ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp23 ቍ. 1 ገጽ 10-11
  • 3 | ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3 | ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንታይ ማለት እዩ፧
  • ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
  • 2 | ‘ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • 4 | መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • 1 | ጸሎት—“ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
wp23 ቍ. 1 ገጽ 10-11
ነብዪ ሙሴ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ኣንቃዕሪሩ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ።

3 | ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ . . . ‘ከማና ዝስምዒቶም’ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ይገልጽ እዩ።—ያእቆብ 5:17።

እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽ ህይወት እተፈላለየ ስምዒታት ብዛዕባ እተሰምዖም ሰብኡትን ኣንስትን ንረክብ ኢና። ብዛዕባኦም ከነንብብ ከለና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ምስ ናትና ዚመሳሰል ተመክሮ ዘለዎ ሰብ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ኵላትና፡ ሰባት ስምዒትና ኺርድኡልና ንደሊ ኢና። ብፍላይ ድማ ምስ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣብ እንቃለሰሉ እዋን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ካልኦት ከማና ዝሓሰቡን እተሰምዖምን ከም ዝነበሩ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ብጭንቀትን ብዚርብሽ ስምዒትን ክንወሓጥ ከለና፡ ከምዚ ዚስምዓና ንሕና ጥራይ ከም ዘይኰንና ንግንዘብ፡ እተገለልና ዀይኑ ድማ ኣይስምዓናን እዩ።

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝጐሃዩን ተስፋ ዝቘረጹን ሰባት ዚገልጽ ብዙሕ ሓሳባት ንረክብ ኢና። ‘ሕጅስ በቃ ይኣኽለኒ’ ዝበልካሉ ግዜስ ኣሎዶ፧ ሙሴ፡ ዳዊት፡ኤልያስ ከምኡ ተሰሚዕዎም ይፈልጥ እዩ።—ዘሁልቍ 11:14፣ 1 ነገስት 19:4፣ መዝሙር 55:4።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣመና ተመሪራ” ብዛዕባ ዝነበረት ሃና ዝስማ ሰበይቲ ይገልጸልና እዩ፣ ከምዚ እተሰምዓ፡ ውላድ ስለ ዘይነበራን እታ መቐናቕንታ ዝነበረት ሰበይቲ ብዛዕባኡ ተባጭወላ ስለ ዝነበረትን እዩ።—1 ሳሙኤል 1:6, 10።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከማና ዓይነት ስምዒት ብዛዕባ ዝነበሮ እዮብ ዝስሙ ሰብኣይ ይገልጽ እዩ። ንሱ ናይ እምነት ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ከቢድ ጭንቀት ምስ ኣጋጠሞ፡ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፦ “ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ።”—እዮብ 7:16።

እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት፡ ንጐዳኢ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዘሰነፍዎ ብምምርማር፡ ንሕና እውን ንጭንቀትና ኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዝ፧—ኬቨን

ባይፖላር ዲስኦርደር ዘስዓበለይ ስቓይ

ኬቨን ምስ ክልተ ፈተውቱ ቡን ይሰቲ።

“ኣብ መወዳእታ ኣርበዓታት ዕድመይ ባይፖላር ዲስኦርደር ከም ዘሎኒ ተነግረኒ። ኣብ ህይወት ንዘጋጠመኒ ዝዀነ ይኹን ጸገማት ፍታሕ ምርካብ ዘይከብደኒ ግዝያት ኣሎ። ኣብ ካልእ ግዜ ግና ብህይወት ምንባር ዘይጠቅም ኰይኑ ይስምዓኒ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ

“ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከም ናተይ ዓይነት ተመክሮ ነይርዎ። ንሱ ዘይረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ዚገብሮ ጌጋታት ገይሩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ክንዲ በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ዚቕጽል፡ ምስቶም ዚሓልዩሉ ሰባት ይቀራረብ ነይሩ። ብሰንኪ ባይፖላር ዲስኦርደር ሕማቕ መዓልቲ ኼሕልፍ ከለኹ፡ ዘይፍጽምናይ የጨንቐኒ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ድማ ይስምዓኒ እዩ። ከም ጴጥሮስ፡ ኣነ እውን ምስቶም ኣብ ህይወተይ ተስፋ ኸይቈርጽ ዚሕግዙኒ ኣዕሩኽ ኪቀራረብ ከም ዘሎኒ ተገንዚበ እየ።

“ካልእ ዜጸናንዓኒ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ንጉስ ዳዊት እዩ። ንጉስ ዳዊት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ዅነታቱ ኣዝዩ ይጭነቕ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ጌጋታቱ ኣዝዩ ይጠዓስ ነይሩ እዩ። ኣነ እውን ከምኡ ዓይነት ስምዒት ይስምዓኒ እዩ፣ ከመይሲ፡ ሓድሓደ ግዜ ብዝገበርክዎ ወይ ብዝበልክዎ እጠዓስ እየ። እቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 51 እተዛረቦ ቓላት ኣጸናኒዑኒ እዩ። ንሱ ኣብ ፍቕዲ 3፡ ‘ኣነስ ንኣበሳይ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ፣ ሓጢኣተይ ከኣ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እዩ’ ኢሉ ኣሎ። ኣዝየ ኣብ ዚጭነቐሉ እዋን ብዛዕባ ርእሰይ ኣወንታዊ ምዃን ስለ ዚኸብደኒ፡ እዚ ንስምዒተይ ይገልጾ እዩ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ዳዊት ኣብ ፍቕዲ 10 እተዛረቦ እውን ይስምዓኒ እዩ፡ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ ዝዀነ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ኣንብር።’ ኣነ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓኒ፡ ኣምላኽ ኪሕግዘኒ ለሚነዮ እየ። ፍቕዲ 17 እውን ኣጸናኒዓትኒ እያ፣ ከምዚ ትብል፦ ‘ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ።’ እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረኒ ኣረጋጊጻትለይ እያ።

“ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣብነታትን ኣብቲ ኣምላኽ ሕጂ ዝሃበኒ ነገራትን ብምትኳር፡ ብዛዕባ መጻኢ ንዘሎኒ ተስፋ ኣደልዲለ እየ። ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ጋህዲ ዀይኑለይ፡ እዚ ድማ ብተጻዋርነት ኪቕጽል ሓጊዙኒ እዩ።”

ንዝያዳ ሓገዝ፦

ነታ ኣብ ናይ 2019 ግምቢ ዘብዐኛ ሕታም ህዝቢ ቍ. 2 ዝወጸት “ብህይወት ምንባር ምስ ዚጽልኣካ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ jw.org ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ