትዘራረብ።

“ምስ ብዓልቲ ቤተይ ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲረ ምንባበይ፡ ንመዓልተይ ብኣወንታውን ሃናጽን ሓሳባት ኪጅምሮ ኣኽኢሉኒ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጭንቀት ኪብርትዓኒ ኸሎ፡ ምስ ኵነታተይ እትሰማማዕ ጥቕሲ ንልበይ ትትንክዮ እያ።”—ፒተር፡ ብሕዱር ጭንቀት ዚሳቐ።

“ኵነታተይ ስለ ዜሕፍረኒ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ምዝራብ ይኸብደኒ እዩ። ሓንቲ ዚቐርባ መሓዛይ ግና ስምዒተይ ትርድኣለይን ትድንግጸለይን እያ። ጽቡቕ ኪስምዓንን በይነይ ከም ዘይኰንኩ ኺስምዓንን ሓጊዛትኒ እያ።”—ጂ ዩ፡ ምስ ምምዝባል ኣመጋግባ እትቃለስ።

“መጽሓፍ ቅዱስ ንስራሕን ንዕረፍትን ብዚምልከት ሚዛናውን ምኽንያታውን ኪኸውን ሓጊዙኒ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ ነቲ ዜጋጥመኒ ስምዒታዊ ጸገም ኪዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ።”—ቲሞቲ፡ ምስ ኦብሰሲቭ ኮምፕለሲቭ ዲስኦርደር ዚቃለስ።

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

“ንዝንታ ናብ ሓጐስ ቀይሮ” ዘርእስታ ቪድዮ።
ንዝያዳ ሓገዝ፦

ንዝንታ ናብ ሓጐስ ቀይሮ ዘርእስታ ቪድዮ ኣብ jw.org ርኣያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ