ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 70
  • ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ የጋጥም፧
  • ክትገብሮ እትኽእል ሰለስተ ነገራት
  • ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንጭንቀት ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • 3 | ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ጸገም፦ ኣሉታዊ ስምዒት
    ንቕሑ!—2015
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 70
ሓደ መንእሰይ ሕዙን ገጽን ሕጉስ ገጽን ይስእል

መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታት

ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧

“ሓደ መዓልቲ ጽቡቕ ይስምዓኒ፡ ኣብ እትቕጽል መዓልቲ ኸኣ ኣዝዩ ሕማቕ ይስምዓኒ። ትማሊ ኸም ቀሊል ገይረ ዝርእዮ ዝነበርኩ ነገራት፡ ሎሚ ግና ክዋጽኣሉ ይኸብደኒ።”—ካሪሳ።

ስምዒታትካ ልክዕ ከም ሓጐጽጐጽ ዝመልኦ መገዲ ኣታውን ወጻእን ዝበዝሖ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧a ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

  • ስለምንታይ የጋጥም፧

  • ክትገብሮ እትኽእል ሰለስተ ነገራት

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ስለምንታይ የጋጥም፧

ኣብ ዕድመ ብጽሕና፡ ስምዒታትካ ኽብን ለጠቕን ኪብል ንቡር እዩ። ግናኸ፡ ዋላ እውን ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ዘለኻ ኽነስኻ፡ ስምዒታትካ ብሃንደበትን ብዘይተጸበኻዮ መገድን ዚቀያየር ምዃኑ ኼሰንብደካ ይኽእል እዩ።

ነቲ ብቐጻሊ ዚቀያየር ስምዒታትካ ምርዳኡ ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ፡ ሓያሎ ኻብዚ ስምዒታት እዚ ብምኽንያት ምልውዋጥ ሆርሞናትን ብምኽንያት እቲ ንቡር ክፋል ዕቤት ዝዀነ ሻቕሎትን ስግኣትን ዚመጽእ ምዃኑ ኣይትረስዕ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ንስምዒታትካ ኽትርድኦን ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ኸም እትኽእል ክትምሃርን ትኽእል ኢኻ።

ክውንነት ህይወት፦ ገና መንእሰይ ከለኻ ንስምዒታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ፡ እኹል ሰብ ምስ ኰንካ እዚ ኽእለት እዚ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ኬድልየካ እዩ።

ሓደ መንእሰይ ኣብ መገዲ ኻብ ዘሎ ጐዳጕዲ ኼምልጥ ይጽዕር

ኣሉታዊ ስምዒታት ልክዕ ከም ኣብ ሓደ መገዲ ዘሎ ጐዳጕዲ እዩ። ክእለት ብምጥራይ፡ ካብቲ ዝኸፍአ ጐዳጕዲ ኣምሊጥካ መገድኻ ኸተጣጥሕ ትኽእል ኢኻ

ክትገብሮ እትኽእል ሰለስተ ነገራት

ተዛረብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 17:17።

“ከም ሓትኖይ ገይረ ዝርእያ ናይ ቀረባ ፈታዊት ስድራና ኣላ። ክዛረብ ከለኹ ጽን ኢላ ስለ እትሰምዓኒ፡ ናጻ ዀይነ እየ ስምዒተይ ዝገልጸላ። ኣረኣእያይ ቅኑዕ ኪኸውን ከሎ፡ ብኣይ ትዀርዕ እያ፣ ክጋገ ኸለኹ ኸኣ ብጽቡቕ መገዲ ትእርመኒ እያ።”—ዮላንዳ።

ምኽሪ፦ ምስቶም ከማኻ ምስ ተቐያያሪ ስምዒት ዚቃለሱ ዘለዉ ኪዀኑ ዚኽእሉ መዛኑኻ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትዘራረብ፡ ምስ ወላዲኻ ወይ ምስ እትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ተዘራረብ።

ጽሓፍ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዮብ ኣዝዩ ምስ ጨነቖ፡ “ንመረረተይ መተንፍሶ ኽገብረሉ እየ። ብመሪር ጭንቀይ ክዛረብ እየ!” ኸም ዝበለ ይነግረና። (እዮብ 10:1) ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ካልእ ሰብ ምዝርራብካ፡ ስምዒትካ ኽትገልጸሉ እትኽእል ካልእ መገዲ፡ ብዛዕባ ስምዒታትካ ምጽሓፍ እዩ።

“ኣብ ዝኸድክዎ፡ ንእሽቶ ጥራዝ እማላእ እየ። ዜሕርቐኒ ነገር ኬጋጥመኒ ኸሎ ኸኣ፡ ብዛዕባኡ እጽሕፍ። ምጽሓፍ ንጥዕናይ ኣዝዩ እዩ ዚጠቕመኒ።”—ኤልያና።

ምኽሪ፦ ብዛዕባ እተሰምዓካ ስምዒትን እንታይ ከም ዘለዓዓሎን ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ኸም እትኽእልን እትጽሕፈሉ መዝገብ ሓዝ። እታ ምስዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተተሓሓዘት ወረቐት ዕዮ ኸምዚ ኽትገብር ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።

ጸሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ” ይብል።—መዝሙር 55:22።

“ክጭነቕ ከለኹ ብተደጋጋሚ እየ ናብ የሆዋ ዝጽሊ። ናይ ልበይ ኣውጺአ ምስ ተዛረብክዎ፡ ፍኹስ ይብለኒ እዩ።”—ጃስሚን።

ምኽሪ፦ ጭንቀት ዚስምዓካ ኽነሱ፡ ኣብ ህይወትካ ብዛዕባ ዝረኸብካዮ ኸተማስወሉ እትኽእል ሰለስተ ነገራት ሕሰብ። ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ኸለኻ፡ ኪሕግዘካ ለምኖ፣ ግናኸ፡ ስለቲ ዝረኸብካዮ በረኸት ምምስጋን እውን ኣይትረስዕ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ዳንኤል

“ፊልጲ 4:6፡ ብዛዕባ ዜጨንቐና ነገራት ‘ምስ ምስጋና’ ኽንጽሊ ትነግረና እያ። ኣብ ጸሎተይ፡ መማሰዊ ክኸውንን ንየሆዋ ኸመስግነሉ ዝኽእል ሓድሽ ነገር ክረክብን እጽዕር እየ። ከምኡ ምግባረይ ጭንቀተይ ከም ዚንኪ ዚገብር ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—ዳንኤል።

ጀሲካ

“ሓድሓደ ግዜ ንየሆዋ ናይ ልበይ ከፍስሰሉ ሓይሊ እስእን እኳ እንተ ዀንኩ፡ ከምኡ ኻብ ምግባር ግና ዓዲ ኣይውዕልን እየ። ጸሎት፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ፈቃር ከም ዝዀነን ከምቲ ራእይ 21:4 እትብሎ ኣብ ቀረባ እዋን ‘ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንትና ኺደርዝ’ ምዃኑን ክግንዘብ ይሕግዘኒ እዩ።”—ጀሲካ።

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዚርአ ስምዒታዊ ለውጥታት እያ እትገልጽ። ምስ ባይፖላር ዲስኦርደር ዚብሃል ሕማም ኣእምሮ ወይ ካልእ ዓይነት ጭንቀት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ነታ “ንጭንቀት ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧” (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ